2018-05-28 18:47:00

በዓለ ቅድስት ሥላሴ እግዚአብሔር ፍቅሪ ምዃኑ ነስተማቅረሉ በዓል እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ተዘኪሩ ዝወዓለ በዓለ ቅድስት ሥላሴ ኣመልኪቶም ‘በዓለ ቅዱስት ሥላሴ ነቲ ብዘይምቊራጽ ወትሩ ዝፈጥር ወትሩ ዘድሕን ወትሩ እናቀደሰ ስለፍቅርን ብፍቅርን ንዝቅበሎ ዘበለ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ነጸብራቅ ጽባቄኡን ሕያውነቱን ሓቁን ንከስተንትን ጸጋ ይዕድሎ’ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ብኃባር ምስ ምእመናን ደጊሞም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘላ ናይ ሎሚ ሰንበት በዓለ ቅድስት ሥላሴ እነኽብረሉ ዕለት እዩ፣ እዚ በዓል እዚ ነቲ ምስ ሠለስተ ኣካላት  እግዝብሔር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ዝኾነ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምሥጢር ንክነስተንትንን ንክንውድስን ዝሕግዘና በዓል እዩ፣ ነቲ ንሕይወቱ ብነጻ ዝህበናን ናብ መላእ ዓለም ክነባጽሓ ሓደራ ዝብለናን ፍቅሪ ንዝኾነ እግዚአብሔር ወትሩ ብሓዲስ ኣድናቆት ክነብዕል የኽእለና፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ኦሪት ዘዳግም 4.39 ‘እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሔር፡ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከምዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻውን ሕሰቦ።’ ከምዝበሎ እግዚብሔር ኣብ ኩሉ ቦታ ከምዝርከብ ምሳና ከምዘሎ ወትሩ ከምዘሰንየና ካብቶም ናኣሽቱን ጽጉማትን ጀሚሩ ንነፍሲወከፍና ይሓልየልና ኣብ ታሪኽ ነፍሲወከፍና ኣትዩ ይመርሖ! የፍቅረና ቀረባና እዩ። ስለዝኾነ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ ካባና ርሑቅ ኣይኮነን ዘይግድሶ ሸለል ዝብል ኣይኮነን እኳ ደኣ በንጻሩ ብፍቅሩ ንዓለም ፈጠረ ሓደ ሕዝቢ ወለደ ሰብ ከማና ኮነ ምእንታና መይቱ ካብ ሞት ስለና ተንሢኡ ከም መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ለዊጡ ኣብ ምልኣት የብጽሖ።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ‘ከመይ እቶም ብመንፈስ እግዚብሔር ዚምርሑ ዘበሉ ኵሎም ደቂ እግዚአብሔር እዮም። ንስኻትኩምከስ ነቲ ብእኡ ‘ኣባ’ ኣቦ፡ ኢልኩም እትጽውዑ ናይ ደቂ እግዚብሔር መንፈስ ኢኹም ተቐቢልኩም ዘሎኹም እምበር፡ ነቲ ናብ ፍርሓት ዝመልሰኩም ናይ ባርነት መንፈስ ኣይተቐበልኩምን፡ መንፈስ እግዚአብሔር ባዕሉ ምስ መንፈስና ኮይኑ ደቂ እግዚብሔር ምዃንና ይምስክረልና እዩ፣ ውሉድ እግዚብሔር እንተደኣ ኰይንና ወረስቲ’ውን ኢና፣ ንእግዚብሔር ወረስት ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ኢና፣ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ስቓይን መከራን እንተደኣ ተኻፊልና ኣብ ክፍብሩ’ውን ክንካፈል ኢና’ (8.14-17) እንክብል ነቲ ፍቅሪ ብዝኾነ እግዚብሔር ዝተፈጸመ ለውጢ ንሱ ንባዕሉ ብኣካል ከምዘስተማቀሮን እግዚብሔር ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ከም ናይ ሕጻናት ከኣ ብምሉእ ምትእምማን ኣብኡ ክንውከል ይዕድመና፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኢየሱስ ናይ ታሪኽ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ጥቃና ምሳና ወትሩ ከምዘሰንየና ብምግባር ወትሩ ፍቁራት ደቂ እግዚብሔር ምዃና የረጋግጸልና፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ሙታን ዝተሠኤ ክርስቶስ ‘እነሆ ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ’ ማቴ 28.20 እንክብል በቲ ዘይዕጸፍ ቃሉ የረጋግጸልና፣ ስለዝኾነ ከኣ እዚ ናይ ክርስቶስ ምሳና ምህላውን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ተቀኒትና ነቲ ንሱ ዝህበና ተልእኮ ስብከተወንጌል ተኣማሚና ክነተግብሮ ንኽእል። ኣየናይ እዩ እዚ ተልእኾ እዚ እንተበልና ንወንጌሉ ምምስካርን ንኩሎም ምብሳርን ኮይኑ በዚ ከኣ ነቲ ምሳኡ ዝግበር ሕብረትን ካብኡ ንዝርከብ ታሕጓስን ነስፍሕ፣ እግዚብሔር ምሳና እናተጓዕዘ ብሓጐስ ይመልኣና እዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ናይ ክርስትና ቀዳማይ ቋንቋ እዩ፣

