2018-05-12 18:50:00

መዓልቲ አደታት 2010 ዓ.ም.


ንባባት፡ 1ዮሓ 4፡11-16፥ ግ. ሓ. 1፡15-17፥ ዮሓ 17፡11-19

ሎሚ አብ ገለ ሃገራት መዓልቲ አደታት ተባሂሉ ብፍሉይ ተዘኪሩ ይብዓል። ዓለማዊ ብዓል እዩ ግን መንፈሳዊ ትርጉም እውን ክውሃቦ ይክአል ስለዚ ብቍምስና ደረጃ ወይ እውን ብሰበኻ ደረጃ ነደታት ብዝርኢን ተልእኮ አደ አብ ክርስትናን ምስ አደታትና ክህልወና ዘለዎ ርክብን ክነስተንትን ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። አስተንትኖና ከስ ነቲ አብ ሓንቲ አደ ዘሎ ጸጋን አገሎትን ርኢና ክንርኢ እሞ መጀመርያ ምስአን ኮና ንአምላኽ ክነመስግን ከምኡ ነቲ ኩሉ አብ ስድራና አብ ሕይወትና አብ ቍምስናና ኩለን አደታት ዝገብርኦ ክነመስግን ይግባእ። አደ ዘላቶ ኩሉ አልኦ ከምዝብሃል ነገራት አብ ኩሉ ከምቲ ዝድለ ክኾነልና ሓደ ክነግብሮ ዘሎና ነደ እቲ ዝግብአ አገልግሎት ክብርን ፍቕርን ክንህባ ከሎና እዩ። 

አብ ወርኂ ግንቦት ምህላውና ዘሓጉስ እዩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፥ ወርኂ ማርያም፥ ወርኂ ናጽነት ሃገርና፥ መዓልቲ አደታት እዩ፥ ከምኡ ሎሚ ማርያም ፋጢማ ብኹላ ቤተ ክርስትያን ተዘኪራ እትብዕለሉ ዕለት እዩ። አብ ግንቦት 13 1917 ንሰለስተ ጓሶት ቆልዑት አብ ፖርቱጋል አብ ሓደ ግራት ካብ ፋጢማ ውጽእ ኢልካ ተራእያቶም። መልእክቲ ፋጢማ ነታ ብስነኪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሰላም ስኢና እትሕመስ ዝነበረት ዓለምና ሰላምን ፍቕርን ክወርድ ከም እትደልን ከምኡ ብዙሓት ብናይ ዘመኑ አልቦ እግዚአብሔር ትምህርቲ ተጸልዮም ካብ አምላኽ ዝርሕቁ ዝነበሩ አብ ልቦምን አብ አምላኽን ክምለሱ ክጽልዩ ዝነገረትሉ ተርእዮ እዩ ነሩ። መዓልቲ አደታት አብ ወርኂ ግንቦት ምስ እዚ አተሓሒዝና ክንርእዮ እንተ ኸአልና ዓሚቕ ምስጢርን ትርጉም ይሕዝ። ካብ አደታት ንላዕሊ አብ ወላዲተ አምላኽ ዝቐረበ የለን ስለዚ ወርኂ ማርያም ወርሕኽን እያ።

ቅ. ዮሓንስ አብ ወንጌሉን አብ መልእኽትታቱን ብዝያዳ ዝዛረበሉ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ። አምላኽ ፍቕሪ እዩ ድሕሪ ኢሉ ኩሉ ዘሎና ካብ ፍቕሪ እዩ ተዋሂብና አብ ፍቕሪ ክነብር ከሎና ኢና ብዝያዳ ንአምላኽ ክንመስሎን ክንረኽቦን እንኽእል ይብለና። ዘየፍቅር አምላኽ ምስኡ የለን ይብለና። አብ መዓልቲ አደታት ፍሉይ ነገር ክንሓስበሉ ዘሎና ነቲ ካብአን ብነጻ ዝውሃበና ጸጋ ፍቕሪ ክንስተንትን ዝበለጽ ዕድል እዩ።

ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ፡

ፍቕሪ አደ ዝበለጸን ዝዓበየን እዩ። አደ ንውላዳ ከምኡ ንኻልእ ክተፍቅር እንከላ ምንጪ ፍቕራ መሰረቱ አብ ባህራ እዩ። ወላዲት ንውሉዳ ተፍቕር ብወገን ሕጻን አዲኡ ክትፍቅሮ ዝገበሮ ወላ ሓንቲ ዝገበሮ ወይ እውን ኽገብረላ ዝኽእል የብሉን፥ ወላ ነቲ እተፍቕሮ ዘላ እውን ክፈልጦ አይክእልን እዩ። ግን ወላዲት አብ ውሉዳ ዘልአ ፍቕሪ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት እዩ።

