2018-05-12 15:47:00

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበር Scholas Occurrentes-ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ምንቓሕኩም እትሓልሙ ኵኑ


ዕለት 12 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ደጋዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ኣብ ዘሎ መንበር ጳጳሳዊ ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣባላት’ቲ ማሕበር ተራኺቦም ኣብ ኣጀቲናን ኮሎምቢያን ሞዛምቢክን እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ዘቖሞ ጨንፈር ኣባይቲ ጽሕፈት ብምስማዐ ርእየት ርክብ ብምክያድ ከምዝባረኹ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ቅዱነቶም ምስቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርትን እዚ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘቑሞ ዘሎ ሓድሽ ውጥን ንዝሳተፉ መንእሰያትን ተመሃሮን ሓነጽቲ (መምሃራንን) ተራኺቦምን ነቲ እዚ ማሕበር ካብ ዝሓለፈ ዕለት 7 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ርክብ መንእሰያት ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ኣርጀቲናን ፓራጉዋይን ኮሎምቢያን መክሲኮን ፐሩን ብራዚልን ሓይቲን ሞዛምቢክን ስፐይንን ኢጣሊያን ዝተዋጽኡ መእሰያት ኣሳቲፉ ንዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዝለገስዎ ቃለ መዕዳን ከምእተዛዘመ እውን ጉወራ ሓቢሮም፥ እዚ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኰይኑ ክቐውም ዝገበርዎ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብ ኣርጀንቲና ከም ብብሔራዊ ደረጃ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ቢሎም ናይቲ ዘቐምዎ መቐጽልታ ኰይኑ ሎሚ ኣብ 190 ሃገራት ጨንፈር ከምዘቖመ የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ምስ ኣባላት ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘካየድዎ ርክብን ብምስማዐ ርእየት ብቐጥታ ናብ ኣርጀንቲናን ኮሎምቢያን ሞዛቢክን ናይዚ ማሕበር ሓደስቲ ተቕዋማት እንክምርቑ ዝለገስዎ ቃል ብቐጥታ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ኣባይቲ ጨንፈር እውን ከምዝተመሓላልፈን፡ ካብቶም ካብ ሚያሚን መክሲኮን ብስማዐ ርእየት ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ንምስፋሕ ዘካይድዎ ዘለዎ መደብ ጐስጓስን በርገሳዊ ንጥፈታቶምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንኽኽበር ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣደጊፎም ንቕዱስነቶም ሰፊሕ ሓበሬታ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኮሎምቢያ ንመጀመሪያ ግዜ ናይዚ ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ባራንኵይላ ዘቖሞ ሓድሽ ተቕዋም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ መሪቖም ነቶም ኣብቲ ባራኵይላ ሓድሽ ናይ ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር ሕንጻ ንዝተረኽቡ መንእሰያት ብቐጥታ ኣብቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ሕንጸት ዝተሳተፈ ኰሎምቢያዊ መእሰይ፡ እቲ ተቕዋም ኣብታ ዓመጽን ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዝተኻየደ ኣብ ቀረባ እዋን ብስምምዕ ሰላም ዘብቕዔ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ምስ ዕጡቓት ሓይሊ ኰሎምቢያ ንዘንበሮ ስቓይን መከራን ዝልውጥ ተስፋ ዘቃልሕ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ጉወራ ሓቢሮም፥ እቶም ካብ ኣርጀቲና ካብቲ ሓድሽ ዝተመረቐ ተቕዋም ጳጳሳዊ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ብምስማዐ ርእየት ዝተሳተፉ እውን ብወገኖም እቲ ተቕዋም ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ዝርከብ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብዙሓት ኣብ ኣርጀቲና ብሔራውን ዓለም ለኻውን ውሩያት ነበር ተጻወቲ ኵዕሶ እግሪ ብኣባልነት ዝሳተፉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፥ ስፖርት እቲ ቀንዲ እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ኣተኵሮ ካብ ዝገብረሎም መደባት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ መክሲኮ ብዙሓት መንእሰያት ንጹላት ካብ ምዃን ኵነት ንኽላቐቑ ዝተፈላለየ ስፖርታዊ ሕንጸት ከምዝቐርበሎምን ስፖርት ዘቀራርብ ባህሊ እምበር ዝፈላይን ከይከውንን ኣብ ስፖርት መንእሰያ ብዘይ ኣፋላላይ ክሳተፍ መታን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ናይ ስፖርቲ ባህሊ ንቑሕ ተሳትፎ ክህልዎም ኣውን ዝሕግዝን ዝሃንጽ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ምዃኑ ጉወራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ኣዘካኺሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ዘተመሓላለፈ ቃለ ምዕዳኖም፥

