2018-05-10 16:26:00

ወንጌልን ሰላምን፡ ኣብ ስነ ሜላዊ ርክባት ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን


ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ኣብ ሰማያዊ ቤት ውልደት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ፥ “ጳውሎስ ሻድሻይን ወንጌል ኣብ ኣዋናዊ ዓለም”   ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዕለት 9 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ወንጌል ሰላምን ኣብ ስነ ሜላዊ ርክባት ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝብል ኣርእስቲ ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጥይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ር.ሊ.ጵጵስና ኣገልግሎት ኣብ ወንጌልን ሰላምን ዝተማእከለ ክኸውን እንከሎ። ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ርክባት ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘነጸሩን ኣብ መድረኻት ዓለም ዘለዎ ግደ ቅርጺ ከምዘትሓዙ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ብቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝተበገሰ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሑን ናይ ር.ሊ.ጳ. ብጀካ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን እቲ ምድራዊ ስልጣን ከም ናይ መንግስቲ መራሒ ዝገልጽ ዝነበረ ሓላፍነት ኣብ ዘብቀዓሉ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ህላወ ልኡካነ መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገር ዘብቕዕ ኣብ ዝመስለሉ ዝነበረ እዋን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ቁጽሩ ክብ እናበለ ክኸይድ ከምዝገበሩ ቃል ብፁዕ ፓርሎኒ ጠቒሶም ራቪያርት የመልክቱ።

ስነ ሜላዊ ርክብ ክም ድልያ ሰላም

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ቅድሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምሕራዮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ከምዘገልገሉን፡ በቲ ዝነበሮም ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከኣ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዝነበረ ጸገም ኵሉ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ኣብ ዝብል እማኔኦም ጸኒዖም ብፍላይ ሰብኣውነትን ሰላምን ዘማእከለ ዘተ ዘነቓቕሑን እዮም ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፡ ቤተ ክርስቲያንን መንግስታትን ክልተ ዝተፈላለዩ ባዕላዊ እውን እንተዀኑ፡ ምእንቲ ምርግጋጽ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ረብሓ ኣብ ምዕያይ ተመሳሳልነት ኣለዎም፡ ስለዚህ እዚ ንሰብኣዊ ረብሓ ዝብል ኣገልግሎት የራኽቦም፡ ምድራዊ ስልጣን ወይ ዓለማዊ ስልጣን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጠሩሹ ከይርአይ ሞንቲኒ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም፡ ካብ መንግስታት ሃገራት ፍሉይ ሓለፋ ዘይምድላይ ዝበሉ እውን እዮም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት የመልክቱ።

ሓድሽ ሓላፍነት ሓዋርይዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ቃል ጠቒሶም ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ብርግጽ ናይ ቅድስቲ መንበርን ቤተ ክርስቲያንን ሕጋዊ መሰል እዮም ዝጣበቑ፡ ካብዚ ብዘይተፈልየ ደረጃ ከኣ ስለ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላይ ናይ ድኻታትን ዝተናዕቁን ኣብ ድኽነት ናይ ዝርከቡ ኣሕዛብ ይጣበቑ ቢሎም ምስ ኣረድኡ ኣተሓሒዞም፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ዓውሎማነት እናዓብለሎ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ሚዛንነቱ ምስ ኣጥፍኤ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቀድም እተስተምህሮ ሰላም ጥራሕ እዩ ሚዛንነት ዝህብ እናበለት ሰላም ኣብ ምሕናጽ እቲ ሓደ ዕላማ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ገይራ ብኹለ መዳይ ትዓዪ፡ ሰላም ናይ ክርስትና እምነት ጥበብ እዩ፡ ስለዚህ ንክርስቲያን ሰላም ምብሳር ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳር ማለት እዩ እንክብሉ ቃል ጳውሎስ ሻድሻይ ጠቒሶም ከምዘመልከቱ ራቪያርት ሓቢሮም።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ፈላሚ

ጳውሎስ ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘበገሱ እዮም። ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ፍልስጥኤም ገይሮም ኣብ ኒው ዮርክ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ሃይማኖታዊ ስልጣኖም ዘይኰነስ ሞራላዊ ሓላፍነቶም ኣረጋጊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጀካ ሰላምን ምዕባለ ኣሕዛብን ካልእ ኣቃልብ ናይ ዘይብሉ ናይ ኣመንቲ ማሕበረሰብ ምዃና ከምዘነጸሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቃል ጳውሎስ ሻድሻይ መሰረት ገይሮም ምስ ገለጹ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ 1968 ዓ.ም. ዘበገሱን ነቲ ኣብ ቨትናምን ማእከላይ ምብራቕን ዝነበረ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ብምቕራብ ሚዛንነት ዓለም ኣብ ሰላም ምዃኑ ዝመስከሩ እዮም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ሓቢሮም።

ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን

ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላምን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማዕርነትን ዝዓዩ ከምዝዀኑን እዚ ከኣ ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ብምባል ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን ዘነቓቕሑን ምእንቲ ምስፋሕ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዓዩ እያቶም። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ እትርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸገማት መፍትሒ ክረክብን ነተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘራኽቡን መንፈስ ኵላውነት መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ዘህልዉ እያቶም ምስ በሉ፡ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣስፍሆተ ወንጌል ቀዳምነት ክወሃቦ ብዝብል ፍሉዩ ውሳኔ ናይ ሰላም ወንጌል ዘተባብዑን እውነተይና ሰላም ወንጌላዊ እዩ ዝበሉን፡ ስለዚህ ወንጌል ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን ማዕርነት መላእ ዘርኢ ሰብ ዝብል ምዃኑ ከምዘመልከቱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝወረስዎ መንፈሳውንስ ሰብኣውን ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝወረስዎ መንፈሳውን ሰብኣውነትን ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን ዓሚዩቕን ዓቢይን ምዃኑ ብዝደረስዎ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ይምስክርዎ፡ ኣብዛ ናይ ወንጌል ሃሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ግዜ ሕዛባዊ ምዓበለ ዘርእስታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት መልእክቲ ይውከሱ፡ ሰላም ኩነት ኣልቦ ውግእ ማለት ዘይኰነስ ዕለት ብዕለት ዝህነጽ መደብ ኣምላኽ ብምስዓብ ዝረጋገጽ ምዃኑ የብርሁ፡ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነት ኣልቦ ድኽነትን ማለት ምዃኑ ኣጽኒዖም የረጋግጹ። ልክዕ ከመ ጳውሎስ ሻድሻይ ወንጌል ንዅሉ ዝዛረብ ምዃኑ የስተምህሩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.