2018-05-23 17:20:00

ናይ ምድሪ ጨውን ናይ ዓለም ብርሃንን ንክንከውን ሓይሊ ዝህበና መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ር.ሊ.ጳ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጥምቀት ንዝገበርናዮ ትምህርቲ ድሕሪ ዛዚምናኸስ ኣብዘን ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ተኸቲለን ዝስዕባ ዕለታት ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ዝተጠመቁ ዘስተንፍሶ ምስክርነትን ንካልኦት ሠናይ ነገር ንምግባር ስንድዋት ኮይኖም ንቅድሚት ገጾም ንኽግስግሱ ዝሕግዞ ክንምልከት ኢና፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ንስኹም ጨው ምድሪ ኢኹም! ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም’ (ማቴ 5.13-16) እንክብል ንተኸተልቱ ዓቢ ተልእኮ ኣረኪብዎም፣ እዘን ምልክታት እዚኤን ብዛዕባ ጠባያትና ክነስተንትን ይሕግዙና፣ ከመይ ጨው እንተበዝሔስ ይኹን እንተወሓደ ንመቐረት መግቢ የበላሽዎ፣ ከምኡ እውን ብርሃን እንተወሓደ ጽልግልግ እንተበለስ ይኹን ብዘይ መጠን በርቲዑ ዓይንኻ ዝደጒሕ እንክኾን ጽቡቅ ክንርኢ ኣይንኽእልን፣ ጣዕሚ ዝህብን ንመግቢ ንነዊሕ እዋን ከይበስበሰ ከምዝዕቆርን ዝገብር ጨውን ንዓለም ዘብርህ ብርሃንን ንክንከውን ዘኽእለና መንፈስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ እዚ ትዕድልቲ እዚ እዚ ጸጋ እዚ ከኣ ኣብ ምሥጢረ ሜሮን እንቅበሎ ጸጋ እዩ፣ ሎሚ እምበኣርከስ ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን ክንምልከት ኢና፣ ቅብዓት ወይ ጽንዓት እውን ንብሎ ከመይ ነቲ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበልናዮ ጸጋ የጽንዖ፣ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.1289 ‘ድሮ ኣብ’ቲ ፈለማ እዋናት፤ ንህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ንምጕላሕን ንምምልካትን፤ ነቲ ኣንብሮተ-እድ፣ ብምዑዝ ዘይቲ (ሜሮን) ምቕባእ ተወሲኹዎ ይርከብ። እዚ ቅብኣት’ዚ ነቲ “ክርስትያን” ዚብል “ቅቡዕ” ዜስምዕ፤ ካብቲ ኣምላኽ “ብመንፈስ ቅዱስ ዝቐብዖ” ክርስቶስ ብርእሱ ዝተወስደ ስም ከድምቖን ኣጸቢቑ ከብርሆን ይርከብ። እዚ ሥርዓተ-ቅብኣት እንተኾይኑ ኣብ ክልቲኡ ወገን፣ ኣብ ምሥራቕን ምዕራብን ወትሩ ዚቕጽል ዘሎ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ናይ ምሥራቕ ኣብያተክርስትያን ነዚ ምሥጢር’ዚ “ቅብኣት” “ብሜሮን ምቅባእ” ወይ ከኣ “ሜሮን” ቢለን ይሰምያኦ። እቲ ኣብ ምዕራብ
ዝውቱር ዝኾነ “ጽንዓት”(Confirmation)ዚብል ቃል ድማ እቲ ጥምቀት ምጽናዑን ምርጋኡን፤ ምእንት’ዚ ከኣ ክልቲኡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ፤ እቲ ጕዕዞ መባእታ-ክርስትና ምዝዛሙን፤ ናይ ጥምቀት ጸጋ ምድልዳሉን ዜመልክት እዩ።’ እንክብል ይገልጾ፣ ቅቡእ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቲ ብአቡን ዝተቀደሰ ምዑዝ ቅዱስ ቅብዒ ናብ ክርስቶስ ይወስደና፣

