2018-05-28 16:17:00

መዓልቲ ኣፍሪቃ 2018 ዓ.ም. ሕብረት ኣፍሪቃ ምግባረ ብልሽውና ካብ ሱሩ ንምምሓው ብዝብል ጻዕሪ


ዕለት 25 ግንቦት መዓልቲ ኣፍሪቃ ዝተዘከረሉ ዕለት፡ ምግባረ ብልሽውና ካብ ሱሩ ንምምሓው ብዝብል ጻዕሪ ዝተመርሐ ኰይኑ ኣፍሪቃ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋት ክትዓዪ ምዃና ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘረጋገጸ፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምግባረ ብልሽውና ብሱቕታ ብምሕላፍ ከተዝህሞ ዘይምፍታን ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ቃል ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን።

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ከነውግዝ ይግብኣና ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ቃልሲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልዩ ኣብ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፖውል ሳማሱሞ የዘኻኽሩ።

ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብሱቕታ ምሕላፍ ወይ ብሱቕታ ምዝሓም ንናይ ገበን ጉጅለታት ሓይሊ ምሃብ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ብዛዕባ እዚ መንሽሮ ማሕበረሰብ’ዚ ምዝራብን ምውጋዝን መንቀሊኡን ሳዕቤኑን ኣለሊኻ ምሕረት ኣብ ሎዕሊ ሕሱርነት ኣብ ልዕሊ ባዶነት ውህበትን ውበትን ክነገስ ምዕያይ እዩ ዝኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ መዓልቲ ኣፍሪቃ ባዕሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝወሰኖ፥ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ብላዕን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰዓሪ ምዃን፡ ተቐባልነት ዘለዎ ንለውጢ ኣፍሪቃ  ብዝብል ቃል ተመሪሑ ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ሳማሱማ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.