2018-05-10 16:10:00

ዕለት 11 ግንቦት መደብ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መላእ ቸክ ረፓብሊክን ስሎቫኪያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ዕለት 9 ግንቦት ክሳብ ዕለት 12 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይዱ ንዘለዉ ብፁዕነቶም ሜጥሮፖሊታ ናይ ፕረኦቭ ሊቀ ጳጳሳት ራትሲላቭ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከዘራርቡ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሱ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

እዞም ኣብ ውርሒ ጥሪ 2014 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ብፅዕናኦም ቀዳማዊ ራስቲስላቫ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካይድዎ ምብጻሕ ፈለማ ምዃኑ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ብፅዕናኦም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ብራቲስላቫን ፕረሶቮን ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ብፅዕናኦም ዝተራኸቡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሶም፡

ናይቲ ምብጻሕ መራሓ ግብሪ

ዕለት 9 ግንቦት ሮማ ምስ ኣተዉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማራታ ሕንጻ ከምእተኣንገዱን ዕለት 10 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ቀለመንጦስ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ቀርሎስ ኣብ ዝዓረፈሉ መንበረ ታቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረን ፎሪ ለ ሙራ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙን ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ጥንታዊ ማሕበረ ሰማዕታት እምነት ዝቕበሩሉ ዝነበረ ካታኮምበ ትሕቲ መድሪ ናይ መቓብር ስፍራ ተባሂሉ ካብ ዝንገረሎም ሓደ ዝዀነ ኣብ ካታኰምበ ቅዱስ ሰባስቲያን መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም፡ ዕለት 12 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናብ ስሎቫኪያ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሮም።

ብፅዕናኦም ኣብዚ ኣብ ሮማን ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ ብናይ ሚካሎቭቸን ኮሲቸን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዡራይን ብናይ ፕራግን ናይ ከባቢ ቸክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚካል ዝተሰነዩ ምዃኖም ቸንቶፋንቲ እንክሕብሩ፡

ናይ መሬት ቸክን ስሎቫኪያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ተመሓዳሪት ካብተን 14 ብርእሰን ዝመሓደራ ናይ ቢዛንታንያዊ ዝበሃላ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣትምደብ ክትከውን እንከላ፡ ብብዝሒ ምእመናን ዝነኣሰት እውን እንተዀነት ምስተን ካልኦት ብፓትሪያርካት ዝምርሓ ድዩ ርእሰ ሓዋርያዊ ተመሓደርቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ማዕረ ሕገ ቀኖናዊ መሰል ዘለዋ ምዃና ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ኣናስራ ካብቲ ኣብ ሃገራት ስላቭ ወንጌል ዘስፍሑ ቅዱስ ቀርሎስን መጦዲዮስን ምዃኑ ታሪኽ ናይታ  ቤተ ክርስቲያን ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ 1946 ዓ.ም. ከም ናይ ቸኮስላቫኪያ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብናይ መላእ ሩስያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝጠቓለላ ብናይ ሰርቢያን ናይ ቁስጥንጥንያን ፓትሪያርክ ሓዋርያዊ ምሕደራ ካብ ዝምርሃ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓንቲ ከምዝነበረትን ካብ 1951 ዓ.ም. ንነጀው መሰል ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕድርቲ ኰይና ቆይማ እዚ ስልጣን ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕደራ ኣብ 1998 ዓ.ም. ካብ ቁስጥንጢያ ፓትሪያክ ኣፍሊጦ ከምዝረኸበ ናይታ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ የመልክት።

ሱታፌ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሕደነት ኣብ ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ

ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው እታ ናይ መሬታት ቸክን ስሎቫኪያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየደ ንሓድነት ኣብ ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ልኡኻታ እተሳትፍ ኰይና ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ እውን ከምእተሳተፈትን ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት ምዃኑ ብምምልካት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳዊ ተመክሮ ዝምንጭው ትርጉም ጉባእያውነት ከተስተውዕል የተሓሳስቡ፡ ስለዚህ ሱታፌ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓ.ም. ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ሓደኣውነት ዓይነትን ተምሳል ሓዳኣዊ ማለት ከምዘይኰነን፡ ኣንታይ ደኣ ሕጋውን ቅኑዕን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መለለዪ ብሓደ ብሰላም ዝነበረሉ ኩነት ማለት እዩ፡ ተወዳደሪ ዘይኰኑስ ኣሕዋት ምዃን ማለት ከምዝዀነ ድማ ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ናይ ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ቂሪል ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘስመሩሉ ሓሳብ እውን ምዃኑ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 15 ፍቕዲ 5 ጠቒሶም ከምዘብርሁ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.