2018-05-30 16:23:00

ንክርስቶስ ኣብ ልብና ክንቅበል መንፈስ ቅዱስ ክቐብዓና ነፍቅደሉ! ር.ሊ.ጳ


ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቅሪ ሓጐስ ሰላም ትዕግሥቲ ልግስነት ሕያውነት እምነት የዋህነት ንርእስኻ መሊኽካ ምኽኣል እዩ። ነዚታት ዚጻረር ሕጊ የልቦን’ (ገላ 5.22-23)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን ወይ ቅብዓት ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ብምቅጻል ሎሚ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ሰነዱ ቊ.71 ‘ምሥጢረ ሜሮን እውን ናይ መላእ ቤተክርስትያን ትምህርቲ ዘለዎ ናይ ቀረባ ርክብ ግልጺ ኮይኑ ክርአን ክመሓየሽን ኣለዎ። በዚ ምኽንያትዚ ቅድሚ ምሥጢረ ሜሮን ምቕባሎም እቲ ኣብ ጥምቀት ዝኣተውዎ ቃል የሐድሱ፣’ እንክብል ሜሮን ምስተን ፈለምቲ ምሥጢራት ክርስትና ጥቡቅ ምትእስሳር ከምዘለዎ ንዘመልክት ነጥቢ መብርሂ ክህብ እፈቱ፣ ስለዝኾነ ከኣ በዚኦም ሠለስተ ፈለምቲ ምሥጢራት ትርጉም ምሥጢረ ሜሮን ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት ይዂላዕ ኣብ ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ከኣ ምልኣት ይረክብ፣

እቶም ዚቅብዑ ቅድሚ ምሥጢረ ሜሮን ምቕባሎም ነቲ ምሥጢረ ጥምቀት ብወለዶምን ባልገታቶምን ዝኣተውዎ ቃል ከሐድሱ ይጽውዑ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ንሶም ባዕሎም እዮም ንእምነት ቤተክርስትያን ክምስክሩ ዘለዎም፣ ነተን ብኣቡን ዝቀርባኦም ሕቶታት ‘እአምን’ እናበሉ ክምልሱ ምናዳ ከኣ ነታ ናይ ጸሎተ ሃይማኖት ክፍሊ መንፈስ ቅዱስ ‘እአምን ብመንፈስ ቅዱስ ጐይታን ወሃብ ሕይወትን በዚ ዕለትዚ ከኣ ብምሥጢረ ሜሮን ኣቢሉ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከምቲ ንሓዋርያት ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ዝወረዶ ኣብ ልዕሊኦም ከምዝወርድ` እምነቶም ክገልጹ ይሕተቱ፣

ከምቲ ኣብ ግብረ ሐዋርያት 1.14 ‘እዚኣቶም ኵሎም ምስ ገሊኤን ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ኣሕዋቱን ኮይኖም ብሥምረት ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ነበሩ’ እንክብል ዝገልጾ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎት ዝተጸምደ ልቢ ይሓትት፣ እታ ማሕበረ ክርስትያን ብጸጥታ ምስ ጸለየት እቲ ኣእዳው ኣብ ልዕሊ ተቀባእቲ ብምዝርጋሕ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኦም ንመንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ከውርድ ይምህለል፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 12.4 ዝገልጾ ከኣ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ሓደ እዩ ኮይኑ ናባና ክወርድ እንከሎ ዝተፈላለየ ሃብታት ናይ ጸጋ ይዕድለና፣ እዚኦም ከኣ ጥበብ አእምሮ ምኽሪ ጽንዓት ፍልጠት ርሕራሔ ፍርሃት እግዚብሔር እዮም፣ ከምቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 11.2 “መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን’ ክብል ዝገልጾ እዚኦም ከኣ እቲ መሲሕ ተልእኮኡ ንኽፍጽም ዝተዓደሎ እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኣብ ገላ 5.22 ‘‘ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቅሪ ሓጐስ ሰላም ትዕግሥቲ ልግስነት ሕያውነት እምነት የዋህነት ንርእስኻ መሊኽካ ምኽኣል እዩ።” እንክብል ይዝርዝሮ። እንኮ መንፈስ ቅዱስ ነታ እንኮ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዘሀብትሙ ብዙሕ ውህበታት ይዕድል፣ እዚ ዝተፈላለየ ውህበታት ዝዕድል ማዕረ ማዕረ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ሓድነትን ውህደትን ዝፈጥር እዩ፣ በዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብከስ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለያ ጸጋታት ይዕድል ምሳኡ ከኣ ውህደት ማለት ሃድነት ናይዘን ኩለን ንሕና ክርስትያን ኣለዋና እንብለን መንፈሳዊ ሃብታት ይህበና፣  

