2018-05-28 16:14:00

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ኣርጀንቲና፥ ናይ ኢየሱስ ማሊያ ኣጥሊቕኵም ምእንቲ ናቱ ዕሴታት ክትጻወቱ ናብ ሜዳ ውረዱ


ናይ ኣርጀንቲና መእንሰያት ማሕበር ሮዛሪየም ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓድሽ ትውልዲ ተዋሳኢ እምበር ኣብ ሕዳገት ከይተርፍ ዘተባብዕ ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ህላዌን ሱታፌን ተልእኾን፡ ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዘተኮረ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣርጀንቲና ሮዛሪየም ማሕበር መንእሰያት ብምኽንያት ዘብዓሎ ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣርጀንቲና ዕለት 27 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን እቲ ተላገብ ዝዀነ ንኽርስቶስን ነሕዋትን ዘለምን እተንብርዎ ውዕዉዕ ፍቕሪ ምኽንያት አመስግነኵም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ህልውነት ኢየሱስ

ኢየሱስ ምሳና እዩ፡ ኣብ ታሪኽና ህያው እዩ። ኣንሕና እውን ክንስገውን ብሓባር ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ክንሓንጽ ይዕድመና፡ ምእንቲ ምስኡ ምዃኑ የገድስ፡ ኣብ ጸሎት ኣብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ንራኸቦ፡ ንኣኡ ግዜ ይሃልወና። ድምጹ ንምስማዕ ናይ ጽሞና ኣስተንትኖ ግዜ ይሃልወና። ምስ ኢየሱስ ታሪኽ ምሕዳስ ዝከኣል እዩ፡ ኢየሱስ ይራኸበናን ይፍውሰናን ካልኦት ንኽንፍውስ ከኣ ይልእኸና፡ ተፈዊሶም ዝፍውሱ፡

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ሱታፌ

ታሪኽ ንበይንኻ ዝጽሓፍ ከይዲ ኣኰነን። ታሪኽ ንሕዝቢ እምበር ርእየት ዓለም ኣይኰነን ዝሓንጽ።

ከም ክርስቲያን ታሪኽ ክትሓንጽ እንተድኣ ትደልይ ኴይንካ ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ምስ ሕዝብን እምበር ብጉጅለ ተገማሚዕካን ተበታቲንካን ካብ ሕዝበ እግዚኣብሔ ተፈሊኻ ኣይኰነን፡

ምስ በሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰይን ድልያ ጸዋዕታን እምነትን ብዝዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ እናሓሰቡ፡        

         ንህርኩት ጻዕሪ፡ ተሳታፍያን ደኣ እምበር፡ ተዓዛብያን ኣብ ሕድጋት ኣይተብሉ፡

ተልእዀ

ቅዱስ ኣቦና መልኽቶም እንከጠቓልሉ፡

እትወጽእ ናብ እትብል ናብ ወሰናስን ክፍሊ ህልውናን ከተማታትናን እትብል ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፡ ኣብ ተእልዀ ዘላ ቤተ ክርስቲያን፡ ብተዛታይን ጽን በሃልን ሰማዒ መንፈስን ኣገባብን ልእኽትን ሕያዋይ ጓሳን መሓሪት ቤተ ክርስቲያን ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፡

ቢሎም ኺዱ ኣይትፍርሑ፡

ተጻይ ምስሉይነትን ተጻይ ንዓይ ይጥዓመንን ኵኑ እምበር ብመስኰት ተቐልቂሎም እትርእዩ ኰይንኩም ተዓዘብቲ ዝጽሕፍ ታሪክ ኣይትዅኑ፡ ሰገነታውያን ኣይትዅኑጫማኹም ኣጥሊቕኩም ናይ ኢየሱስ ማሊያ ለቢስኩም ስለ ናቱ መደብን ራእይን ክተገጥሙ ናብ ሜዳ ውረዱ፡ ንብዙሓት ዝቖሰሉ ኣብ ጐደናታትና ወዲቖም ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽትፍውሱ ምስኡ ብሓባር ተጓዓዙ፡ እብ ሕዝብናን ንሕዝብናን ኣብ ከተማታትናን ተስፋ ንኽንዘርእ ምስኡ ሓቢርኩም ተጓዓዙ ታሪኽ ንኽትሕድሱ ምስኡ ሕበሩን ሓቢርኩም ተጓዓዙን

ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.