2018-05-24 16:28:00

ብፁዕ ካርዲናል ኣናየካን እቶም ኣብ ሓዘን ዝርከብ ናይጀራውያን ነቶም ዝተመሓሩ ሓንጎፋይ ቢሎም ክቕበሉ ይላበዉ


ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦናየካን ብምኽንያት እቶም ዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ግዛኣት በኑኤ ኣብ እትርከብ ከተማ ኡክፖ ምባሎም ኣብ ዘሎ ቁምስና ቅዱስ ኢግናዚዮ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣናዓረገ እንከሎ እቶም ዝቕድሱ ዝነበሩ ክልተ ካህናትን ካብቶም ኣባላት ቁምስና ምእመናን ውሽጢ እውን 17 ናብታ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም መጥቃዕቲ ብዝፈጸሙ ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብቲ እቲ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሰበኻ ማኩርዲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ክፍጽሙን ንቤተሰብ ምዉታት ከጸናንዑ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘይርሳዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ስንብራት ዝሓደገ እውን እንተዀነ ክርስቲያን ወዲ ምሕረትን ጓል ምሕረትን ምዃን ጥራሕ ዘይኰነ ዝምሕር እውን እዩ እሞ፡ ሓደራ ሕነ ንምፍዳይ ካብ ዝደፋፍእ ፈተና ተቖጠቡ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዚጠይና ቫቲካን ነውስ ፓውል ሳማሱሞ ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል ኦናየካን ዕለት 23 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻ ብዝተዋጽኡ 50 ብፁዓን ጳጳሳን ብብዙሓት ካህናትን ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝፍጸም ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝህውኽ ግብረ ሽበራ ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብ ናይጀኢያ ስርዓት ኣልቦነት ክነግስ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ከዚ ከይከውን መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ሰላምን ጸጥታን ክውሕስ ሓደራ ከምዝበሉ ሳማሱሞ ኣፍሊጦም።

ብፁዕነቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ሃገሮም እቲ ኣኽራሪ እስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጽሞ ግብረ ሽበራ ምኽንያ ብዙሓት ዜጋታት ንሞትን ንምዝብልናን ንማህሰይትን ከምእተቓልዑን ብሓቂ ነዚ ዓይነት ሰላምን ጸጥታን ሕዝቢ ዝህውኽ ተግባር ንምዕጋት ናይ ኵሉ ተሳትፎ ይሓትት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከኣ ናይ መንግስቲ ከምዝሉን፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቶም ዝተቐትሉ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ኣብ 54 ከተማታት ናይጀሪያ፡ ምእንቲ ሕይወት ዝተሰምየ ግብረ ሽበራ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሳማሱሞ ኣስዒቦም፡ ሰላማዊ ሕዝቢ ርእሰ ብሔር የሚ ኦሲንባጆ ናይ ሕዝቢ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምውሓስ ብቕዓት የብሎምን እንክብል ካብ ስልጣኖው ክወርዱ እውን ጻውዒት ከምዘቕረበ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.