2018-05-12 15:54:00

ዓለም ሓቆፍ ጐስጓስ ንምድሓ ኑራ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ሱዳን


ኑራ ጓል 13 ዓመት ትሕቲ ዕድመ እንከላ ብዕድመ ኣዚዩ ካብኣ ምስ ዝዓብይ ሰብኣይ በስገዳድ ዝተመርዓወት ሎሚ ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ሱዳናዊት ኑራ ብመቕተልቲ በዓል በተን ተኸሲሰን ናይ ሞት ፍርዲ ከምእተበየነን ምስ ተሰምዔ ካብ ዝተበየነን ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ክልቐቓ ዝጽውዕ ካብ ሞት ፍርዲ ኑራ ነድሕን ዝብል ኢጣሊያ ንዳርፉ እተሰም ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዘነቓቐሖ ዓለም ሓቆፍ ጓስጓስ ኣድሕን ሕይወት ይካየድ ምህላዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፍራቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ኑራ ሑሰይን ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሱዳን ዝርከባ ክዀና እነከለዋ፡ ብዙሕ ጊዜ ካብ በዓል ቤተን ዓመጽን ስቓይን ዝወርደን ብዙሕ ስቓይን መከራን ዝተቐበላ ክዀና እንከለዋ፡ ኢጣሊያ ንዳርፉር እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብ 2014 ዓ.ም. ሱዳናዊት ክርስቲያን ምእመን መሪያም ኢብራሂም ኣብቲ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንወን ንምድሓነን ዓለም ሓቆፋዊ ጐስጓስ ከም ዘካየዶ ልክዕ ከምኡ ሎሚ እውን ንምድሓን ኑራ ሑስየን ዓለም ሓቆፍ ጐስጓስ የካይድ ምህላዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሳባቲነሉ ሓቢረን።

መሪያም ኢብራሂም ናጻ ተለቒቐን ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና እውን ከምተራኸባ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

ናይቲ ዘይመንግስታዊ ኢጣሊያ ንዳርፉር እተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣደ መንበር ኣንቶነላ ናፖሊ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ሱዳን ሰብኣይ ንሰበይቲ ክዕምጽን ድዩ ክጋሰስ ፍቑድ እዩ፡ ማለት ገበን ተባሂሉ ብናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ከም ገበን ዘይግለጽ ተግባር እዩ፡ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት በስገዳድ ክትምርዓው ምግባር ፍቑድ እዩ፡ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ ዕድመኣ ኰይና ከይትነብር ምኽልኻልን ንኡስ ዕድሚኣ ምስንኻል ፍቑድ እዩ፡ ንሓንቲ ሕጻን ዕሽል ዕድሜኣ ምምንዛዕ ዓቢይ ገበን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክነሱ ኣብ ሱዳን ከም ገበን ኣይረኣይን፡ እታ ናይዚ ስቓይ ኣደዳ ዝዀነት ሰብ ብዓቕሊ ጽበትን ገዛእ ርእሳ ንምድሓን እትወስዶ ስጉምቲ ከም ገበን ኰይኑ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ የቕጽዓ፡ ብሓቂ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ዳላይን ናይ ዝተፈላለያ ሃማኖታት መራሕቲ ኑራ ሑስየን ካብ ፍርዲ ሞት ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ጐስጓስ ክሳተፉ ጻውዒት ኣቕሪበን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።








All the contents on this site are copyrighted ©.