2018-05-12 15:52:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መራሔ መንግስቲ ሮማኒያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ንወግዓዊ መብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሮማኒያ መራሔ መንግስቲ ቪኦሪካ ዳንቺላ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መለግለጺ እንክሕብር ርእሰ ብሔር ዳንቺላ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበታ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸባ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦናን መራሔ መንግስቲ ሮማኒያ ዳንቺላ ናይ ሓባር ዘተ ሰናይ ርክብ ቅድስቲ መበርን ሮማኒያን ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝካየድ ዘሎ ምትሕብባርን እዚ ምትሕብባር ጽኑዕ ኣብ ምግባር ዝካየዱ ጻዕርታትን ስምምዓትን ከምእተጠቕሰን ብፍላይ ናይ ሕዝቢ ረብሓ ዘተኰረ ኣብ ሮማኒያ ዝፍጸም ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ከይዲ ካብ መራሔ መንግስቲ ዳንቺላ ሰፊሕ መብርሂ ክምእተውሃበን፡ ቅዱነቶም እውን ብወገኖም ምሉእ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ካብ ናይ ኵሉ ዜጋ ብፍላይ ናይቶም ድኻታት ጥቕሚ ካብ ምምእካል ዝነቕል እዩ ዝብል ሓሳብ ከምእተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትመን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ 2019 ዓ.ም. ቀዳማይ መንፈቕ ሮማኒያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ተረይና መርሕነት እትርከበሉ እዋን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ኤውሮጳን መራሔ መንግስት ዳንቺላ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ተረይና ኣደ መንበር ኣብ ምዃን መደብን ቀዳምነት ዝህባሉ ዝርዝር መራሓ ግብርታት ዘማእከለ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ እውን ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.