ስለዚኸስ በዓለ ቅዱስት ሥላሴ ነቲ ብዘይምቊራጽ ወትሩ ዝፈጥር ወትሩ ዘድሕን ወትሩ እናቀደሰ ስለፍቅርን ብፍቅርን ንዝቅበሎ ዘበለ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ነጸብራቅ ጽባቄኡን ሕያውነቱን ሓቁን ንከስተንትን ጸጋ ይዕድሎ። እግዚብሔር ወትሩ ምስ ደቂ ሰባት ክጐዓዝን ንኩሉ ዘመደኣዳም ናይ ኩሉ ዓድታትን ንሓደ ከየግለለ ንነፍሲወከፍ ሰብ ንበረኸት ዝኸውን ሕዝቢ እውን ሓረየ፣ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ንጹል ኣይኮነን ናይዚ ብእግዚኣብሔር ንበረኸት ዝቆመ ሕዝቢ ክፍሊ እዩ፣ ብዘይካ እዚ ሕብረትን ክፍሊ ምዃንን ክርስትያን ክኽወን ኣይከኣልን፣ እዚ ንበረኸት ዝቆመ ሕዝቢ እዚ ንሕና ኢና፣ ንሕና ሕዝበ እግዚብሔር ኢና፣ ድንግል ማርያም ነዚ ጽምኢ ፍቅሪ ዘሳቅዮ ዘሎ ንዓለም ክነወፍዮ ዘሎና ናይ ምስክርነት ተልእኾ ብታሕጓስ ንክንፍጽሞ ትርድኣና፣ እዚ ከኣ ጭቡጥ ናይ እግዚአብሔር ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኮይኑ ንሕየት ትርጉም ዝህብ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሩ እዩ፣ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ደጊሞም፣

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ነታ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፕያቸንሳ ዝበሃል ከተማ ዓዲጣልያን ብፅዕና ንዝተኣወጀ ኣባል ልኡኻት ደናግል ናይ ኮንሳላታ ኣባል ዝነበራን ኣብ ሶማልያ ብ2006 ብሰማዕትነት ዝሞታን እናቴ ለዮነላ እስጎርባቲ ብፅዕናኣ ዝተኣወጀ ዘኪሮም፣ ‘እታ ንስብከተወንጌልን ኣገልግሎት ድኻታትን ዝተወፈየት ሕይወታን ብሰማዕትነት ዝሃበቶ ምስክርነትን ንኣፍሪቃን ንመላእ ዓለምን ጩራ ተስፋ እዮም፣ ስለሰላም ናይ ኣፍሪቃ ብሓባር ንጸሊ  ሰላም ንኣኺ ኦ ማርያም ብምድጋም ኦ ንግሥቲ ኣፍሪቃ ለምንልና ኢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.