2018-05-19 20:01:00

ሰንበት ዘዕርገት 12 ግንቦት 2010 ዓ.ም.( 5/20/2018)


ንባባት፡   ኤፈ 1፡17-23፥ 1ጴ 2:20-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡1-11፥ ማር 16፡15-20  ስብከት፡ ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብዕልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና ዘምሩ” መዝ. 47፡5~6።

መዝሙር፡ በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. .ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት  ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ”።

 ዕርገት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና አቐዲምና ክንርድኦ ዝግብአና ነገራት አሎ። አብ አገላልጻ ቅዱስ መጽሓፍ ክንፈልጦ ዘሎና ክልተ ቀንዲ መሰረታውያን ነገራት አብ አቆጻጽራ ጊዜ አሎ፡ 1. ጊዜ አምላኽ (Kairos time is God’s time) አብ አምላኽ ከምዚ ንሕና እንጥቀሞ ጊዜ አይ ኮነን ዘሎ፥ አብኡ ጊዜን ቦታን የለን። ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ጊዚኡ ምስ በጽሐ ንሓደ ወዱ ናብ ዓለም ልአኾ ይብለና። ናይ ባህሪ ሕግታትን ኵሎም ናይ እዚ ዓለም ነገራት አምላኽ ክአትዎም እንከሎ ጨሪሾም ካልእ መልክዕ ይኽተሉ። 2. ሰብአዊ ጊዜ (Chronos time is linear and Quantitative) ዝዕቀን ሰባት ብአኡ ገርና ንነገራት ንዕቅን ሎሚ ትማሊ እናበልና ንገልጾ። ነዚ አብ ግምት ገርና ኢና ርድኢትና ብዛዕባ ዕርገት ክንርእዮ ዘሎና።

ዕርገት ብጊዜ አምላኽ “Kairos” ክንርእዮ አሎና ማለት ከም ክፍሊ ሕማማት፥ ሞት፥ ትንሣኤን ዕርገትን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብኻልእ አገላልጻ ከም ሓደ መዕጸዊ ናይ ሓደ ድራማ ማለት ብቃል አምላኽ ጀሚሩ ካብ ሰማይ ወሪዱ አብ ማሕጸን ድንግል ሓዲሩ ሥጋ ዝለበሰሉ አብ ዕርገት ከአ ነቲ ዓንከል ምሉእ ዝገበረሉ ገርና ክንርእዮ ንኽእል። እግዚአብሔር አቦና ንሓደ ወዱ ክእክበናን እሞ ምስኡ ብቅዱስ ሓድነት ሓደ ክገብረና አብ መንጎና ለአኾ። ንሱ ድሕሪ እዚ ኹሉ ንሰማይዊ ዓድና/ገዛና ናብ ሰማያዊ አቦና ዝወስድ መገዲ አጣጢሑልና። እዚ ኹሉ ዝኾነ አምላኽ ባዕሉ ዘበገሶን ዝደለዮን ስለ ዝኾነ፥ መደብ አምላኽ ስለ ዝኾነ እምብአር መደብና አይኮነን። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ነቲ ንሕና ክንገብሮ ዘይንኽእል ባዕሉ ይገብረልና ምኽንያቱ ንሕና ድኹማት ፍጥረት ኢና። አምላኽ ንአና ከሓድትን ጠፊእናና አብ ምኹብላል እንነብር አብቲ ቀንዲ ቤትና ክመልሰልና ኢሉ ንወዱ ልኢኹልና። እምብአር ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ነመገዲ ሰማይ ክንሕዝ እሞ ምስኡ ክንአቱ እዩ ድላይ ሰማያዊ አቦና።

