2018-05-19 17:03:00

መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ፥ ኢየሩሳሌም ናይ ሰላም እምበር ናይ ምግምማዕ ስፍራ ኣይትኹን


ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡካን ዝሕተም ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ታሪኻውን ፖለቲካውን መልክዕ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከይዲ ሰላም ሳዕቤን ናይ ኢየሩሳሌም ደረጃዊ ኩነት ብሰፊሕ ዝትንትን ዓንቀጽ ንንባብ ከምዘብቅዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኢየሩሳሌም ክፍትቲን ናይ ሱታፌን ሰላም ትእምርቲ ከተማ ክትከውን እምበር ናይ ዘይምስምማዕን ጽልእን ምግምማዕን ትእምርቲ ክትከውን የበላን፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ እቲ ናይ ካቶሊካዊ ስልጣኔ መጽሔት ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጆቫኒ ሳለ “ኢየሩሳሌም ቅድስትን ክፍትን ከተማ  ብዝብል ኣርእስቲ ንንባብ ዘብቅዖ ሓተታ ኣስዒቡ፥ እቲ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክግዕዝ ዝገበረ ናይ ርእሰ ብሔር ዶናል ትራምፕ ውሳኔ፥ ክሳብ ሕጂ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ዝኽተሎ ፍልይ ዝብለ ፖለቲካዊ ከይዲ ምዃኑን ኣብ ከይዲ ሰላም እውን ዓቢይ ተጽእኖ ከምዝህልው ኣመልኪቱ፡

ናይ መጻኢ ደረጃዊ ኩነት ኢየሩሳሌም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ዓቢይ ተጽእኖ ክህልዎ እዩ

እቲ ኣባ ሳለ ዘቕረብዎ ሰፊሕ ሓተታ፥ ሕጋዊ ኩነት ኢየሩሳሌምን እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንሰላም ኣሚቱ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ጥብቂ ምትእስሳር ዘለዎን ተማራዃዃሲ እውን ምዃኑ ብስነ መጐታዊ ኣገላልጻ ብምቕራብ፡ ስለዚህ ሕጋዊ ኵነት ኢየሩሳሌም ሸለል ክበሃል ዘይግብኦ ጉዳይ እዩ፡ ኣባ ሳለ ኣስዒቦም ነቲ ኩሉ ምስ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝተኣሳሰሩ ታሪኻውያን ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳብ እዋንና ዘለዉ ሕቶታት ዘርዚሮም ኢየሩሳሌም ነተን ሓደ እግዚኣብሔርነት (ህላወ ናይ ሓደ እግዚኣብሒር እምነ ዘለወን) ዝኣምና ዓበይቲ ሰለስተ ሃይማኖታት ዘለዋ ዓቢይ ኣገዳስነት እውን ኣብ ግምት ብምእታው ኢየሩሳሌ ዝህልዋ ሕጋዊ ኵነት ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዓቢይ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብሰፊሕ ከምዝተተኑ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንምርግጋጽ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ሕቶ መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ

እቲ ሕጋዊ ኩነት ኢየሩሳልም ዝምልከት ሕቶ ፍትሓዊ መልሲ ክሳብ ዘይረኸበ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤም ዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ እዩ ቢልካም ምሕሳብ ዘይከኣል ምዃኑ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን ዝኣመሰሉ መርትዖታት ብምቕራ ኣርጊጾም ብምሕባር፡ ካብ ኦስሎክሳ ኬምፕ ደቪድ ዝብሉ ዝተፈጸሙ ናይ ሰላም ስምምዓት ታሪኽ ከይድታቱን ኩሉ ዘርዚሮም ናይ ቀረባን እዋናዊ ታሪኽ ሕጋዊ ኵነት ኢየሩሳሌም ብትኽክል ክሳብ ዘይውሰን ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክረጋገጽ ከዘይኽእል ኣጽኒዑ ዘመላኽት ምዃኑ ዓሚይቕ ትንተና ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ ገሊጾም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.