2018-05-24 16:20:00

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ Fondazione Centesimus Annus – pro Pontifice - ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ር,ሊ.ጳ.


ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ Fondazione Centesimus Annus – pro Pontifice - ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ር,ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ ዘዳለዎ ብዛዕባ ሓደስቲ ፖሊቲካን ኣገባብ ሕይወት ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ መዋእል ብዝብል ኣርእስቲ ዝመያየጥ ዓወደ ጉባኤ ከምእተኸተን ዕለት 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምኡ እውን ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ክሳተፉን ብዘቅርብዎ ኣስተምህሮ ከዝዛዘም ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ማሕበር ምእተ ዓመት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሊቃውንትን ምሁራትን ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ሓደስቲ ፖለቲካን ኣገባብ ሕይወት ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መዋዕል ዝብል መርሕ ቃል ኣሞርኵይዞም ብዝተፈላለየ ኵርናዓት ዝድህስስ ኣስተምህሮ ከቐርቡ ከምዝዀኑን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥ እዚ ማሕበር ምእተ ዓመት ኣብ 1993 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝቖመ ከምዝዀነ ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ዶሚንጎ ሱግራንየስ ቢከል ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ሕትመትን ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ ዓውዲ ኤኮኖምን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ካብ ማሕበር ሰራሕተይናታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎምን ከምኡ እውን ሊቃውንቲ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲን ዝተዋጽኡ ኣካላት ኣሳቲፉ ሓደስቲ ፖለቲካን ኣገባብ ሕይወት ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መዋዕል ሕብረተሰብን ኤኮኖምን ተሳትፎን ጻዕርን ሰብ ኣብ ዓውዲ ዕዮን ፈልዩ ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

በርጠለመዎስ ቀዳማዊን ክርስቲያናዊ ዝክረ ነገር ንሓባራዊ ጥቕሚ

ዕለት 26 ግንቦት እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምኡ እውን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ክርስቲያናዊ ዝኽረ ነገር ንሓባራዊ ጥቕሚ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ እዮም፡ ቀጺሉ እቶም 500 ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ቃሎም እውን ክጽገዉ ከምዝዀኑን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ቫቲካን ክርስቲያናዊ መዕበያን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ልኡኻንን ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ፈደራላዊ ማሕበር ሰራሕተይናታትን ከዝሳተፉን ቃል ሱግራንየስ ቢከል ጠቒሶም የመልክቱ።

ንሓደስቲ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ምስረቓ ናብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ግድን እዩ፡ ንናይ መዓልታዊ ውሳኔ ሰብ ኣገዳስነት ሓድሽ ሕልናዊ ሓላፍነትን ዘመላኽትን እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ኤኮኖምን ፖለቲካን ማሕበራዊ ሕይወትን ብዙሕ ለውጢ ዘስዕብ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ ኣመዓራርዩ ዝምርምር ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ናይ ምእተ ዓመት ማሕበር ኣቦ መንበ ሱግራንየስ ቢከል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘስመሩሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.