ቅ. ማርቆስ ንዕርገት ከዘንቱ እንከሎ “ንሰማይ ዓረገ” ይብል። ቀልጢፍና ነዚ ምስ አንበብና ዝመጸና ሓሳብ ንሰማይ ንላዕሊ ዝብል እዩ፥ እንተ ኾነ እዚ ጌጋ እዩ። እዚ ንሰማይ ዓረገ ዝብል ሓሳብ ኢየሱስ አብ ሓዲስ ሕይወት፥ አብ ዝለዓለ ኩነት አትዩ እዩ ዘስምዕ። ንሱ አብቲ ካብ መጀመርያ ዝመጸና አብኡ ተመሊሱ ማለት እዩ። ሰማይ አብ ላዕሊ ወይ አብ ታሕቲ ወይ አብ የማን ወይ አብ ጸጋም አይ ኮነን አብኡ ጊዜን ቦታን የለን ስለዚ ዓርገ ዝብል ቃል ብሰብአዊ ርድኢት ክንወስዶ የብልና።

ዕርገት ኢየሱስ እምብአር ካባና ምፍላይ ወይ ምኻደ አይኮነን። ዕርገቱ ማዕረ ማዕረ ትንሣኤኡ እዩ። ክልቲኡ ትንሣኤን ዕርገትን ሓዲስ ህላዌ ወይ ኩነት እዩ። አምላኽ አይሓደገናን፥ እኳ ደአ ብሓዲስ መገዲ መጺኡና አሎ። እዚ ምጽአት እዚ ከምቲ አብ ቤተልሔም ዝመጸና ከምኡ ሓዲስ ምጽአት እዩ። አብ ጊዜ አምላኽ ክንአቱ ዝጽውዕ እዩ።

ብርግጽ ዕርገት ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ እዩ። ማርቆስ ወንጌላዊ ነዚ ሓዲስ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክገልጽ እንከሎ “ጎይታ ምስአቶም ይዓዪ ነቲ ቃሎምውን በቲ ዘሰንዮ ተአምራት የጽንዖ ነበረ” እናበለ ይነግረና። አብዚ ተመስሪትና ንዝሓለፈ ዘይኮነ ንዝመጽእ ክንጥምት ከምዘሎና ንርኢ። ማርቆስን ኵሎም ጸሓፍቲ ሓዲስ ኪዳን ዕርገት ኢየሱስ መቕድም ንሓዲስ ዘመን ወይ ምዕራፍ ከምዝኾነ ይገልጹ “ብዘመነ ቤተ ክርስትያን” ከአ ይፍለጥ። ኢየሱስ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ነቲ ንሱ አብ ምድራዊ ሕይወቱ እንከሎ ዝጀመሮ ስራሕ ይቕጽሎ። ቤተ ክርስትያን ክንብል እንከሎና ንኹልና ዘጠቓለለ እዩ። ንኹልና ብጥምቀት አብ ማሕበሩ ዝሓበርና “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበኹ” ዝበሎ ሎሚ ልክዕ ከም ቀደም ንአና ይብሎ አሎ። 

አብ ወንጌልን ግ.ሓን ብዛዕባ ኢየሱስ አብተን ናይ መጨረሻ ቃላቱ ዝበሎ ተመሳሳላይ አገላልጻ ንረክብ። 1. ሓዲስ ተልእኮ ካሳብ ብዳግም ብግርማ ዝመጽእ ክገብርዎ ዘለዎም ነጊርዎም። 2. ነዚ ተልእኮ እናገበሩ ከለዉ ሰማያዊ ሓይሊ ከምዘሰንዮም አረጋጊጽሎም። ነቲ ትእዛዙ ክንፍጽም እንከሎና ሎሚ እውን ምሳና ኮይኑ ከምዘሰንየና ከም ዝመርሓና ርግጽ እዩ ካባና ዝድለ ክንልአኽ ፍቓደኛታት ክንከውን እዩ።

ዕርገት ንሓዲስ ርክብን ጉዕዞ ሕይወትን ክንጅምር ባብ ዝኸፍት ሓዲስ ምዕራፍ ከምኡ ኢየሱስ ብሓዲስ አገባብ አብ መንጎና ዝርከበሉ መገዲ ዝኸፈተልና እዩ። እቲ ብግዙፍ ዝርአ ዝነበረ ሕጂ ብምስጢራቱ፥ ብቤተ ክርስትያን እታ አካል ሰውነቱ ዝኾነት ገሩ እዩ አብ መንጎና ዝርከብ። አብ መስጢራት ድሕሪ 2000 ዓመት ዕርገቱ እንደገና ብኻልእ መልክዕ ግን ንሱ ብርእሱ ኢና ንረኽቦ። ዕርገት አካላዊ ምልዓል አይኮነን፥ ዓይነታዊ ምልዓል እዩ ማለት ኩነቱ እዩ ቐይሩ። አብ ክርስቶስ ሕይወትና ምስኡ ይልዓል እሞ አብ ሰማያዊ አቦና ንምለስ።

