2018-05-26 16:27:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጐ ስነ ምግባርን ኣገባብ ኤኮኖምን ዘይብተኽ ምትእስሳር እዩ ዘሎ


ቤተ ክርስቲያን ንጭቡጥ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ክኽወን ወንጌላዊ መልእክቲ ንኸተስፍሕ ምሕጋዝ ዝብል ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና Fondazione Centesimus Annus – pro Pontifice - ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ር,ሊ.ጳ.ብምኽንያት እቲ ብድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝቖመ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዘዳለዎ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ንተጋባእያንን ኣቕሪቦም።

ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ Fondazione Centesimus Annus – pro Pontifice - ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ር,ሊ.ጳ.  ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታኡ ምኽንያትዘዳለዎ ብዛዕባ ሓደስቲ ፖሊቲካን ኣገባብ ሕይወት ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ መዋእል ብዝብል ኣርእስቲ ዝመያየጥ ዘዳለዎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም 500 ተጋባእያን ተቐቢሎም ብዝለገስዎ ቃለ መዕዳን ከምእተድዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘተሓሳስብን ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሰብ ከምውዳቕን ጓሓፍን ዝሓስብ ባህሊ፡ ናይ ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ንዘይብሎም ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምኽባር ዘይዓዪዓይነቲ ከይዲ ጠቒሶም፡

እቲ ብድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ዝቖመ ድሮ መበል 25 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ማሕበር ምእተ ዓመት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ ዘካይዶ ጻዕሪ ምኽንያት ከመስግኖም እፈቱ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዘመን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ምስፋሕ ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን ከይኑ ኣሎ። ስለምንታይ ማሕበራዊ ብድሆታትን ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ከይድትታት ዝፈጥሮም ብድሆታት ዝጠልቦ ሕጹጽነት ስለ ዝዀነ፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥ ኣብ ምስፋሕን ምርግጋጽን ዓውሎማነት ንገዛእ ርእሱ እቲ ሸልል ናይ ምባልን ንኻልእ ዘይምግዳስን ባህሊ ንገዛእ ርእሱ ይዕውልም ከምዘሎ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፡

ብዙሕ እዋን እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ዓቢይ ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ሃይማኖታዊ ባህልና ክፍሊ ዝዀነ ስነ ምግባር ምስ እዋናዊ ትግባሬታት ናይ ቁጠባ ማሕበረሰብ ተጋራጫውነት ከምዘለዎ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ባህሊ ክምዕብል ይረአይ፡ ብርግጽ ኣብ መንጐ መኽሰብን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዓውዳዊ ርክብ ኣሎ፡ ስለዚህ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ እቲ ሰብኣውነትን ናይ ሓባር ጥቕምን እውነተይና ዕማም ናይ ዝዀነ ይኹን ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ሜላ ዘይብተኽ ምትእስሳር ከምዘሎ የረጋግጽ ከምዝበሉ

ኣመልኪተን።

ስነ ምግባርን ጸኣትን

ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብተን ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት ዘለዉ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እውን ዘለዉ ኣብ መንጐ ስነ ግባር ዝጠልቦም ሕቶታትን ዓለም ሓቆፍ ምንስቓስ ስደተይናታትን ሕጹጽ ርክብ ከምዘሎ የመላኽቱ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም፡ ዕዮን ሰውራ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ባህልን ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ምእተ ዓመት ማሕበር ዓውደ ጉባኤ ሓደስቲ ፖሊቲካን ኣገባብ ሕይወት ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ መዋእል ዝብል መርሕ ቓሉ ዘመላኽቶ እውን እዩ፡ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ከይዲ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዎ ማሕታ እንከረድኡ፡

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተጸውዓ ጸዋዕታን መንእሰይን እምነትን ዘርእስቱ ናይ መላእ ብፁኣን ጳጳሳት ሲኖዶስ ንምስንዳው ኣብ ዝተኻየዱ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ጉባኤታን ካብ ዘመልክቶም ሓቅታት እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተሓባባርነት ኵነት ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ናይ ምእተ ዓመት ማሕበር ንኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ቀረባ ብምዃን ኣብ ዘቕርቦ ኵለንተናዊ ድጋፍ ይምስከር

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ብድሆታትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባርን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃል፥ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዘቕርብኦ ድጋፍ ኣዚዩን ልዑል ኣገዳስነተ ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ናይ ቁስጥንጥናይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ምርካቦም ዝረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ፡

ኣብዚ ጉባኤ ምርኻቦም ናይ ሱታፌን ናይ ሓላፍነት ኣብ ሱታፌን ትእምርቲ እዩ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት እቲ ማሕበር ምእተ ዓመት ፍትሓዊ ማዕርነትን ዘይንጽሉ ንኹሉ ዝጥርንፍ ኤኮኖሚ ክሰፍሕን እዚ ፍትሃውን ማዕርነት ንዅሉን ዝብል ኤኮኖሚ ዓውሎማዊ ክኸውን ዘብቅዕ ባህሊ እትሃንጹ ኩኑ ኣብዚ መዳይ በርትዑ

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ገሊጸን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.