2018-05-18 16:52:00

ጓሳ ነፍሳት ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዚዓይነቱ ምትእስሳር ግዜ ከጥፍእ የብሉን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ብዛዕባ ናይ መጨረሻ ዘተ ኢየሱስን ቅዱስ ጴጥሮስን ዝተዘርባ ተፍቅረቢዶ ኣባግዔይ ጓሲ ንዝመጽእ መስቀል ተሰናዶ ዝብላ ቃላት ተመስሪቶም ጓሶት ኣብ ጉዳይ ካልኦት ጣልቃ ናይ ምእታው ፈተና ሰጊሮም ንጥቅሚ ካብ ዘተኣሳስሩን ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝዓይንቱ ምትእስሳርን ከይጥልፉ ብምጥንቃቅ ክጐዕዙ ብቀጥታ ከምቲ ጐይታ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ወጣም ሕቶ ምስ ሓተቶ እንታይ ኣእተወካ ንስኻስ ስዓበኒ ዝበሎ ጓሶት እውን ንጐይታ ጥራይ ክስዕቡ ኣለዎም እንክብሉ ሰቢኾም፣

ብመሰረት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል መጨረሻ ክፍሊ ወንጌል ዮሓንስ ኮይኑ ካብ 21.15-19 ‘ “ምስ በልዑ ከኣ ኢየሱስ ንስምዖን ጴጥሮስ “ስምዖን ወዲ ዮና! ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ከኣ “እወ ጐይታይ! ኣነ ከም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ “ዕያውተይ ኣብልዕ’ በሎ። ካልኣይ ጊዜ “ስምዖን ወዲ ዮና! ተፍቅረኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ከኣ “ጐይታይ! ንስኻ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ኣነ ከም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ “ኣባጊዐይ ሓሉ’ በሎ። ንሣልሳይ ጊዜ ድማ “ስምዖን ወዲ ዮና! ተፍቅረኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ሣልሳይ ጊዜ “ተፍቅረኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ ጒህዩ “ጐይታይ! ንስኻ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ኣነ ከም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከኣ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ። ንስኻ በጽሒ ከሎኻ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ነበርካ፣ ምስ ኣረግካ ግና ኣእዳውካ ከም እተልዕል እሞ፣ ካልእ ከም ዘዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዚወስደካ፣ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ” በሎ። እዚ ዝበለ ጴጥሮስ ብኸመይ መሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ከም ዘለዎ ምእንቲ ኪሕብረሉ እዩ። እዚ ምስ ተዛረበ “ስዓበኒ” በሎ።” ይብል፣

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘተ ንታሪኽ ሕይወት ነቲ መጀመርያ ካብ ስምዖን ናብ ጴጥሮስ ዝለወጦ ከም ብሓዲሽ ተመሊሱ ስምዖን ወዲ ዮና ክብል ምሕታቱ ነቲ ክሳብ ደርሆ ዝንቑ እሞ ሰለስተ ሳዕ ዝኽሕዶ ዝነበረ ግዜ ጠቅሊሉ ንኩሉ ምሳኡ ዝገበሮ ጉዕዞ ሕይወት ዘመልክት እዩ ኢሎም፣ ነዚ ከኣ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲወከፍና ዝገበርናዮ ጉዕዞ ሕይወትን ነቲ ድሕሪ ሕጂ እንውጥኖን በዚ መቀን እዚ ክንመዝኖ እሞ ነታ ሰዓበኒ እትብል ትእዛዝ ኢየሱስ ክንቅበል ንዕደም ምስ በሉ ኣብተን ቀንዲ ዝበልወን ነዚ ትእዛዝ ብኸመይ ኣብ ግብረ ነውዕሎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሳ ሰለስተ ቃላት የተኲሩ፣ ንሰን ከኣ ኣፍቅረኒ ጓሲ ተሰናዶ ኢልና ክነጠቃልለን ንኽእል፣

