2018-05-15 16:18:00

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር፥ ዛዕባ ሃይማኖታዊ ፍርዲ ዓንቀጸ ግዘት ኣብ መበል 20 ዓመት ምክፋት ቤተ መዛግብቲ


ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቤተ መዛግብ ምክፋት መበል 20 ዓመት ምኽንያት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘዳለዎ  ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ታርኽ ዛዕባ ሃይማኖታዊ ፍርደ ዓንቀጽ ግዘት ዝዝትይ ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ኢጣኢያ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቤተ መዝገብ ሎሚ ከምእተጀመረ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ጥሪ 1998 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዕጽው ዝነበረ ቤተ መዛግብቱ ንተመራመርቲ ንዘካይድዎ መጽናዕቲ ክፉት ክኸው ኣብቲ እዋን ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር (ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16) ብዝመርሕዎ ስነ ስርዓት ብወግዒ ካብ ዝኽፈት እነሆ መበል 20 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ ዕለት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘሰናደዎ ዛዕባ  ሃይማኖታዊ ፍርደ ዓንቀጽ ግዘት (inquisition) ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቤተ መዝገብ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ እዚ ሎሚ ዕለት 15 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ዝተኸልከሉ መጻሕፍት ኣብ ዝብል ጥንታዊ ታሪኻዊ መዝገብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ዘማእከለ ፍሉይ መጽናዕታዊ ሰነድ ዘቕርብ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ተሳተፍቲ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ

ቅድም ቀዳድም እዚ ዓውደ ጉባኤ Memoria Fidei - ዝኽረት እምነት ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ 2013 ዓ.ም. ናይቲ ዘበገሶ ዓውደ ጉባኤ ዓዋዲ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ካናዳን ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ ዘሳትፈን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ልዊስ ላዳሪያ ፈረር ዝምራሕን ከይኑ፡ ኣብ ናይ ሎሚ መደቡ ኣንድረያ ደል ኮል ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዘቕረቡን ስዒቡ ብሊቃውንቲ ብካርሊ ጊንዝቡርግ ዝተመራሐ ኣልብረኽት ቡርካርድት፡ ማሪና ካፊየሮ፡ ማርታ ፋኦሪ፡ ማሲሞ ፊርፖ፡ ፕላር ሁዌርጋ ችሪያዶ፡ ሉቻኖ ማሉሳ፡ ሲልቫና ሳይደል መንኪን ሊን ስፕሩይት ዘሳተፈ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ዓንቀጸ እምነ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ናይ ካልኣይ መዓልቲ መደብ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቅድስተ ማርያም ልዕለ ሚነቭራ ናይ ቅድስቲ ማርያም ቤተ ጸሎት መዘምራን ኦርከስትራን ናይ ሮማ ማሕበር መዘምራን ብናይ ኦርከስትራን ውሁድ ጥዑም ሙዚቓ መራሒ መምህር ቪቸንዞ ዲ በታ ዝተመራሐ ምርእቲ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ከምዝቐርብ ዝሓበረ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ መደብ ብሀርማን ሽወድትን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ቤተ መዝግብ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣለኻንድሮ ሲፍረስ ዝምራሕ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.