2018-05-11 15:15:00

ደቡብ ሱዳን፡ ልዕሊ 200 ዝግመቱ ሕጻናት ወተሃደራት ናጻ ተለቒቖም


ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዞባ ርእሰ ከተማ ግብዱዌ 95 ደቀንስትዮ ዝርከባሉ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ኣብ ንውትህድርና ሕይወት ተዳጒይኖም ዝነበሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ልክዕ ከምቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት 75 ደቀንስትዮ ዝርክባሉ ልዕሊ 300 ናጻ ከምእተለቁ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

 ካብቶም ናጻ ዝተለቁ ሕጻናት ውሽጢ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣትን ኣብ ተግባር ገበናት ክሳተፉ ከምእተገብሩ ምስ ካቶሊክ ራዲዮ ነትወርክ እተሰምየ መደብር ራዲዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝሃብዎ ቃል ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገግሎት ሓቢሩ፡ ነዚ ሕጻናት ተገዲዶምን ሰኣን ምፍላጥን እውን ዝኣትውዎ ሕይወት ውትህድርናን መጋበርያ ዓመጽን ገበንን ብምቅዋም ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ብዙሕ ዝጽዕሩ ዘለዉ ናይ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ግቡድወ ኣመሓዳሪ ዳኔል ባዳግቡ ሪምባሳ ሕጻናት ካብ ከምዚ ዓይነት ጸያፍ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝግህስን ናይ ገዛእ ርእስኻ ተጋሂሱ ናይ ካልእ ተምሳልካ ንምግሃስ እትዋፈረሉ ጊልያነት ሕጻናት ናጻ ክልቀቑ ምዕያይ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉን፡ ናይ ሃገራት ምስራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት፥ ንሕጻናት ግብኡ ስፍራ ምፍጣር ከምዘድሊ ብምሕባር ናይዚ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ምንጪ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፥ ሪምባሳ፡ ኣብ ውትህድርናን ተዋጋኢ ሓይልታትን ዝዳጉን ሕጻናት ናጻ ክልቀቑን በዚ መገዲ’ዚ ኣጽዋሮም ብምርጋፍ ኣብ ናይ ሃገር ልምዓትን ምርግጋእን ክሳተፉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

እቶም ናጻ ዝተለቁ ሕጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ እያቶም

ኣብ ደቡብ ሱዳን ጉዳይ ምርጋፍ ኣጽዋርን ማሕበራዊ ውህደትን ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ግዝያዊ ኣቦ መንበር ክላውደ ኦብዋሃ ኣካሻ፥ ሕጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ እምበር ናብ ውግእን ውትህድርናን ክለኣኹን መጋበሪያ ውግእ ክዀኑ የብሎምን ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቶም ናጻ ዝተለቁ ሕጻናት ወትሃደራት ናብ ሕክምና ከምእተወሰዱን፡ ምርመራ ምስ ተገብረሎም እውን ንቤት ትምህርቲ ዘገልግሎም ንዋት ኵሉ ተዓዲሎም ሙያዊ ሕንጸት ክቐስሙሉ ናብ ዘኽእሎም ቤት ትምህርቲ ተግባረ እድ ከምእተወስዱ ቃል ኣካሻ ጠቒሱ ብምሕባር፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ሓልዮ ሕጻናት እውን ብወገኑ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ተወዲቦም መጋበርያ ውግእን ዓመጽ ዝዀኑ ልዕሊ 19 ሺሕ ሕጻናት ኣለዉ ከምዝበለ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.