ዕርገት ኢየሱስ ከም ዝሓደገና አይ ኮነን ዘመልክት። ከምቲ አብ ልደቱ ብምስጢራውን ሓዲስን  መገዲ ንሕና ክንርድኦን ክንፈልጦን ዘይንኽእል ልዕሊ ዓቕምናን ተፈጥሮናን ልዕሊ ጊዜን ቦታን  አብ መንጎና ዝሓደረ ከምኡ ዕርገት ዘበስሮ ምጽአት መንፈስ ቅዱስ አባና ከምኡ ክሳብ ዳግማይ ምጽአት ምሳና ከምዝጸንሐ እዩ።

አምላኽ ምሳና አሎ። አምላኽ ኵሉ ጊዜ ምሳና ነሩ ሕጂ እውን ምሳና አሎ። ዕርገት እምብአር ካባና ምኻድ ወይ ምፍላይ አይኮነን እንታይ ድአ ሓዲስ መገዲ አብ መንጎና ምህላዉ ዝጅምር እዩ። እዚ ሓዲስ መገዲ ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ አብ መንጎና አሎ።

ነዚ ሓዲስ ህላዌ ከመይ ኢልና ክንምልስ ይግባእ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እንተ ረአና ሰባት ገለ ብጽቡቕ ገለ ኸአ ብኽፉእ ዝምልሱ እዮም። ሕይወት ቅዱሳን መንፈስ ቅዱስ አባና ከመይ ከምዝዓዪ ይገልጽ። ሕይወተይን ሕይወትኩምን ልክዕ ከምኡ ክንገልጽ ይክአል እዩ። መንፈስ ቅዱስ አባና ክሰርሕ እንተ አፍቀድና አምላኽ ምሳና ክህሉ ነቲ ጽቡቕ ከአ ክንስዕቦ ንኽእል ኢና። እሞ ሎሚ አምላኽ አባና ክዓዪ እንታይ ንግበር።

አብ ግ.ሓ. ሉቃስ አሕጽር አቢሉ ታሪኽ ኢየሱስ ይነግረና። አብዚ ክልተ ናይ ተስፋ መልእኽትታት ንርኢ። እታ ቀዳመይቲ ተስፋ ዘጸናንዕ መንፈ ቅዱስ ከም ዝሰደሎም፥ “መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም. . . . . መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም. . . . . ክሳብ መጨረሻ ዓለም”። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ዘኽታማት ክንከውን አይክሓድገናን እዩ፥ እኳደአ ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ክህሉ እዩ። በዚ ኢና እምብአር ዕርገቱ ካባና ምፍላይ አይኮነን ኢልና እንአምን። ብአንጻሩ ቀጺሉ ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ አብ መንጎና ምህላዉ ዝገልጽ እዩ። ካልአይ ተስፋ ብዳግም ክምለሰና ምዃኑ። ሎሚ እነብዕሎ እምብአር ነቲ ዝሃበና ተስፋ ከሰናዱ አብ መንግስቱ ቦታ ከሰናድወልና ኢሉ ከም ዝዓረገ እሞ ሓደ መዓልቲ ክወስደና ክምለስ ምዃኑ እዩ።

