2018-05-22 17:08:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተጸልዩ


ዕለት 20 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝቐረቡ ጸሎት ምህላለ ቋንቋ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሳንጎ ዘጠቓለለ ምንባሩ ንሕዝቢ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዓቢይ ተስፋ ከምዝፈጠረ ኣባ ማቲው ቦንዶቦ ተወላዲ ረፓብሊካዊት ማእከላ ኣፍሪቃ ምስ ቫቲካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ብምኽንያት በዓለም ጰራቅሊጦስ ኣብ ባንጉይ ሰበኻ መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንከሎ ምስ ተሰምዔ ምእመን ኩሉ ሓጐሱ ብጣቕዒት ብምግላጽ ኣብቲ ኣብ ብዚሊክ ኣብ ዝዓረገ ጸሎት ከምዝሓበረ ናይ ሰበኻ ባንጉይ ካቴድራል ቆሞስ ምኽትል ጳጳስ ሰበኻ ባንጉይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ባንጉይ ካቴድራል ቅድሱ በሪ ብምኽፋት ብወግዒ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ዘሰንይዎም ኣባ ማቲዩ ቦንዶቦ ብስልኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብሓቂ ኣብ ስቓይናን ሓዘንና በይንና ከምዘይኰንና ነረጋግጽ፡ ምእንቲ ሰላም ምርግጋጽ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝፍጸሙ መንፈሳውን ሰብኣውን ምንቅስቓሳት ብሓቂ ንመላእ ሕዝቢ ናብ ዓቢይ ናይ ተስፋን ሓጐስን ዝንቀሳቕ ዓቢይ ድጋፍ እዩ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት ምህላላ ካብ ዝቐረበሎም ቋንቋታት ሓደ ቋንቋ ሳንጐ ከምዝነበረን እቲ ብቛንቋ ሳንጐ ዝቐረበ ጸሎት ከኣ፥

እግዚኣብሔር ብመጸናንንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣቢልካ ንማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ብጽሓያ፡ ንብዓት ክይተፈስስ፡ ስቃይን ቃንዛ ውግእን ቀቢጸ ተስፋ ንኸይዕብልላን በመጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣቢልካ ብጽሓያ

ዝብል ከምዝነበረን ዘኪሮም፡ ኣብዛ ሃገር ንብዓት ሕዝቢ ይውሕዝ ኣሎ ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ የድልይ፡ ዓማጽያን ኵሎም ኣጽዋር ውግእ ገቲሮም ኣብ ዝደለይሉ ሰዓትን እዋንን ውግእ የለዓዕሉን ሕዝቢ ንስቓይ ይዳርጉን፡ ከምዚ ምርግጋእን ሰላምን ዝህውኽ ኩነት ምጻሩ ብሓቂ ከቢድ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ምጽንናዕ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብብርቱዕ የድልይ፡ ሰላም ዘይደልይ ኣሎ፡ ሰላም ዘይደልይ ዝዘርኦ ውግእን እቲ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ማዕድናታ ንውልቃዊ ረብሓ ክምዝምዝ ዝደልይ እውን ዝዘርኦ ውግእ ኣሎ፡ ናይ ሕዝቢ ሰላምን ምርግጋእን ጠሪሹ ውግእ ዘረጋግጾ ኣይኰነን፡ ብሕዝባዊ ምርጫ ዝተበጽሔ ዓይነት ደሞክራሲ ዘይደልይ እውን ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዝፍነው ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕት ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ዕለት 1 ግንቦት በዓለ ቅዱስ ዮሰፍ ሰራሕተይና መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ዘኪሮም፡ ኣብ ባምባሪ እውን ብዙሕ ሰብ እዩ ዝተቐትለ፡ ብዙሓት ከኣ ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ተመዛቢሎም ይርከቡ፡ እዚ ኹሉ ምእንቲ ምንታይ?

ፍርሒ ጠሪሹ እምንትና ኣየብርስን

ውግእ ብሓቂ ሞትን ማሕሰይትን ፍርሕን እዩ ዝዘርእ፡ ይኹን ደኣ እምበር እምነትና ካብ ምንባር ጠሪሹ ኣይዓግተናን ቢሎም፡ ሰንበት በዓለ ሓምሳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ብዙሓት ሕጻናት መሮን ተቐቢሎምን ምስጢረ ተኪሊል እውን ተሰሪዑ ብዙሓት ኣብቲ ቅዳሴ ተሳቲፎም እዮም፡ መንፈስ ቅዱስ ሓይልን ፍቕርን ጽንዓትን ጥበብን እዩ፡ በዚ ሓይሉ’ዚ ኣቢሉ ኣብ እምነትና የጽንዓና ኣሎ ምስ በሉ፡ ከምቲ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ዘለናዩ ኣብ ልቢ ማሕበረሰብ ዓለም እውንህልዋት ክንከውን ንምነይ፡ ሰላም ብዘተ ጥራሕ እዩ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.