ናይ ዝኾነ ሓቀኛ ፍቕሪ ምንጪ አብቲ አብ ቅድስት ስላሴ ዘሎ ፍቕሪ እዩ መሰረቱ። ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ደጋጊሙ ዘስተምሃሮ ዓቢ ትምህርቲ ምንጪ ናይ ኩሉ ፍቕሪ ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ  “ከምቲ አቦ ዝፍቅረኒ አነ ኸአ አፍቅረኩም” ኢሉና። እግዚአብሔር አቦ ንወዱ ካብ ዘለዓለም ይወልዶ፤ ንዘለዓለም ሰማያዊ ፍቕሩ አብ ልዕሊኡ ከም ዝፈስስ ይገብር። ወልድ ነቲ ናይ አብኡ ፍቕሪ ብግብሩ አይኮነን ዝረኽቦ፥ ንሱ ብርእሱ ናይ አብኡ ፍቕሪ እዩ። ወልድ ነቲ ንፍቕሪ አብኡ ንኻልኦት ንአና ይህቦ፥ ከምቲ አቦ ዝፍቅረኒ አፍቀርኩኹም ይብለና። ክርስትያን ማለት አመሓላላፊ ፍቕሪ አምላኽ ማለት እዩ። እዚ ፍቕሪ ብዝያዳ ገሊኡ ዝርአ አብ ናይ ሓንቲ አደ ፍቕሪ እዩ። ንሳ ከምቲ አምላኽ ብዘይ ሓንቲ  ዝገበርናዮ ዘፍቀረና ከምኡ አደ ንውሉዳ ሓንቲ ከይገበረላ ተፍቅሮ።

ጥዑያት ውሉዱታት አደታትና እንተ ኾና፥ ነቲ ብዘይ ሓደ ዝገበርናዮ ዘፍቅራና ካብአን ስለ ዝተወለድና ጥራሕ ዘፍቅራና ነቲ ካብአን ዝተዋህበና ፍቕሪ አብ ካልኦት ክነመሓላልፎ ይግብአና። ብሓቂ ንፉዓት አርድእት ክርስቶስ እንተ ኾና ከምቲ ንሱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ናይ አብኡ ገሩ ዘፍቀረና ንሕና እውን ንኻልኦት ከምኡ ክነፍቅር ትእዛዙ እዩ።

ክልተ ደረጃታት ፍቕሪ፡

ፍቕሪ ክልተ ወገን ወይ ደረጃ አልኦ። ፩ያ ፍቕሪ ንቕበል። ቅ. ዮሓንስ ከምዚ ይብል “ፍቕሪ ማለት ኸአ ኸምዚ እዩ፥ አምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢአትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ አይኮነን” (1ዮሓ 4፡10)። መጀመርያ ዝተቐበልናዮ ዘይኮነ ፍቕሪ የብልናን፥ አነ ዘፍቅር መጀመርያ ብኻልእ ሓንቲ ዘበርከትክዎ ዘይብለይ ከንሰይ ስለ ዝተፈቐርኩ እዩ። (አደይ አቦይ አዕሩክተይ. . . የፍቅሩኒ)፥ መጀመርያ ምንጪ ፍቕሪ አብ ዓለም ካብ አምላኽ እዩ። ብወገን ፍጡር እታ ሓንቲ ዕጭኡ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ፍቕሪ ምቕባል ወይ ምንጻግ እዩ። ብወገን አምላኽ ኩሉ ጊዜ እቲ ፍቕሪ ክፉት እዩ፥ አይጸልእን እዩ።

፪ይ ፍቕሪ አብ ካልእ ክመሓላለፍ አለዎ እንተ ዘይኮነ ምሉእ አይኮነን ብሳዕበኑ ክመውት ይኽእል እዩ። ነቲ ዝተቐበልካዮ ፍቕሪ አብ ካልኦት ምምሕልላፍ ባህሪ ፍቕሪ ዝእዝዞ ነገር እዩ። ንዝተቐበልናዮ ፍቕር ካብኡ ከይሃብና ንርእስና ጥራሕ ሒዝና ሱቕ እንተ በልና ይመውት። በዚ ምኽንያት ኢየሱስ ከምዚ ኢሉና፥ ትእዛዛተይ ብምሕላው አባይ ንበሩ፥ “ተፍቅሩኒ እንተ ድአ ኮንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ”። ፍቕሪ ስምዒት አይኮነን፥ ንድለትና ክንእዝዝን ክንቆጻጸርን ንኽእል ኢና፥ ክነፍቅር ክንውስን ንኽእል። እዚ መሰረታዊ ናይ ሓደ እሙን አገልጋሊ መምርሒ እዩ። ኵሉ ዝውሃበና ዘበለ ክንካፈሎ ምእንቲ እዩ፥ ብፍላይ ንፍቕሪ ብዝርኢ ሓቂ እዩ። ንዝተቐበልካዮ ፍቕሪ ክትመልስ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ምሉእ ወይ ፍረ ዘለዎ ክኸውን አይክእልን እዩ።