አምብአር ንምጽአት ክርስቶስ እናተሰናዶና ክንጽበ እምበር ሱቕ ኢልና ሓንቲ ከይገበርና ክንጸንሕ አይኮነን። ብአንጻሩ ፍርያም ሕይወት ክነብር እዩ ዝድለ። በዚ ምኽንያት እዩ ኩሎም ንባባትና ብዛዕባ ተልእካዊ ጸዋዕታና ዝነግሩና። ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ እናተጸበና እንከሎና ነዚ ጸዋዕታና እቲ ሓቀኛ ሕይወት እናነበርና ክንጉዓዝ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ብዝበለጸ ክነግር እንከሎ “ነቲ ዝተጸዋዕክምሉ ጽዋዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትነብሩ እልምነኩም አሎኹ፥ ብሓቂ ትሑታት ከምኡውን ለዋሃት ኵኑ፥ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ከአ ዕጉሳት ኵኑ፥ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብክምዎ ኅብረት ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” (ኤፈ 4፡2-3)። እዚ እናገበርና እምበር ሱቕ ኢልና አብ ሃለውለውን ዘይጠቅም ሓላፊ ነገራት አድህቦ ገርና ክነብር አይግብአናን። ብዳግም አብ ዝመጸሉ ጊዜ ብዙሓት ፈሊጦሞ ክጸንሑ ንብዙሓት ሕይወቶም ቀይርና አብ አምላኽ አቕሪብናዮም ክንጸንሕ እዩ ዘሎና።

አብ ወንጌል “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበኹ” ዝበሎ ከምቲ ክርስቶስ ንአና ዝሰበኸና ንሕና ኸአ ንኻልኦት ሎሚ ክንሰብኽን ክንመልስን እንልአኽ ኢና። ንኹሉ ካብ ልኡኻት አምላኽ አብጻሕቱ መልእኽቱ ካብ ምዃን ዓጊቱና ዘሎ ንስዓሮ። አብቲ ብጥምቀት ዝተዋህበና ተልእኮ ጸኒዕና ክንልአኽ ብሓዲስ መንፈስ ንበገስ።

ክርስቶስ ንሰማይ ዓሪጉ እናተሓጎስና እንከሎና ሓደ መዓልቲ አብኡ ክወስደና እዩ እሞ ምስዮናዊ ጸዋዕታና ክንፍጽም ኵልና መንፈስና አብቲ ዝለዓለ ክነለዓዕሎ ይግብአና። መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ኵሎም ደቂ ሰብ ክበጽሕ ኩሎም መንግስታት ዓለም ክቕበልዎ አነን ንሱኹምን ክንልአኽ ልብና ንኽፈት። እቲ መልእኽቲ እዚ ብዝተፈላለየ ተሃዊኹ ዘሎ ሕይወት ደቂ ሰብ ብዘሓጉስን ሰናይ ዜናን ክድበስ ዓለት ወገን ብዘየገድስ አብኩሉ ክነብጽሕ ፍቓደኛታት ንኹን። አብ ህልው ኩነታት ዓለምና እንተ ረአና ንሰናይ መልእኽቲ አምላኽ ዘይቅበሎ እኳድአ ከም ጸላእቲ ዝቖጽሩ ዘሳድዱ ዝኽልክሉ ብዙሓት እዮም እዚ ካብ እንታይ ዝተላዕለ እዩ?ብሓቂ ክንሓትት እንተ ኸአልና እዞም ሰባት ንመልእኽቲ ኢየሱስ ድዮም ዝአብዩ ዘለዉ ወይስ ንልኡኻቱን ነቲ ንሶም ዘቕርብዎ አገባብን ወይ መገዲን? ብዙሓት ክርስትያን ኢና ዝብሉ አብ ዕብለላን አብ ብዝሒ አመንቶምን ጥራሕ ዘድህቡ አለዉ ብመጠኑ ኸአ ዝተዓወቱ ይመስሎም።

ሓቀኛ መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ትሕትና አብ ሓቂ ብሕይወትካ ዝምስከር እምበር ብስም ለፍለፍካ ወይ ጣዕመ ልሳን ብስም አዘውተርካ አይኮነን ስለዚ አብ ርእስና ተመሊስና መልእኽቲ መን እየ ዘመሓላልፍ ዘሎኹ ኢልና ሕልናና ንሕተት። ሓቂ አብ ትሕትናን አብ ፍቕርን እያ እትርከብ እሞ ነቲ ክርስቶስ ዝብለና ሰሚዕና መልእኽቱ ድላዩ ክንልአኾ ሕራይ ንበሎ ሽዑ መንፈሱ ክመርሓና እዩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.