2018-05-23 16:48:00

ጋና፡ ኣብ ኣንካራ ናይ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ኣብ ሓደ ሰብነት ቡዝሕነት ኣካላት 1ቆር. ምዕ. 12 ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መሰረታዊ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝገበረ ናይ መላእ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ጋና ርእሰ ከተማ ኣንካራ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ልኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቲዚያና ካምፒዚ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጽብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ፥ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ዝርከባ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባርን ናይ ሱታፌ ጉዕዞን እዚ ኸኣ ኣብቲ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ዝተመስረተ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ዝተመያየጠ ምንባሩ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜይና ቫቲካን ነውስ ካምፐዚ ኣስዒበን፡ ካብ ኣናስር ክሳብ እዋንና ሱታፌ ናብ ሓድነት ዝኣመተ መደብ ጉዕዞ ኣዕሚዩቑ ብምምርማር፡ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያንን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብሓድሽ መንፈስ ንምብጋስ ዝድርኽ ምዃኑ ግምት ብምሃብ ዘስመረሉ ሓሳብ ከምዝዀነ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ዘካየዶ ጉባኤ ኣብ ጋና ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘእንገደቶ ከምዝነበረን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጋና ኣብ መባእታ ሓምሳታት ብሉእካነ ወንጌል ሉተራናዊት ቤተ ርክስቲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመስረተት ክትኸውን እንከላ፡ ካብ 2004 ዓ.ም. ጀሚራ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናዊ ፈደራላዊ ማሕበር ኣባል ንምዃን ክምዝበቕዔትን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዓቢይ ግደ ከምዘለዋ ናይ ኣፍሪቃ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ኣብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ሱታፌ እውን ኣባል ከምዝዀነት ኣዘኻኺረን፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም፡ ኣብ ጋና እትርከብ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ቃል እግዚኣብሔ ትርጉም ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ መንፈሳውን ባህላውን መደባት እውን ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ እቲ ናይ ቀረባ መዓልታት ጉባኤ እውን ድሕነት ብኤኮኖሚያዊ ስነ መጐት ዘይከነስ ብስራት ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብምንባርን ምስክርነት ዝጠልብ፡ ድሒንካ ምድሓንካ እተበስር ምዃኑ ዝሓትት እዩ ከምዝበለን ኣተሓሒዙ እውን ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ንዝካየድ ናይዚ ቤት ምኽሪ ጉባኤ መዛተይ ዝክረ ነገር እውን ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጠን።

ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዕዞ ንሓድነት እተበርክቶ ኣስትዋጽኦን እቲ ንሓድነት እተካይዶ ጻዕሪ ወዲባን ትርጉም ጉዕዞ ናብ ሓድነት ብምሃብ ድኽነት ኢፍትሓውነት ዝወልዶ ምዃኑ እውን ብምግላጽ ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶኣ ፈልያ ብምምርማር፡ ኤኮኖሚያዊ ድጋፍ ናብ ርእሰ ምርኰሳን ብቕዓትን ብዘሰንይ መደብ ክምራሕ ኣለዎ ቢላ እትኣምን ብምዃና ኣብ መዳይ ሕንጸት እተቕርቦ ኣገልግሎት ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ክኸውን ኣበርቲዓ ክትዓይን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ብዘይ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዘይምሉእ ከምዝኸውን እውን ብምምልካት፡ ክርስቶስ ምምስካር ማለት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ዝተሓረጉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብቲ ዝወደቕሉ ከርፋሕ መነባብሮ ንኽላቐቑ ምድጋፍን ማለት ከኣ ብጸጋ እግዚኣብሔር ነጻነትካ ምኽዋንን ምእዋንን ማለት ምዃኑ ክስትውዓል ከምዘለዎ እቲ ናይ ኣክራ ሉትራናዊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.