ፍቅሪ አደ፡

ፍቕሪ ብዓስቢ አይኮንኩን ዝረኽቦ ግን ከምሓላልፎ ክህቦ እኽእል እየ፥ እዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ፍቕሪ ብኸመይ ክግለጽ ይክአል። አብ ሓንቲ ነፍሰ ጾር አደ ንመልከት። አብ ግዜ ጽንሳ ደም አብቲ ሕፃን ይመሓላለፍ። ድሕሪ ሕርሳ ንሕፃና ጸባ ተጥብዎ። ነተን ቀዳሞት ክልተ ዓመት ልዕሊ ዝኾነ ናታ ነገር ንሕፃና እያ እትህቦ ድቃሳ ሕይወታ ዓይና ልባ. . . ኩሉ ግዚአ ድኻማን አድህቦአን ልባን ቀልባን አብ ሕፃና እዩ። ከምዚ እናገበረት እንከላ ፍቕሪ ምናልባት ብቐጥታ አይ ኮነን እንበር ካብ ሕፃና ከምኡ ካብ አምላኽ ትቕበል። ሓቀኛ ፍቕሪ ከምዚ አብ ተለቭዥን እንርእዮ አይኮነን። ከምቲ አብ አደና ከምኡ አብ አቦና እንርእዮ እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ ነደታትና እነፍቅረን። ከመይ ኢልና ከም እነፍቅር ምሂረናና፥ ነቲ ካብ አምላክ ዝተቐበልኦ ፍቕሪ ሂበናን። ከመይ ገርን ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ከምዘሎና ኸአ አስተምሂረናና እዚ ኸአ ምሳና ብምክፋለን እዩ። መጠን እቲ ዝሃባና ፍቕሪ መጠኑ ክነኽብረን ክነፍቅረን ይግብአና።

አብ ናይ ሎሚ ንባባት እንተ አተኮርና አምላኽ ክንፋቐር ከም ዝአዘዘ ንርኢ። ክነፍቅር እንተ ኾና ክነማልኦ ዝግብአና ነገራት አሎ፡

ንአምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል
ንጸገም ካልኦት ብተገዳስነት ክትሕግዝ ፍቓደኛ ምዃን፥
ምእንቲ ድሕነት ካልኦት ኢልና ነፍስና በጃ ክንህብ ከምዘሎና።

እዞም ሰለስተ ነገራ ብፍሉይ መለለዩ ናይ ሓንቲ አደ እዮም። ሓደ ካብቲ ፍሉይ ባህሪ አደታት ሰሚዐን ጽን ኢለን ይኽእላ። ንአምላኽ፥ ንርእሰን፥ ንሕፃነን፥ ንስድርአን ንጎረበተን፥ ንቤተ ክርስትያነን፥ ንዓድን ሰሚዐን ይኽእላ። አደታት ደንገጽቲ እየን ርሕሩሓት ብንብዓተን ፍቕረን ዝገልጻ ርሕሩሓት ፍጥረት እየን በዚ እዩ በደኻ/ኺ ተለምን ኢልና ንሰባት እንሓትት። አደታት ምእንቲ ስድርአን ምእንቲ ኹሉ ኢለን ዘይገብርኦ መስዋዕቲ የለን ስለዚ ባህሪ አደታት ፍሉይ እዩ።

ናይ ሓንቲ ጓል አንስተይቲ ፍቕሪ ቅድሚ አደ ወይ ሰበይቲ ምዃና እዩ ዝጅምር። አብ ሕነጸት ሓንቲ ስድራ ከም እንርእዮ ሓደ ሰብአይን ሓንቲ አደን ቅድሚ ብፍቕሪ ተጠሚሮም አብ ውላድ ክበጽሑ ከለዉ እቲ ውሉድ ፍረ ፍቕሪ እዩ ስለዚ ሰብአይን ሰበይትን አብኦም ዘሎ ፍቕሪ ውሉድ ይፈጥር። እቲ አብ መንጎ ክልተ ወለዲ ዘሎ ፍቕሪ አብቲ ካብኦም ዝውለድ ሕፃን ይመሓላለፍ። ካብኡ ናብኡ ካብቲ ሓንቲ አደ አብ ውሉዳ ዘለዋ ፍቕሪ ዝዓቢ የለን። አደናን አቦናን እታ መጀመርያ ዘስተምህሩና ከመይ ገርና ከም እንፍቅርን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ከመይ ገርና ክንምልስን ከምዝግብአና እዮም ዘስተምህሩና። ስለዚ ወለድና ብፍላይ አደና ኹሉ ዘልአ ዝሃበትናን ዘአየትናን እያ።

