2018-05-28 16:09:00

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣባ ፑሊዚ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ፓሌርሞ


ኣባ ብፁዕ ፒኖ ፑሊዚ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበልሉ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊይ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ርእሰ ከተማ ፓሌርሞ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ እዮም።

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ኣባ ብፁዕ ፒኖ ወይ ጁዜፐ ፑሊዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ፓሌርሞ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ቤተ ጳጳስ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን፡ ብፁዕ ፑሊዚ ዕለት 15 መስከረም 1993 ዓ.ም. እቲ ምእንቲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኰይኖምን ኣብ ደጋዊ ናይ ፓሌርሞ ከተማ ንዝነብሩ መጋበሪያ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምዃን ሓደጋ ዝተቓልዑ ካብ መጻወዲያ ማፊያዊ ናይ ገበን ጉጅለ ባህሊ ንምልቓቕ ንዝፍጽምዎ ዝነበረ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ንምትዕንቓፍ ብኣባላት ናይ ገበን ጉጅለ ማፊያ ዝተቐትልሉ ዕለት ምኽንያት ኣብ ሰበኻ ኣደባባይ ኣርመሪናን ፓሌርሞን ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጠን።

ናይ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለ ቃልሲ ኣብነት

ኣባ ፑሊዚ ዕለት 15 መስከረም 1937 ዓ.ም. ኣብ ብራንካቾ ክፍለ ከተማ ፓሌርሞ ካብ ብስራሕ ኣሳእንን ስፌት ክዳንን ካብ እተመሓደር ስድራ ዝተወልዱ፡ ዕለት 15 መስከረም 1993 ዓ.ም. እቲ ዝተወለድሉ ከባቢ ክፍለ ከተማ ፓሌርሞ ካብ ኢድ ማፊያ ናጻ ንኽኸውንን ብጠቕላላ ሕጻናት ኣብ ጸረ ማፊያዊ ምርጫ ክሕነጹ ንዘነቓቕሕዎን ዝመርሕዎን ዝነበረ ኣብ ወንጌል ዝተመስረተ መደብ ሕንጸት ዕንቅፋት ብዝኾኖም ኣባላት ማፍያ ኣብ መበል 56 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ዘብዕሉሉ ዕለት ከምእተቐትሉ ናይ ሕይወት ታሪኽ ማህደሮም የመልክት፡፡

ኣብ 1953 ዓ.ም. ኣብ ፓሌርማ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ዕለት 2 ሐምሌ 1960 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ዕለት 29 መስከረም 1990 ዓ.ም. ኣብ ፓሌርማ ክፍለ ከተማ ብራንካቾ ኣብቲ ኣዚዩ ከቢድን ብዙሕ ዝተሓላለኸን ከባቢ ናይ ዝርከብ ቅዱስ ጋይታኖ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኰይኖም ተመዲቦም ሕጻናትን መንእሰያትን መጋበሪያ ማፊያ ናይ ገበን ጉጅለ ከይኰኑ ምግባር ዝብል ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደቦም መርሕ ገይሮም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ዝተቐትሉ እዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም. ናይ እምነት ሰማዕት ዝብል ስያሜ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሂብዎም ዕለት 25 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓሌርማ ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ከምዝኣወጀትሎም ይዝከር።

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተነግረ ተቐማጦ ከተማ ፓሌርማ ዝተሰምዖም ሓጐስ ልዕሉ ምዃንን ብፍላይ እቲ ብሰማእት ፒኖ ዝተመስረተ ሕጻናትን መንእሰያትን ካብ ኢድ ማፊያ ንምምንዛዕን ኣብ ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ዝሃንጽ  መናበይ ቤት Padre Nostro - ኣቦና  እተሰምየ ማሕበር ኣቦ መንበር ማውሪዚዮ ኣርታለ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ሓቢሮም፡ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲኦም ኣሕዋት ሰማእት ጁሰፐ ፑሊዚ ማለት ፍራንቸስኮን ጋይታኖን ፑሊዚ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሰማዕትነት ሓዎም ኣባ ጁዘፐ ፑሊዚ ኣብ ፓሌርሞ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከም ፍቓድኩም ዝብል መልእኽቲ ናብ ቅድስቲ መንበር ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ኣርታለ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም እወታዊ መልሲ ብምሃብ ድሮ ዝመጽሉ ዕለት ወሲኖም እዮም፡ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ ኣብነት ሰማዕትነት ፒኖ ዝምስክርን ዘነቓቕሕን ምብጻሕ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.