2018-05-14 17:58:00

ጸዋዕታና ወይ ጽሕፍቶና ከም ኣዕሩኽ ኢየሱስ ምንባር እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ‘ኣዕሩኽተይ እምበር ኣገልግልቲ ወይ ባሮት ኣይብለኩምን’ ዝብል ቃል ኢየሱስ ተመርኲሶም ‘ጸዋዕታና ወይውን ጽሕፍቶና ከም ኣዕሩኽ ኢየሱስ ንምንባር ዝተመደብና ስለዝኾነ በዚ ምንባር እዩ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ዕርከትነት’ዚ በቲ እሙን ዝኾነ ኢየሱስ ዝቀረበ ስለዝኾነ ኩሉ ካብ ተኣማንነትና ስለዝውሰን እሙናት ኣዕሩኽ ክንከውን ከምዘድሊ እውን ኣስሚሮምሉ፣

‘ንሕና ነዚ ጸጋ እዚ ማለት ዕርከነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጽሕፍቶ ወይ መደብ ኣምላኽ ኢና ዝተቀበልናዮ! እዚ ከኣ ጸዋዕታና እዩ ማለት ነዚ በዚ ዕርክነት እዚ ምንባር ጥራይ እዩ ሕይወት ዝህበና ፍረ ከም እንፈሪ እውን ዝገብረና፣ ሓዋርያት ነዚ ዕርክነት እዚ እዮም ተቀቢሎም፣ ቊሩብ ሕይል ዝበለ ደኣ እዩ እምበር ትክክል ዝኾነ ዕርክነት እዮም ተቀቢሎም፣ ንሕና ክርስትያን ኩልና ነዚ ጸጋ እዚ ተቀቢልና ኢና፣ ኢየሱስ ልቡ ሃህ ኣቢሉ ከፊቱ ከም ኣዕሩኽቱ ተቀቢሉና ዕርከነቱ ከኣ ዓዲሉና፣ ነዚ ዕርክነት እዚ ከም ብጽሒት ከም ዕጫ ተቀቢናዮ፣ ስለዚ ከም ዕጫኻ እዩ ዝነበር ኣዕሩኽቱ ክንከውን ተመዲብና፣ ብወገን እግዚብሔር እዚ ዕርክነት እዚ ወትሩ ምስ ተሓለወ እዩ ከመይ ንሱ ወትሩ ኣብ ቃሉን ኪዳኑን እሙን ስለዝኾነ፣ ነዚ ዕርከነት እዚ ኢየሱስ ንኩሉ እዩ ዝህቦ ወላውን ነቶም ዝኽሕድዎ ብነጻ ይዕድሎም፣ ስለዝኾነ ከኣ ንሕና ብዙሕ ግዜ ካብዚ ዕርከነት እዚ ዘልሓጥሓጥ ክንብል ወረ ሓንሳእ ሓንሳእ ጨሪሽና ክንክሕዶ ንርከብ፣ ካብዚ ዕርክነትዚ ዝፈልየና ሓጢኣትን ቅጥዒ ዝሰኣነ ሕማቅ ዝንባሌታትናን እንክኸውን ንሱ ግን እሙን ስለዝኾነ ክሳብ ንምለሶ ይጽበየና፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 15.9-17 ዘሎ ‘ከምቲ ኣቦ ዜፍቅረኒ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቀርኩኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ እናሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩ ዝነብር፡ ንስኻትኩም ደማ ትእዛዛተይ እንተደኣ  ሓሊኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትነብሩ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺነብር፡ ታሕጓስኩምኩምውን ፍጹም ምእንቲ ኺኸውን እየ ነዚ  ዝነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዩ። ሓደ ሰብ ንሕይወቱ ቢኣዛ ኣዕሩኽቱ ኣኅሊፉ ካብ ምውፋይ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩም ነዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘሎኹ ዅሉ እንተድኣ ፈጺምኩም፡ ኣዕሩኸተይ ኢኹም። ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ነገራት ኩሉ ስለ ዘፍለጥኩኹምሲ ‘ኣዕሩኽተይ’ ኢለኩም ኣሎኹ፣ ደጊም ‘ጊላዎት’ ኣይክብለኩምን እየ። ከመይሲ ጊላዋ ነቲ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ፣ ኣነ ደኣ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን። ኬድኩም ፍረ ኽትገብሩን ፍረኹም እውን ነባሪ ኪኽውን፡ ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ እውን ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ‘ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ’፡ እዚ ነገራትዚ ደኣ እየ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ።’ ይብል፣ ነዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ብተግባር ከምዘርኣዮም ነቲ ከትሕዞ ብለይቲ ሠራዊት ኣምሪሑ ዝመጸ ይሁዳ እውን  ‘ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ’ (ማቴ 26.50) ደኣ በሎ እምበር ኣታ ክዳዕ እንታይ ክትገብር መጺእካ ኪድ ካብዚ ረሓቅ ኣይበሎን፣

‘ኢየሱስ ዓርክና እዩ፣ ከምቲ ወንጌል ዘመልክቶ ይሁዳ ናብቲ ጽሕፍቶኡ ዝኾነ ሓዲስ ዕጫ ሕይወት ብነጻነቱ ናብ ዝሓረዮ መንገዲ ብምኻድ ካብ ኢየሱስ ክርሕቅ መረጸ፣ ክሕደት ዝበሃል እዚ እዩ፣ ካብ ኢየሱስ ምርሓቅ፣ ሓደ ዓርኪ ጸላኢ ክኸውን ከሎ ወይውን ኣይዝሑል ኣይምውቕ ዝኸውን ወይውን ከዳዕ ዝኸውን ከኣ ከምዚ እዩ፣

ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዕለቱ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው በዓለ ማትያስ ሓዋርያ ብምንባሩ ካብ ግሓ 1.15-26 ብዛዕባ ንይሁዳ ተኪኡ ዝተመርጸ ማትያስ ዝገልጽን ጸሎት ሓዋርያትን ዕጫን ዝምልከት ነበረ፣ ነዚ ዝኾነሉ ከኣ ምሥክር ትንሣኤ ክርስቶስ ንክኸውን ተመርጸ፣ ዕድለኛ ዝኾነ ማትያስ ንቦታ ይሁዳ ተኪኡ ዕርክነት ኢየሱስ ይቅበል፣ ዓርኪ ክንብል ኩሉ ምሥጢራትካ እተካፍሎ እዩ፣ ነዚ ከኣ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ተጠቂሱ ንረኽቦ፣

ነዙ ጉዳይ እዚ ነስተንትን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ጸጋ እዚ ኣይነፍገልናን እዩ ኣይክሕደናን ክሳብ መወዳእታ ይጽበየና፣ ንሕና ብምኽንያት ድኻምነትና ብምኽንያት ሓጢኣትና ካብኡ እንተረሓቅናውን ንሱ ወትሩ ይጽበየና፣ እንተሓሰመ እንተሓሰመ ‘ዓርከይ እጽበየካ ኣሎኹ! ዓርከይ እንታይ ትደሊ’ እዩ ዝብለና፣ ንሱ ወትሩ ኣብ ዕርክነት እሙን ስለዝኾነ ኣብ ፍቅሩ ንክንጸንዕ ጸጋኡ ክዕድለና ወትሩ ክንልምኖ ኣሎና፣ እንክብሉ ካብዛ ከም ዕጫ ዝዓደለና ፍቅሩን ዕርክነቱን ከይንፍለ ጸጋኡ ክህበና ክንምሕጸኖ ብምዝኽኻር ስብከቶም ደምደሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.