2018-05-17 16:21:00

ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ቅድስቲ መሬት፥ ኣብ ጋዛ ዝተፈጸመ ህልቂት ከይህሉ ምግባር ዝከኣል ከምዝነበረ ይገልጹ


ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መደበይና ብፁዓን ጳጳሳት ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቓዕቲ ኰኒኖም መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ልኡከ መንግስት ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ክግዕዝ ምግባሩ ነቒፎን እዚ ውሳኔ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ናይቲ ከባቢ ከይዲ ሰላም ዘተዓናቕፍ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምግላጽ ይኹን ደኣ እምበር ኢየሩሳሌም ናይ እስራኤልን ሃገረ ፍልስጥኤምን ርእሰ ከተማ ንኸይትኸውን ዝኽልክል ምንም ነገር ክህሉ ከምዘይክእል እምነትና እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ፍልስጥኤማውያን ነቲ ናይ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ውሳኔ ብምቅዋም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብብዙሓት ዓሰርተታት ዝቑጸር ብሞት ኣስታት ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ንማሕሰይቲ ሓደጋ ከምእተቓልዑን ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ንሞት ዝዳርግ መሳርሒ ብምጥቓሙ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓደጋ ሞትን ማህሰይትን ምዃን መደበይና ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣመልኪቶም፡ ከይህሉ ምግባር ዝከኣል ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ እዩ ቢሎም፡ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምእተቓወሙ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር መቐመጢ ልኡከ መንግስቶም ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ከግዕዝ ምግባሮም ንናይቲ ከባቢ ከይዲ ሰላም ዘተዓናቕፍ ከምዝዀነ ናይ ላቲን ግሪክ መልኪታን ኣርመንን ማሮናውን ከለዳውን ሲሮ ካቶሊካውን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል መደበይና ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረትን ቅዱሳት ስፍራን ዓቃቢ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መገልጺ ሓቢሮም፡ ኢየሩሳሌም ክፍቲ ከተማ ነህዛብ ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ኣመለኻኽታ ብምቅላሕ ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን ንፍልስጥኤምን ርእሰ ከተማ ካብ ምዃን ዝዕንቅጽ ምንም ነገር ክህሉ ኣይክእልን ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዕለት 18 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ካቶሊካውያን ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር ጸሎት ክሓብሩ ዕለት 15 ግንቦት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ፍልስጥኤማውያን ካብ ዕለት 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብቲ ጋዛን እስራኤልን ኣብ ዘዳብው ከባቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ካብ ዝጀመርሉ ዕለት ንነጀው ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሑዱ 110 ዝግመቱ ናይ ሞት ካልኦት ልዕሊ 3 ሺሕ ዝግመቱ ናይ ማህሰይቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም የመልክት።  








All the contents on this site are copyrighted ©.