2018-05-26 17:11:00

ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ግንቦት 19 2010 ዓ.ም. (5/37/2018)


ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡3-13 (ገላ 5፡16-25) 1ጴጥ. 1፡1-5፥ ግ.ሓ. 2፡1-11፥ ዮሓ. 20፡19-23 (ዮሓ 15፡ 26-16፡12-15)።

ስብከት፡ ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እም ላዕሌየ እስየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖተከ ወመንፈሰ ዓዚዝ አጽንዓኒ” “ቅዱስ መንፈስካውን አይተግድፈኒ፥ ሓጎስ መድኅንካ ምለሰለይ፥ ፈትየ ክእዘዘካ ደግፈኒ” መዝ. 51፡11~12.

“ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈሳህ ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦእግዚኦ አድኅንሶ” “እታ እግዚአብሔር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፥ ብእኣ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦእግዚኦ ኣዓውተና” መዝ. 118፡24

ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ብዓለ ጰራቅሊጦስ ብዓል ልደት ቤተ ክርስትያን እውን ይብሃል እዩ።

ብዙሕ ምልክታት፡

ካብ ግብረ ሓዋርያት አብ ዝተነበ፥ ሓዋርያት ኩሎም አብ ሓደ ገዛ ብመዓልቲ ብዓል ሓምሳ ሓደ ካብቲ ብዓል አይሁድ ድሕሪ ፋሲካ አይሁድ ዝብዕል ብሓደ ካብ አይሁድ ፈሪሖም እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ከም ዝወረደ ይነግረና። አብዚ ብዙሕ አብ መጽሓፍ ቅዱስ በብእዋኑ እንርእዮም ዝተፈላለዩ ምልክታት ተጠቒሶም ንረክብ። መጀምርያ ብሃንደበት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ነቲ ዝነበርዎ ገዛ መሊእዎ። አብ ቋንቋ ግሪኽ “መንፈስ” ዝብልን “ንፋስ” ዝብልና ሓደ ቃል እዩ፥ ስለዚ ንፋስ ክብል እንከሎ መንፈስ አምላኽ እዩ ዘስምዕ።

ድሕሪኡ “ልሳናት ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም ተምቓቒሉ ኸአ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ”፤ እዚ እውን ህላዌ አምላኽ አብ መንግኦም እዩ ዘርኢ። አብ ዘዳግም “ሙሴ ንአምላኽ አብታ አሻዅ ቍጥቋጥ ከይነደደት ሃልሃል ክትብል ዝርአያ አብኡ ተዛሪብዎ” ዝብል ነንብብ። እስራኤላውያን አብ ምድረበዳ እናተጓዕዙ እንከለዉ ለይቲ ብዓምደ እሳት ይመርሖም ከምዝነበረ በዚ ኸአ አምላኽ ምስኦም ከምዘሎ ይፈልጡ ነሮም። ግ.ሓ. ምስ እዚ ዝመሳሰል ገሩ ኽገልጸልና እንከሎ ኵሎም አብኡ ዝነበሩ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመልኦም እዩ። ሓደ ካብቲ አምላኽ አብ መንግኦም ከምዘሎ ዝገልጽ ከአ “ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀሚሮም”።

ንኹሉ ዝኸውን መልእኽቲ፡

ሓዋርያት ድሕሪ እዚ ፍጻሜ ብቐጥታ ክሰብኩ አብቲ መንጎ ህዝቢ ከይዶም። በቲ እዋን ካብ ነፍሲ ወከፍ ሕዝቢ ዓለም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ አይሁድ ንብዓል ፋሲካ ኢሎም ዝተአከቡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ፥ ካብ አስያ ማይኖር፥ ግብጽን ሰሜን አፍሪቃን ከምኡ ካብ ሮማ ዝመጹ ነበሩ። እዞም ሰባት ነዞም ካብ ገሊላ እሞ ዘይተማህሩ በብቋንቅኦም ክዛረብዎም ምስ ሰምዑ ብዙሕ ተደነቝ።

እቲ ትርጉም ናይ እዚ ፍጻሜ ንጹር እዩ። እዚ ሓዋርያት ዝሰብክዎ ዘለዉ መልእኽቲ ናብ ምሉእ ዓለም ዝዝርጋሕ እምበር ንውሑዳት ሰባት አይኮነን። አብ ቀዳሞት ዘመናት ደቂ ሰብ አብ ዘፍጥረት ከም እንረኽቦ ንሰማይ ዘብጽሖም ህንጻ ክሰርሑ ጀሚሮም፥ አምላኽ ነዚ ትዕቢት ዝምለኦ ግብሪ ክቐጽዕ ኢሉ አብ ነነድሕዶም ክሰማምዕሉ ዘይክእሉ ቋንቋታት ፈጢርሎም በዚ ኸአ አብ መንጎ ደቂ ሰብ ዓቢ ፍልልይ ተፈጢሩ። ሎሚ ግን ባቢሎን ተቐይሩ ንረኽቦ። ኩሎም ነቲ መልእኽቲ ይርድእዎን ይሰምዑን። ደቂ ሰብ አብ ትሕቲ አምላኽ ሓደ ስድራ ኮይኖም።