‘ኣፍቅረኒ ኣባግዔይ ጓሲ ንመስዋዕትነት ተሰናዶ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ልዕሊ ኩሉ ክንዮ ኩሉ ኣፍቅረኒ ክሳብ እቲ እትኽእሎ ኣፍቅረኒ፣ ንዓና ንኩልናስ ይኹን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንጓሶት ነፍሳት ዝሓቶ ነገርከስ እዚ እዩ፣ ኣፍቅረኒ! ምስ ጐይታ ንምጒዓዝ ንጐይታ ንምስዓብ እትሕግዝ ቀዳመይቲ ስጉምቲኸስ ፍቅሪ እያ፣ ንኣኡ ጥራይ ብምሉእ ልብኻን ሓይልኻን ኣእምሮኻን ምፍቃር እዩ እቲ ቀንዲ ነገር፣ ድሕሪ ቢሎም ናብታ ግርህ ኢልካ ዘይትደኣ ግን ዓቢ ትንቢት ዝሓዘት ሳልሰይቲ ቃል ማለት ምስንዳው ኣብ ትብል ስግር ይብሉ እሞ ነታ ‘ንስኻ በጽሒ ከሎኻ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ነበርካ፣ ምስ ኣረግካ ግና ኣእዳውካ ከም እተልዕል እሞ፣ ካልእ ከም ዘዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዚወስደካ፣ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ” እትብል ጥቅስን ብቅዱስ ዮሓንስ ዝወሃብ ፍትሓታን ማለት በየናይ ሞት በየናይ መስዋዕትነት ንጐይታ ከኽብሮ ከምዘለዎ ንእትገልጽ ክፍሊ ንነፍሲ ወከፍ ጓሳ ነፍሳት ትምልከት ምዃናን ፈቲዮም ጸሊኦም ንሰማዕትነት መስቀል ንምሽካም ዝተጸውዑ ምዃኖም የዘኻክሩ፣

‘ንፈተናታት ተሰናዶ! ንኩሉ ጥንጥን ኣኢልካ ክትሓድግ ተሰናዶ! ከመይ ካልእ ክመጽእ እዩ ንነገራት ከኣ ብካልእ ኣገባብ ክፍጽሞም እዩ፣ ነዚ ዘጋጥም ንሕይወት ኢምንት ዝገብር ኩነት ተሰናዶ፣ ናብ ናይ ውርደት ጉዕዞ ክወስዱኻ ኢዮም ምናልባትውን ናብ ናይ ሰማዕትነት መንገዲ ክወስዱኻ እዮም፣ እቶም ጓሳኦም እንከሎኻ ዘጣቅዑልካን ብዛዕባኻ ዝዋጥዩን ዝነበሩ ክስልበጡኻን ክሓምዪኻን ስምካ ከጸልሙን ክርከቡ እዮም ከመይ እቲ ብድሕሬኻ ዝመጸ ካባኻ ዝሓይሽ ኮይኑ ስለዝረኣዮም፣ ስለዚ ተሰናዶ! ንመስቀል ተሰናዶ! ናብ ዘይደለኻዮ ወጢጦም ክወስዱኻ ንክሰቅሉኻ ክወስዱኻ ስለዝኽእሉ ተሰናዶ፣ መምርሒ ናይ ሓደ ጓሳኸስ እዚኤን ቃላት እዚኤን እየን ‘ኣፍቅረኒ መጓሰይ ጓሲ ተሰናዶ ዝብላ ቃላት እየን፣

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ፍቅዲ 20 ክሳብ ፍጻሜ ዘሎ ሓንቲ ውጥምና እተሕድር ቃል ኣላ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንዲ ብዛዕባ ጉዳዪ ዝሓስብን ነቲ ሰዓበኒ ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ክንዲ ምቅባልን ናይ ጐይታ ምልስ ኢሉ ‘ጐይታይ እዚኸ እንታይ ክኸውን እዩ’ ቢሉ ይሓትት ማለት ኣነስ ሓራይ እዚ ዝበልካዮ ክኸውን እዩ ቅዱስ ዮሓንስከ እንታይ ክኸውን እዩ ንማለት እዩ፣ ኢየሱስ ከኣ ኣነ ክሳብ ዝመጽእ ንሱ ኪጸንሕ እንተደኣ ደለዅዎስ እንታይ ገደስካ! ይብሎ እሞ ኣስዒቡ ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ ይብሎ፣ ቅዱስነቶም እዚ ጣልቃ ምእታው እዚ ብዛዕባ ጉዳይ ካልኦት ኣፍንጫኻ ምንዋሕ ወትሩ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ካብዚ መፈንጠራ እዚ ንክንርሕቅ ብሕልፊ ከኣ ጓሶት ካብዚ ምጥምዛዝ እዚ ከምልጡ ከምዚ ክብሉ ይምዕዱ፣

‘ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ ይኹን! ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ጣልቃ ኣይትእቶ! ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይትደያ ኢድክን! ጓሳሲ ከፍቅርን መጓሲኡ ክጓስን ንመስቀልን ንኩሉ ነገራት ንኽገድፍን ክሰናዶ እዩ ዘለዎ እምበር ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ግዜኡ ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ጥቀመኒ ክጠቅመካ ዝብል ሓሸውየ ክኣቱ የብሉን እዚ መጻወዲያ እዙ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ስለዘይሰኣን ምስዚ ፈጺሙ ክተኣሳሰር የብሉን፣ የፍቅር ይጓሲ ንመስቀል ይሰናዶ ኣብ ፈተና ከይኣቱ ከኣ ይጠንቀቅ ኣንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.