2018-05-14 16:02:00

ብፁዓን ጳጳሳት ከንያ ብምኽንያት ምፍራስ ዲጋ ንዝተጐድኡ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም


ኣብ ከንያ ካብ ከተማ ካኩሩ ብዓሰርተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝርከብ ዲጋ ናኩሩ ሶላይ ብምልኣት ማይ ተደርሚሱ ካብ 45 ንላዕሊ ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ብዙሓት እውን ሃለዋቶም ገና ኣበይ ዘይተፈልጠ ምዃኑን ብዙሓት ኣባይቲ ትሕተ ማይ ከምዘትረፈ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ንጐንግ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ኦዋዓ ኣቢሉ ብዘመሓላለፍዎ መግለጺ፥ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱን ንኣባይቶም ምጽንናዕን ነቶም ሃለዋቶም ገና ዘይተረኸበ እውን ጸሎት ብምርግጋጽ ንዝተጐድአ ሕዝቢ ቅቀረባ ምዃኖም ከምዝረጋገጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ብዘወረደ ብርቱዕ ዝናም ወሓይዝ’ታ ሃገር ብምልኣት ክዕልቕለቕ ከምዝገበሮን ብፍላይ ዕለት 9 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ብምልኣት ማይ ዲጋ ናኩሩ ሶላይ ምስ ዓነወ ብዙሓት ኣባይቲ ብማይ ምልኣት ክዕልቐቕን ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ክምዝዳረገን፡ ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንነጀው ብምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 160 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፅዓን ጳጳሳት ከንያ፡ ኣብዚ እዋን መሪር ሓዘን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከንያ ንህዝቢ ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ቀረባ ኰይና፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተፈላለየ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ንዝተቓልዔ ሕዝቢ ኩለ መዳያዊ ቅርበታ ብምርግጋጽ፡ መንግስቲ ንዝተጐድአ ሕዝቢ ቀረባ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦ፡ ንዝተጐድአን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከብ ኩሉ ቀረባ ምዃን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.