ቤተ ክርስትያን እውን ብብዙሕ መገዲ ከምቲ ሓንቲ አደ እትገብረልና ስለ እትገብር አደና ኢልና ንጽውዓ። ከመይ ኢልና ክንፋቀር ከምዘሎና ተስተምህረና ከምኡ አብ ነነድሕድና ብፍላይ ነቶም ጽጉማት ሓገዝ ዘድልዮም ክንሕግዝ ከምዘሎና ስለ እተስተምህረና አደና ንብላ። ካብአ ምስጢራት ንቕበል፥ ቃል አምላኽ ከመይ ኢልና ክንሰምዕ ከምዘሎና ንምሃር፥ ከም ደቂ አምላኽ አብ ሓቅን ፍቕር ሰላም ከመይ ኢልና ክነብር ከምዘሎና አነጺራ ተስተምህረና።

ሎሚ አብዚ ፍሉይ መዓልቲ አደታት ንኹለን አደታት ንኹለን አብ ቦታ አደ ኮይነን ስራሕ አደ ፍቕሪ አደ ዘርእያ፥ ዘዕብያ ኩለን ፍቕርና አኽብሮትና ምስጋናና ክነቕርበለን ግቡእና እዩ። ንኹለን ነተን ሥጋውን መንፈሳውን መዕበያ ዘስነቓና ክንዝክረን ክንጽልየለን ግቡእ እዩ።

ነደ ምኽባር ማለት ንምልእቲ ስድራ ምኽባር ማለት እዩ፥ ስለዚ አብ ሕብረተሰብና አብ መዕበያና ንደቅና ፍቕሪ አደ ብዝያዳ ክርድኡን ከፈልጡን ክንምህሮም አሎና። ብግዳማዊ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ውሽጥና ዝተላዕለ ክነመስግን ክነኽብር ይግባእ። አብ ቤት እቲ ቀዳማይ መምህር ፍሪቕ አደ አቦ እዩ እዩ፥ አቦ ንደቁ አብ አዲኦም ዘለዎ ፍቕሪ ክገልጽ እንተ ዘይክአለ ንሶም ጽባሕ ከምኡ እዮም ዝኾኑ ስለዚ ቀዳማይ መመህሪ ፍቕሪ አደ አቦ እዩ።

አደታት ሎሚ አብዚ ፍሉይ ዕለትክን ዘዘኻክሮ አልኦ ማለት አመሓለላለፍቲ ፍቕሪ አምላኽ ክትኮና፥ ከም ሽምዓ ንርእሳ መኺኻ ንኻልእ ብርሃን እትኸውን ንርእስኽን መስቀል ጸርክን ብርሃን ገዛኽንን ቤተ ክርስትያንክንን ሕብረተሰብክን ክትኮና ሓደራ። ልዕሊ ኹሉ መምህራን ጸሎት ክትኮና እሞ ምሕረት ሰላም ፍቕሪ ጥበብ ንቤትክን ክትምህራ። ንማርያም አብ ጎንኽን ገርክን ነቲ አምላኽ ዝሃበክን ጸዋዕታ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክትመርሓ ኩሉ ጊዜ ጸልያ።

ሎሚ ምብአር ነቲ ካብ መጀመርያ ፍቕረን ሓልዮተን ኩሉ ብሕይወተን ዘርአያና አደታትና ዓባያታትና አሞታትና ሓትኖታትና፥ እተን ዘዕበያና ፍቕረንን ተገዳስነትን ዘርአያና ኩለን በዚ ብሩኽ መዓልቲ እታ ቀዳመይቲ ህያብና አብ ጸሎት መስዋዕቲ ቅዳሴ ከምኡ አብ ጸሎተ መቍጸርያን ብፍሉይ እናዘከርና ክነመስግነን።

ወላዲተ አምላኽ አደና ንኹለን ደቃ ዝኾና አደታት ፍቕራና ሓልዮታን ጽላላን አይፈለኽን  እናበልኩ ብሩኽን ቅድስና ዝመልኦ መዓልቲ አደታት ይግበረልክን እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.