ኣብ መለኮታዊ ሕይወት ብምሥጢረ ጥምቀት ዳግም ምውላድከስ ቀዳማይ ስጒምቲ ኮይኑ ከም ደቂ እግዚብሔር ምምልላስ ወይውን ምስቲ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያኑ ኮይኑ ዝሠርሕ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ንዘካይዶ ተልእኮ እናተሳተፍካ ምሳኡ ምውህሃድ የድሊ፣ ነዚ ጉዳይዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ዘድሊ ጸጋ ኩሉ ይዕድለና፣ ኣብቲ ማህሌት መንፈስ ቅዱስ ናይ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ዘስፈሮ ‘ብዘይ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቂ ሰባት ምንም ነገር የለን’ ዝብሎ እዩ፣ ከመይ ብዘይ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ሓንቲ እኳ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ንቅድሚ ገጽና ንክንስጉምን ንክንግስግስን ሓይሊ ዝህበና መንፈስ ቅዱስ እዩ፣  ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተኰስኰሰ ሕይወት ቤተክርስትያንን ናይ ነፍሲወከፍ ኣባላ ሕይወትን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ኣለዎ፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ምስ ተጸንሰን ተወልደን ካብ ሩባ ዮርዳኖስ ካብ ማይ ክወጽእ ከሎ በቲ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ንወትሩ ምሳኡ ዝነበረን መንፈስ ቅዱስ ይቅባዕ (ማር 1.10, ዮሓ 1.32)። ነዚ ከኣ ብግህዶ ኣብ ቤተመቅደስ ናዝሬት ንትንቢት ኢሳያስ ብምጥቃስ ይገልጾ፣ ኢየሱስ ከመይ ገቢሩ ከምዝገልጾ እዚ ከኣ ኣብቲ ቤተመቅደስ ናዝሬት ከም ናይ መንነት ወረቀት እንከቅርቦ ንስማዓዮ ‘መንፈስ እግዚብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ’ ይብል፣ ንጹር እዩ፣ ‘መንፈስ እግዚብሔር ኣባይ ሓዲሩ ኣሎ፣ ስለ ዝቐብዓኒ ኸኣ ንድኽታት ከበሥር ንእሱራት ፍትሓት ክእውጅ ንዕውራን ኣዕይንቶም ከብርሃሎም ንጭቊናት ሓራ ምውጻእ ክሰብኽ፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚብሔር ክእውጅ ለኣኸኒ’ (ሉቃ 4.18) ይብል፣ በዚ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ቤተመቅደስ ዓዱ ኣብ ናዝሬት ከም ቅቡዕ ናይ እግዚብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝተቀብኤ እቲ ቅቡዕ ምዃኑ ይገልጽ፣

እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልኤን ምንጪ ናይቲ ንሓዋርያት ካብ እግዚብሔር ኣቦ ዝተተስፈወ መንፈስን እዩ፣ (ዮሓ 15.16፡ ሉቃ 24.49፡ ግሐ 1,8፡ 2.33 ተመልከት)፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ጐይታ ንሓዋርያቱ ‘መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ’ (ዮሓ 20.22) እንክብል ኡፍ ይበለሎም ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ከኣ ከምቲ እንፈልጦ ኣደናቂ ብዝኾነ መንገዲ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ይወርድ (ግሐ 2.1-4)፣

እስትንፋስ ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንሰናቡእ ቤተክርስትያን ይመልእ ስለዝኾነ ከኣ ኣፍ ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ መሊኡ ንኩሉ ዓበይቲ ተግባራት እግዚብሔር ክእውጁ ይጅምሩ፣ (ግሐ 2.1-11)

ዝሓለፈ ሰንበት ዘኽበርናዮ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ቤተ ክርስትያን በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ማይ ሩባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ ዝቀብዔ መንፈስ ቅዱስ እትቅበአሉ ዕለት እዩ፣ ወይውን ጰንጠቆስጠ ንቅድስና ሰባትን ንክብሪ እግዚብሔርን  ሕይወትካ ንምውፋይ ድፍኢት መንፈስ ቅዱስ እትረኽበሉ እዩ፣ ኣብ ነፍሲወከፍ ምሥጢር መንፈስ ቅዱስ ዝሰርሕ እኳ ኣንተኾነ ኣብ ምሥጢረ ሜሮን ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከምቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዎ ‘ምእመናን ንመንፈስ ቅዱስ ከም ህያብ ይቅበልዎ’። ስለዝኾነ ከኣ ኣቡን ነቲ ተቀባኢ ብቅዱስ ዘይቲ ክቀብኦ እንከሎ ‘ነቲ ከም ውህበት ዝተዓደለካ መንፈስ ቅዱስ ተቀበል’ ይብሎ፣ እዚ ከኣ ዓቢ ትዕድልቲ እግዚብሔር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ንሕና ኩልና እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ውሽጥና ኣሎና፣ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ልብና ኣብ ነፍስና ኣሎ፣ ንደቂ ሰባት ዘመቅር ጨውን ዘብርህ ብርሃንን ንክንከውን ንሕይወትና ዝመርሕ ከኣ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ እዩ፣

ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስቶስ እንከጥሕለና ኣብ ምሥጢረ ሜሮን ከኣ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ ብመንፈሱ ዝመልኣናን ናይቲ ብመደብ ድሕነት እግዚብሔር ንሱ መበቆሉ ዝኾነ ሕይወትን ተልእኮን ከምእንሳተፍ ይገብረና፣  እቲ ብሜሮን ዝተቀብኡ ዝወሃብ ምስክርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምቅባልን ንዘሐድስ ኣስተንፍሶኡ ተኣዛዝነቶምን ይገልጽ፣ እስከ ሓንቲ ሕቶ ክሓትት ‘ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቀበልና ከመይ ገርካ ክረኤ ይከኣል፣ ናብ ካልእ ከይከድና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 2.13 ዝብሎ ብምምልካት ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እንተሰራሕናን መንፈስ ቅዱስ ዘስተንፈሰልናን ዝመሃረናን  ቃላት ክንዛረብ እንተጀመርናን በዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቀብልና ክንፈልጥ ንኽእል፣ ምስክርነት ክርስትያንከስ ነቲ መንፈስ ክርስቶስ ንክንፍጽሞ ሓይሊ ብምሃብ ክንብሎን ክንገብሮን ዝሓተና ነገራት ጥራይ ኣብ ምግባር እዩ፣ እግዚብሔር ይሃበለይ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣

 

ር.ሊ.ጳ ስለካቶሊካውያን ቻይና ናብ ድንግል ማርያም ዘሸሻን ጸሎት ኣዕሪጎም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ንግሆ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ነታ ጽባሕ ዕለት 24 ግንቦት ሸሻን ኣብ ዝበሃል ኣብ ቻይና ዝርከብ ናይ ብፅዕት ድንግል ማርያም መካነ ንግደት ንዝበዓል ብምዝካር ኩሎና ብሓባር ምእንቲ እቶም ኣብ መላእ ቻይና ዝርከቡ ካቶሊካውያን እኖና ድንግል ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምሕባር እምነትን ሕውነትን ክትህቦም ንጸሊ ኢሎም፣

እዚ መካነ ንግደት እዚ ብካቶሊካውያን ምእመናን ቻይና ብዙሕ ዝፍቶን ዝኸብርን ኮይኑ ቅዱስነቶም ሎምዘመን እውን ኣብ ድሮ እዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ነዚ በዓል ክዝክርዎን ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘሸሻን ረዳኢተ ክርስትያን ምዃና ከስምሩሉን ወሲኖም፣ ኣብዛ ጠበቃ ቻይና ዝኾነት ድንግል ማርያም ዘሸሻን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ክነግዱ ስለዝእከቡ ነዚ ብምዕዛብ ከኣ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2008 ዓምፈ ንዕጫ ቤተክርስትያን ቻይና ናብኣ ብምምዕቛብ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉን ፍሉይ ጸሎት ከምዝደረሱን ይዝከር፣

ሎሚ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኲልና ብመንፈስ ምስ ኩሎም ኣብ ቻይና ዝነብሩ ካቶሊካውያን ክንጽንበርን ንእኖና ድንግል ማርያም ክንምህለልን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም፣

‘እምነቶም ብልግስን ብህድኣትን ማንቲ ክነብሩን ዝጭበጥ ናይ ሕውነትን ስምምዕን ዕርቅን ተግባራት ኣብ ምሉእ ውህደት ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ኮይኖም ንክፍጽሙ ምእንቲ ኲሎም ካቶሊክ ቻይን ንድንግል ማርያም ንለምን’ ድሕሪ ቢሎም ነቶም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ካቶሊካውያን ከኣ ኣርድእቲ ክርስቶስ ኣብ ቻይና ቢሎም ሰሚዮም ኩላዊት ቤተክርስትያን ኣብ ጐድኖም ከምዘላ ኣረጋጊጾም፣

‘ዝተፈቶኹም ኣርድእቲ ጐይታ ኣብ ቻይና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታትውን ከይተረፈ ንፍቃድ እግዚብሔር ክትውፈዩ ኩላዊት ቤተክርስትያን ምሳኹምን ምእንታኹምን ትጽሊ፣ እኖና ድንግል ማርያም ረድኤታ ኣይተጉድለልኩምን ኣያ በቲ እናታዊ ፍቅራ ከኣ ክትሕልወኩም እያ` እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.