2018-05-11 15:23:00

ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ፥ ዘይሕጋዊ ዓለም ሓቆፍ ንግድ ማዕድን ወርቅን ኣልማዝን ዝጕሃሃር ዘሎ ውግእ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ኣዕርጊም ምስ ኣብቅዑ ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ንዝነበረ በሸሓት ንዝቑጸሩ ነጋድያን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም ናብታ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ሓዋርያዊ ዑደት ዘካየዱላን ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጒይ ፍሉይ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ብወግዒ ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ኣብ ዘበገሱላ ሃገረ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ብዘይሕጋዊ ንግንድ ማዕድን ወርቅን ኣልማዝን ዝጓሃሃር ዘሎ ሰላማዊ ሕዝቢ ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ደው ክብል ጻውዒት ሰላም ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብዛ ነበር ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበረት ሃገር ብዘይ ሕጋዊ ንግድ ዓለም ሓቖፍ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታታ ዝጓሃሃር ብዘሎ ሕድሕዳውን ውግእ በቢ ዕለቱ ኣዚያ ኣብ ስቓይን ሞትን ትጥሕል ከምዘላ ጋዜጠይና መደብር ሕዝባዊ ረዲዮ ምስቲ ብልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ ማሕበር ልኡካን ዝመሓደር ኣፍሪቃ እተሰምየ መጽሔት ተሓባባሪ ጋዜጠይና ራፋኤለ ማስትሮ ሓቢሮም፡ እቲ ካብቲ ዘይሕጋዊ ንግድ ዓለም ሓቆፍ ማዕድን ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዘይሕጋዊ እቶት እቲ ዘይሕጋዊ ንግድ ክቕጽል ምቹእ ኩነት ንዝፈጥሮ ሕድ ሕዳዊ ውግእ መሳለጢ ዝተፈላለዩ ናይ ውግእ ኣጽዋር መሸመቲ እዩ ዝጠቕም ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.