ብዘይመጠን ምፍራሕ፡

ወንጌል ዮሓንስ ንምጽአት መንፈስ ቅዱስ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ይገልጸልና። በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሶምን ሰንበት ትንሣኤ እዩ ነሩ ሓዋርያት ነቶም አይሁድ ስለ ዝፈርሁ መዓጹ ሸጊሮም አብ ሓደ ገዛ ነሮም። ከምቲ ንኢየሱስ መምህሮም ዝቐተልዎ ከምኡ ከይቀትልዎም ፈሪሖም አብ ከቢድ ፍርሒ እዮም ነሮም። ብርግጽ እቶም ሰበ ስልጣን ነዚ ንእሽቶይ ማሕበር ዓብዩ አብ ኩሉ ከይተዘርግሐ፥ ጸገም ከይገበረሎም እንከሎ ከጥፍእዎ ዘየማትእ ጉዳይ እዩ ነሩ። ነዚ ኹሉ አብ ግምት አእትዮም ሓዋርያት አብ ዓቢ ፍርሒ ራዕድን እዮም ነሮም።

ኢየሱስ ብሃንደበት አብታ ተአኪቦምላ ዝነበሩ መጸ አብ ማእከሎም ደው ኢሉ ድማ “ሰላም ንአኻትኩም ይኹን” በሎም። ዝኾነ አይሁዳዊ ዝብሎ ሰላምታ እዩ አብዚ ግን ፍልይ ዝበለ ትርጉም አልኦ። አብ መዓልቲ ጸሎተ ሓሙስ አብ ድራር እንከለዉ ፍሉይ ሰላም ማንም ከሕድጎም ከም ዘይክእል አተስፊውዎም ነሩ። እዚ ሰላም እዚ አብ ካልእ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ከምኡ ዝኾነ ከሕድጎም ዘይክእል እዩ።

ነዞም ብዘይመጠን ብፍርሓት ተዋሕጦም ዘለዉ ሰላም አምጺእሎም። ሽዑ አቕሳሉን ዝተወግአ ጎኑን አርእይዎም። በዚ ኸአ ንሱ እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ከምዝኾነ ካብ ሞት ከምዝተንሥኤ ዘጠራጥር ከምዘየሎ ገሊጽሎም። እቲ ውሒጥዎም ዝነበረ ፍርሓት ምስ ተቐንጠጠሎም ክንገር ዘይክአል ሓጎስ ዓሲልዎም ኢየሱስ ከአ እንደገና ሰላሙ ሂብዎም።

ተልእኮ ምቕባል”

ድሕሪ እዚ ኵሉ ተልእኮ ሂብዎም፡ “ከምቲ አቦይ ንአይ ዝልአኸኒ አነውን ከምኡ እልከኩም አሎዅ”፥ ተልእኮኦም ለክዕ ከምቲ ናቱ እዩ፥ ነቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ምቕጻል እዩ ተልእኮኦም።

ሽዑ “እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ምስትንፋስ ናይ ሕይወት ምልክት እዩ። አብ ታሪኽ ፍጥረት አምላኽ አብ ልዕሊ ማያት አስትንፈሰ። ከምኡ አብ ልዕሊ ጭቃ ምስ አስተንፈሰ ሰብ ከምዝተፈጥረ ነንብብ። አብ መዓልቲ ጰራቅሎጦስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ምስ አስተንፈሰ ሓዲስ ሕይወት ሂብዎም፥ ሓደስቲ ፍጥረት ገርዎም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝውሃብ ሕይወት እናሃቦም ከአ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ኢልዎም። ቀጺሉ ከአ “ኃጢአቶም ንዝኃደግኩምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኃደግኩምሎም ግና አይኪኀድገሎምን እዩ” ኢልዎም። እዚ ከም ናይ ሓደ ፈራዳይ ብዓል ስልጣን ዝህቦ ንሰባት ነጻ ካብ በደል ከምዝኾኑ ዝገልጽ ጥራሕ አይኮነን፥ ልዕሊኡ እዩ። ሓዋርያት ንሰባት ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ አብ አምላኽ ክመልሱ፥ ነቶም ካብ አምላኽ ዝተፈልዩ ሓድነቶም ክሕድሱ ፍሉይ ተልእኮን ስልጣንን ተዋሂብዎም። ከምኡ አብ መንጎ ሰባት አየኖት ንዕርቂ ስንድዋት ከምዝኾኑ ክውስኑ ስልጣን ተዋሂብዎም።

