2018-05-11 15:12:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት፥ ሎፒያኖ ኣልቦ ደጋዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን


ኣብ ናይ ዕለት 10 ግንቦት መደብና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ግሮሰቶን ከተማ ሎፒያኖን ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ገሊጽና ምንባና ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ሎፒያኖ ኣብ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ልዕሊ 7 ሺሕ ምስ ዝግመቱ ኣባላት Focolarini - ኣፍቅሮተ ዘቤት ተራኺቦም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም፥

ቅዱስነቶም ብናይ ፊየሶለ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ መይኒን ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸን ጽምቡር ኣቦ መንበር ኸሱስ ሞራን ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡ ንዀሎም ሰላምታ እናቕረቡ ናብ ካቴድራል Maria Theotokos - ወላዲተ ኣምላኽ ብምኻድ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ሕጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት እቲ ሎፒያኖ ዘፍልጣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዕሴት ዝምስክር ብሓደ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓቢ ብኢድ ቅብኢ ዝተሳእለት ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ፊት ጸሎት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምስ መላእ ኣባላት ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ከምእተራኸቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጒወራ ኣስዒቦም፥

ቃል ሰላምታን ምስጋናን ማሪያ ቮቸ

ኣብቲ ርክብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸ ንቕዱስ ኣቦና ብስም ኵሎም ኣባላት ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ሰላምታ ኣቕሪበን ቅዱስነቶም ስለ ዝበጽሕዎም እውን ኣመስጊነን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕላማ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤትን ተልእኾን ገሊጸን፡ ኣብ ሎፒያኖ ኣብ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካብ 65 ሃገራት ዝተዋጽኦ ኣስታት 850 ኣባላት ንቕዱስ ኣቦና ብሓደ ድምጺ ምልክት ልቢ ብዝተነሮ ዓቢይ ጽሑፍ ዘቕረብዎ ሰላምታ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝንበር ሕንጸት ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝሕብር ምዃኑ ገሊጸን፡ ምንዮትና እቲ ብዙሕነት ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደነት ዝስተማቕር እዩ ምስ በላ፡ ነቶም ወለንተይናታት ናይ እግዚኣብሔር ብዝብል ስም ዝልለዩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሕብረተሰብ ካብ ውሳጤኡ ክልወጥ ዘተባብዕ ሰላም ኣብ ምሕናጽ ዝተዋፈሩ ምዃኖም እውን ሓቢረን። ኣብ ሎፒያኖ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ዘጠቓልል 10 ኣቢያተ ትምህርቲ ኣፍቅሮተ ዘቤት ከምዘሎን መሰረታዊ ዕላማኡ ስነ ሕንጸት ሰላም ምዃኑ ከምዘረደኣ ጒወራ ኣፍሊጦም።

ሕቶታት ተቐማጦ ከተማ ሎፒያኖ

ድሕሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ማርያ ቮቸ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ካብቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ዝቐረበሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣማእኪሎም፥ ናብ ዕብራውያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ኣደጊፎም፥ ግልጽነትን ጽንዓትን ዝብሉ ክልተ ቃላት ጠቒሶም፡ ግልጽነትን ጽንዓትን ዘይምጥፋእ፡ ግልጽነትን ጽንዓትን ኣብ ምንባር ፍቓድ ኣምላኽ እዩ፥

ክርስቲያን ጥራሕ ኣይኰንኩን ዝብል፡ ማንም ሰብ ተዘክሮ ብመፍትሕ ምስ ዝዓጽው ምስ ሞት እዩ ዝራኸብ፡ ይዓርብ፡ መልእኽቲ ዕብራውያን ከምዝብሎ፡ነተን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” (ዕብ. 10,32-39) ተዘክሮ ምዝካርን ምንባርን ንኣኡ ምትንፋስን ንቕድሚ ምጉዓዝን ፍርያም ምዃንን፡ ተዝከሮ እንተድኣ ዘይብልካ ልክዕ ከም ሓደ ሱር ዘይብሉ ኦም ፍርያም ዘኸውንን ዝመውትን ከምኡ ምዃን ማለት እዩ፡ ተዘክሮ ናይ ሕይወት መቓን እዩ፡

ምስ በሉ፡ እተን ኣባይቲ ትምህርቲ ኣፍቅሮተ ዘቤት ብፍላይ ከኣ መንበረ ጥበብ ሶፊያ፡ ሓዲሽ ፍኖት ዘመላኽቱ ናይ መጻኢ መራሕቲ ዝዀኑ ዝሕነጽሉን፡ ማለት ኣብ ማሕብራውን ሕዝባውን ፖለቲካን ኤኮኖምያውን ናይ ምውሳእ ጸዋዕታ ዘለዎም ኣብ ምምልካት ሓደስቲ መገድታት ክነጥፉ ራእይ ዘለዎም ክዀኑ ዝመርሕ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥

ፍቕሪ ብምሕላም ኣብኡ ብምሕሳብ ብፍቕሪ እናሃብተምካ ገዛእ ርእስኻ ንምዕዳን መንፈስ ቅዱስን ታሪኽን ክፉት ገርካ ምንባር ዝሓትት ኣብ ናይ ሎፒያኖ ናይ ሓድነት ዕላማ ምዕባይ የድሊ፡ መንፈሳዊ ሕንጸት ንዝተፈላለየ ጸዋዕታ፡ ጸዋዕታ ንማሕበራውን ፖለቲካው ኤክኖምያውን ገዳማውን ሕይወት ናይ ዘተ ሕንጸትን ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታን፡ እቲ ኣባይቲ ሕንጸት ካብ ዝተፈላለያ ሃማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ባህልን ቋንቋን ዝተዋጽኡ ተመሃሮ ዝሕነጽሉ እያቶም። እዚ ከኣ ነገልግሎት ማሕበረሰብ እዩ፡ መላእ ሰብኣውነት ዝሓቁፍ ሕንጸት። ከተማ ላፒያኖ ክፍትን ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ እትብል ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናዘይብላ ኣልቦ ደጋውነት ዝዀነት ከተማ እያ፡

ኣተሓሒዞም፥ ቀረባውነት ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም፡

ንብጻይካ ቀረባ ከይኰንካ ዝንበር ክርስትና የሎን፡ ክርስቲያን እየ ዝብል ቀረባውነት ዝነብር እዩ፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንኢየሱስ ብምልኽ ዝተኸወኖ ኩነት እዩ፡ ቀረባውነት ንመን ንዅሉ፡

ብድሆ ናይ መሃዚ ተኣማንነት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣብ ምኽዋን ተእልኾ ማለት ተወንጊልካ ንምውንጋል እዋናዊ ብድሆ ምስናፍ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል፡ ብዛዕባ ተልእኾ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ነቲ ሕጂ ዝጅምር መጻኢ ብእሙን ተኣማንነትን እሙን መሃዝነትን ምጥማት፥

ታሪኽ ሎፒያኖ ኣብ ብጋሰ ኣይኰነን ዘሎ፡ ኣብ ነግሂ ታሪኽ ዝተዘርአ እዩ፡ እናዓበየ ኣብ ኣዋንና በጺሑ፡ ረጒይድ ሱር ኣጥሒሉ ሰዲዱ ጸኒዑ ዘጽንዕ ታሪኽ፡ እዚ ታሪኽ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ማለት ናይ ኢየሱስ ወንጌል ኣብ ምብሳር ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣብ ሎማዊ ኩነት ንኽንበር  ይድርኽ፡ ስለዚህ እዚ ተልእዀ ሓድነትን ክፉት ምዃንን ስሙር ጥምረትን ኣብ ጉዕዞ ንዘጋጥም መሰናኽል ስንድው ምዃን ይሓትት፡

እዚ ኸኣ ይብሉ፥ ተኣማኒ ምህዞ ዝጠልብ ምዃኑ እንክገልጹ፥

ነቲ መንፈሳዊ ዕላማ ማሕበር እሙን ብምዃኑ ኣብ እዋናዊ ዓለም ንምኽዋን ማለት ንኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ክፉት ምዃን ዘመላኽቶ ኣብ ሓደስቲ መገድታት ምጉዓዝ፡ ምቅይያር ዘይኰነስ ተኣማኒ ምህዞ ማለት ንሱ እዩ፡

ምስ በሉ፡ ዝለገስዎ ቃል እንከጠቓልሉ፡ ኩሎም ንቕድስቲ ድልግል ማርያም ክጥምቱን፡ ነታ ኣብቲ ናይ ሎፒያኖ ቤተ መቕደስ ዝተነብረ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ንኢየሱስ ንኽንፈልጦ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝዀነት ናብኣ ምጥማት ከምዘድሊ እንክሕብሩ፥

ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ፡ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ኣዲኡ ዘርኣዮ ምስሕሓብ ክንብሎ እንኽእል ኩነት ኩሉ እቲ ኢየሱስ ዘጋጠሞ ዘሰሓሕቡ ኩነታት ንሕሰብ። ማርያም ወዳ ኣብ ዝመለሰላ ቃል ከይተረፈት ንቕድሚ ትጓዓዝ፡ ስለምንታይ እምንቲ ኣደ ስለ ዝዀነት፡ መሃዚት ኣደ፡ ናይ ትብዓትን ጽንዓትን ኣደ፡ ናይ ምልኣት ኣደ፡ ናይ ተጻዋርነት ኣደ፡ ነዛ ናይ ኢየሱስ ዓለማዊት ቀዳመይቲ ደቀ መዝሙር ንመልከት፡ ንሳ ክትድግፈኩም እያ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.