2018-05-19 16:52:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ በኒን ርእሰ ብሔር ፓትሪሰ ታሎን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝእተዉ ናይ ረፓብሊክ በኒን ርእሰ ብሔር ፓትሪሰ ታሎን ዕለት 18 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ በኒን ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ከምእተመስከረን እዚ ዘሎ ሰናይ ርክብ ዘሐይል ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኮቶኑ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ በኒን ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ መሰረት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ብምክያድ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ በኒን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ካብ መንግስቲ በኒን ከምእተሓበረን፡ ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ዓውዲ ምንቕቓሕ ስብኣውነትን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነኣድ ምዃኑ ርእሰ ብሔር ታሎን ከምዝገለጹን ብዛዕባ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ሃገረ በኒን ቤተ ክርስቲያን ንምርግጋጽ ምዕባለን ድኽነት ኣብ ምውጋእንም ምውጋድን መንግስቲ ዝሓንጸጾ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መርሓ ግብሪ ቀረባ ብምዃኑ እትህቦድ ኣበርክቶ ዝነኣድ እውን ምዃኑ ርእሰ ብሔር ታሎን ሓቢሮም እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብነታዊ ምዃኑ ዝተመስከረ ክሌኣዊ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተካየደ ርክብ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፋዊ ጉዳይ ዝምልከቱን ምስ ሃገረ በኒን ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም ኣብ ዝበሀሉ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ብሔር ታሎን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሪቻርድ ገላገር ዝተሰነየ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ታሎም ካብ ሃገረ ቫቲካን ተሰናቢቶም ብቐጥታ ናብ ራዲዮ ቫቲካን ነውስ ሕንጻ ብምኻድ ምስ መላእ ናይ ቫቲካን ረድዮ ናይ ኣፍሪቃ ክፍሊ ኣባላት ጋዜጠይናታት ከምእተራኸቡ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.