ዝልዓለ ተልእኮ፡

ናይ ቤተ ክርስትያን ዝለዓለ ስልጣን ንሰባት አብ አምላኽ ምምላስ እዩ። ንብዙሓት አብ ክርስትና ምምላስ አይኮነን ወይ አብያተ ክርስትያናት ምህናጽ አይኮነን እቲ ቀንዲ፥ ምስ አምላኽ ኮንካ መንግስቲ አምላኽ ምህናጽ እዩ። መንግስቲ አምላኽ ዝፍለጥ ምሉእ ዓለም ምስፈለጦን ተቐበሎን እዩ፥ እዚ ኸአ አምላኽ ጎይታናን ፈጣሪናን ከምዝኾነ ምስ ተቐበልና ሽዑ ሰባት ሕይወቶም እናሓደሱ አብኡ ገጾም ጉዕዞ ምስ ጀመሩ እዩ ዝረጋገጽ።

እዚ እዩ ኢየሱስ ንሓዋርያት ዝሃቦ ተልእኮ ንአና እውን ዝተዋህበ ተልእኮ። ሓደ ሰብ መጠን ምስ አምላኽ ዝተዓርቀሉ ንኢየሱስ ከም መድሕኑ ዝተቐበለ እቲ ሰብ ንኻልኦት አብ መአዲ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ከቕርብ ትሑዝ እዩ።

ፍሉይ ውህበት፡

አብ መልእኽቲ ጳውሎስ ዝተነበ ብዛዕባ ውህበታ መንፈስ ቅዱስ አብ ግራት አምላክ ክንዓዪ ንነፍሲ ወከፍና ዝተዋህበ ይዛረብ። ነፍስ ወከፍና አብ ሓደ ዓይነት ብሓደ መገዲ ዝተጸዋዕና አይኮናን። “ዝተፈላለዩ ዓይነት ውህበታት አገልግሎት ክግበሩ ዘለዎም አለዉ፥ አብ ኵሎም ሓደ ዝኾነ አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝተፈላለዩ ሰባት ይዓዪ”።

ኵልና ሓደ ምጨረሻ ዝኾነ ዓላማ ወይ መወዳእታ አሎና፥ ካብ ሓደ መንጪ ሓይሊ ዝሰነቕ ህያባት አሎና እንተ ኾነ ብዘሎና ዝተፈላለየ ዓቕምን ክእለትን፥ አብ ዝተፈላለየ ኩነታትን ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ዝተዋህበና ክንገልጽ አሎና። ብሓደ ንዓዪ ግን ብተፈላለየ መገዲ አብ ናይ ሓባር ዓላም ንሳተፍ። ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ኢሉ ከም አብነትን አብ ሰውነት ወዲ ሰብ ዘሎ ሓድነትን ፍሉይነትን ይነግር። ብዙሕ አካላት ግን ነፍሲወከፍ አካል ንጽቡቕ ምሉእ ሰውነት ይዓዪ። እዚ እዩ ስእሊ ናይ ሓንቲ ማሕበር ክርስቶስ፥ ናይ ሓንቲ ሰበኻ ወይ ቍምስና ክኸውን ዘለዎ። ብእንታይነት ሓደ ኢና ማለት አምላኽ ከፈጥረና እንከሎ ሓደ ዓይነት ገሩ እዩ ፈጢሩና፥ አብ መንጎና ዝበልጽ ወይ ዝንእስ የብልናን፥ ሃብቲ ወይ ድኽነት አፍልጦ ዘሎና ንኹን ዘይንፈልጥ ጥዑያት ንኹን ሕሙማት፥ ንአሽቱ ንኹን ዓበይቲ ሓደ ዓይነት ኢና፥ አብ ጸዋዕታና ግን ዝተፈላለና ኢና፥ አብ እንህቦ አገልግሎት ብፍሉይ መገዲ ዝተወሃብና ስለ ዝኾና ዝተፈለ አገልግሎት ክንህብ ንሕተት።

አብ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ናይ መላእ ማሕበረ ክርስትና ህንጸትን ተልእኮን ክነብዕል እንከሎና አብ ናይ ግልና ጸዋዕታን ህያብን ብፍሉይ አተኲርና ክነስተንትን፥ ነቲ ፍሉይ አገልግሎት አነ ንማሕበር ክርስቶስ ከበርክቶ ዝግብአኒ ኢልና ክንሓስብ፥ አብ ፍሉይ ማሓበር  ከወፍዮ ዘሎኒ ብፍሉይ ካባይ አምላኽ ዝደልዮ ዘሎ ኢልና ክነስተንትን እዋኑ እዩ።  ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እንታይ ክንገብር ይደልየና አሎ? አበይ ገጹ ይመርሓና አሎ፥ ነዝን ካልእን ሕቶታት ንርእስና ክንሓትት እዋኑ እዩ።