መንእሰያት ካብ ትዅስ ሕይወት ክጥንቀቑን ኣብ ምንቃሕ ዝሓልሙ ክዀኑን ናይ ምሕላምን ምትስፋውን ብቕዓት፥ ዘደናግርን ተስፋ ዘቕብጽን ዘይኰነስ ንቕድሚት ክትብል እዩ ዝድርኽ እሞ ስለ ሕይወት ተጋደሉ ዕድመዅም ኸይኣኸለ ጡረተይናታት ኣይትዅኑ ሓደራ፡ ዓበይቲ ነገራት ሕለሙ፡ ቅድመ ፍርሒ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣት ዓጋቲ ንቕድሚት በሃላይ ጉዕዞኹም ኣይኹን፡ ብኣተኵሮን ብምስትውዓልን ንቕድሚት በሉ፡ ምጥንቃቕ የድሊ ይኹን ደኣ እምበር ምጥንቓቕ ኣብ ደውታ ምንባር ማለት ኣኰነን፡ ጥንቃቔ ምግባር ማለት ውዑይ ሓይልኹም ብግቡእ ንምምብራቕን መገድኹም ንኽይትስሕቱን ምስትውዓል ማለት እዩ

ምስ በሉ፡ እቶም መእሰያት ናይ እዋናዊ ዓለም ትውልዲ ስለ ዝዀኑ ዓለም ካብኦምን ኣብኦምን ዝጀመረ ገይሮም ካብ ምሕሳብ ፈተና ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ሃገሮም ታሪኽ እውን ካብኦምን ብኣኦምን ዝተጀመረ ከምዘይኰነ ከስተውዕሉን፡ እቲ መንነቶምን ታሪዀምን ኣናስር ከምዘለዎን ትውልድን ክፍልን ናይቲ ታሪኽን ባህል እምበር ምሉእ ታሪኽ ኣነን ኣባይን ከይብሉ፡

ሱር ሕዝባውን ሃገራውን መንነትኩም ኣይትርገጹ፡ መበቆልኩም ኣይትርገጹ፡ እንተረገጽክምዎ ሱር ዘይብልኩም ትዀኑ ትወድቑ፡ ንኻልኦት ኣብ እተቕርብዎ ደገፍ፡ ነቲ ዝድገፍ ሰብ ሕይወቱ እትጥምቱ እምበር ነቲ ዝድልዮ እናረኣኹም ዓይኑ ከይረኣኹም ሓገዝ ደርቢካብ ምኻድ ተቖጠቡ፡ ስግኣት ኣየፍርሕኩም ትኩራት ግና ኵኑ

ምስ በሉ ኣብቲ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ካብ ከተማ ናፖሊ፡ ሓንቲ ካብ ሞዛምቢክን ሓንቲ ተወላዲት ላቲን ኣመሪካን ከም ኣባላት ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተራኽቦነት ኣቢያተ ትምህርቲ ቃለ ምስክርነት ምስ ሃባ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት፡ ስሙራት ኰይኖም ተመክሮኦም ከስፍሑን፡ ስምረት ኩሉ ናይ ስቓይካ ተኻፋሊ ስለ ዝገብር ከበድ ስቓይ ኣይክጸቕጠካን እዩ እሞ ስሙራት ኵኑ ሓድነት ይሃልኹም እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.