ከም ህዝቢ ከም ሃገር ከም ቍምስና ክንምልሶ ዘሎና ነገራት አሎና። ሰብ አብ ናይ ሰይጣን ስራሕ አትዩ ዓለም ዓመጽ ግፍዒ ጥልመት ሓሶት በዚሕዋ ብዓይንና ንርኢ አሎና ስለዚ ልኡኻት መንፈስ ቅዱስ ኮና ነፍስወከፍና ክንዓዪ አምላኽ ክልእከና ይደሊ አሎ። ስድራታት ህብረተሰብ፥ ማሕበራት ብሓፈሻ ኵሉ ይመቓቐል ንርኢ አሎና፥ ሰብ ትማሊ ይሓይሽ አብ ዝብለሉ በጺሑ አሎ። ነዚ ኵሉ ክቕይረልና ካብ ፍርሕን ጸበባን ከውጽአና ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ። ሓይሊ ሂቡ ነቲ አብ ሕይወትና ዝጓነፈና ፈተናታት ከም እንስዕር ዝገብር፥ ስድራታት፥ ማሕበራትን ዓለምናን ካብ ፍርሒ ካብ ኵሉ አውጺኡ ዝቕይር ንሱ ጥራሕ እዩ። ንሓቀኛ ርድኢት ከምንሕዝ ዝገብር አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክንጉዓዝ ዝሕብር እዩ እሞ ብልቢ ንለምኖ።

ነዚ ኹሉ አብ ግምት አእቲና ጽን ኢልና አብ ሕልናና ዘሎ ክንሰምዕ ህድእ ንበል። መንፈስ ቅዱስ እንታይ ካባይ ይደሊ አሎ አየናይ መገዲ ክጉዓዝ ይደልየኒ አሎ ከምኡ አየና መገዲ ይመርሓኒ አሎ ኢልና ምስ ርእስና ክነዕልል ይግባእ። ከምብሓዲስ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወትና እንታይ ክህበና ከምዝደሊ ዕድል ንሃቦ አባና ክዓዪ ምስ ማርያም ኮና ሕራይ ንበሎ። ብግምት ብስምዒት ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ፍቓደኛታት ንኹን።

መንፈስ ቅዱስ እንተ መርሓና ዝመጸ ይምጻእ ዝኸበደ ይኽበድ ዓለምና ከም ዕንቊ ትጽበብ አይክንደናገርን ኢና። ስለዚ ጸሎትና “ኦ ጎይታ መንፈስ ቅዱስካ ስደድ ሽዑ ንገጽ ምድሪ ክትሕድሶ ኢኻ” (መዝ 104፡30) ዝብል ይኹን።

ዮውሓንስ ወንጌላዊ ከምዝበለና “መንፈስ ምስ መጸ ግና ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ክመርሓኩም እዩ” (ዮሓ 16፡13)። መንፈስ ቅዱስ እምብአር ሓላዊና ጸግዕና ጠበቓና ሓባሪና እዩ ልዕሊ ኹሉ ኸአ አርአያና (ሞደልና) እዩ። ጳውሎስ አብ ገላትያ አብ ዝጸሓፋ “ ብመንፈስ ንንበር” (ገላ 5፡25) ይብለና። ሽዑ ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ ይነግረና “ፍቕሪ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ ትዕግስቲ፥ርእሰ ምልኪ”። ነዚ ክነብር እንተ ወሰና ጥራሕ እዩ መንፈስ ቅዱስ ምሳና ዝህሉ።

በዚ ብሩኽ መዓልቲ ጰራቅሎጦስ እምብአር ከምቲ ንልቢ ሓዋርያት ዝተንከፈ እሞ ዝለወጠ ንልባትና ክትንክፎ እሞ ሓዲስ ልብን መንፈስን ክህበና ንለምኖ። እቲ እሳት አብ ልዕለና ይውረድ እሞ ሽዑ እቲ ሃልሃልታ አብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ።

ከምቲ ቅድስት ካተሪና ብዓልቲ ሴና እትብሎ “ነቲ ክትኮኖ ዝግብአካ እንተ ኾንካ ንዓለም ክትውልዓ ኢኻ” እዚ ማለት ከአ ከም አርድእት ክርስቶስ ንትምህርቲ ክርስቶስ ክንሰምዕ አብ ሕይወትና ክነብሮ እንተ ኸአልና ኵሉ ክቕየር እዩ።

ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና ሰላምካ ፍቕርኻ አብ ልዕለና አውርደልና ብኹሉ ተሓዲስና ሰበኽቲ ወንጌልን ዘራእቲ ፍቕርን ግበረና። ንኹሉ ቀንጢጥካ ንአኻ ከም እንስዕብ ግበረና።

ብሩኽ ብዓለ ጰራቅሊቶስ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.