ብልምዲ ሓዋርያት ከምዝተረጋገጸ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ ጥምቀት ጸጋታት ብኣንብሮ ኢድ ይምልኦ (ግሐ 8.15-17, 19.5-6, ዕብ 6,2 ተመልከት)። በዚ ኣግባብ ቅዱስ መጽሓፍ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝቅበሎ ልቡ ከምዝመልኦ ብምርግጋጽ ጽንሕ ኢሉ ከኣ ብቅዱይ ዘይቲ ናይ ምቅባዕ ልምዲ ተኣታትዩስ ከምቲ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 1289 ዘመልክቶ ኣብ ምሥራቅን ምዕራብን ክሳብ ሎሚ ይዝውተር ኣሎ፣

እዚ ናይ ፈውስን ሥነጽባቀን ምልክት ዝኾነ ቅዱስ ዘይቲ እዚ ኣብ ጭዋዳታትና እናኣተወ ነቲ ዝቈሰለ እንክፍወስ ናኣካላትና ከኣ ቅዱይ ጨና ከምዝህልዎ ይገብር በዚ ብመሠረት ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣምሳልነትን ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ልምድን ነቲ ንተጠማቂ ዝቅድስን ውህበታት ብምዕዳል ዝሽልምን ተግባር መንፈስ ቅዱስ ንምምልካት ንጥቀመሉ፣ እዚ ምሥጢር እዚ ኣብ ግንባር እቲ ተቀባኢ ብቅዱስ ዘይቲ ሜሮን እናቀብኤ በቲ ኣቡን ዝግበር ኣንብሮ እድ ተሰንዩ ‘ነቲ ከም ውህበት ዝተዓደለካ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ተቀበል’ ብማለት ይፍጸም፣ እቲ ብዓይኒ ዘይረኤ ዓቢ ውህነት መንፈስ ቅዱስ እንክኾን እቲ ዝረኤ ማሕተም ከኣ እቲ ምቅባእ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ዮሐ 6,27 ‘ምእንቲ ሓላፊ መግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወድ-ሰብ ዚህበኩም ንሕይወት ዘለዓለም ዚበብር ምግቢ ጸዓሩ ከመይሲ ንእኡ እግዚብሔር ንሕይወት ዘለዓለም ዓቲብዎ ኣሎ’ ዝብሎ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ብኣምሳል ናይቲ ብእግዚብሔር ኣቦ ዝተዓትበ ክርስቶስ ናቱ ከም ዝኾንና ብዘመልክት ማሕተም ክንቅባእን ኣብ ኣገልግሎት ናይቶም ኣብ ሕይወትና ዘጓንፉና ክንወፍርን ንዕደም (ሕገ ቆኖና ላቲናዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ 1295-96 ተመልከት)። ቅዱስ ጳሎስ ኣብ 2ቆሮ 1.21-22 ከምኡ እውን ኤፈ 1.13 ‘እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን ዘሎ፣ ንሱ ባዕሉ እዩ’ውን ማሕተሙ ዝሓትመልናን ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዘሕድረልናን ዘሎ’ ብማለት ይገልጾ፣

በቲ ቅዱይ ዘይቲ ኣብ ግምባርና ምልክት ትእምርተ መስቀል እንክቅበል እቲ ተቀባኢ ዘይድምሰስ መንፈሳዊ ማሕተም ይቅበል፣ እዚ ቅብዓት እዚ ከኣ ምስ ክርስቶስ ኣወሃሂዱ ነቲ ጥዑም መዓዛኡ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ንክዝርግሕ ጸጋ ይህቦ (2ቆሮ 2.15 ተመልከት)።

ነቲ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ንሓደስቲ ተቀባእቲ ዘቅርብዎ ጻውዒት እንደገና ንስመዓዮ። ‘መንፈሳዊ ማሕተም ከምዝተቀበልካ ዘክር . . . ነቲ ዝተቀበልካዮ ዓቅቦ፣ እግዚብሔር ኣቦ  ቀቢኡካ ምስ ክርስቶስ ከኣ ኣወሃሂዱካ ኣብ ልብኻ ኸኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣቀሚጡ ኣሎ’ እንክብል ኣብ ደ ሚይስተሪስ ዝብል ጽሑፉ 7.42 ይገልጾ፣ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ብነጻ ንዕድሎ ብክእለትና ወይ ብሥራሕና ዘይኮነ ነቲ ዘይነጽፍ ናይ ምሕዳስን ምፍጣርን ሥራሑ ኣብ ሕይወትና ክፍጸም ልብና ምኽፋት ጥራይ እዩ ዘድልየና፣ ተጠንቂቅና ክንሕልዎ ዘሎና ትዕድልቲ እዩ፣ ብምእዙዝነትን ጣዕሚ ሕይወትና ክቀብኣና ካብቲ ዘይነጽፍ ፍቅሩ ክዕድለና ነፍቅደሉ፣ ከምቲ ኣብ ጋውደት ኤት ኤክዙልታት ተፈስሑ ወተሓሰዩ እትብል ሓዋርያዊ ምሕጽንታ 23 ተመልኪቱ ዘሎ ንክርስቶስ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ንምስትንታን እዚ ጸጋ እዚ ብግዲ የድልየና፣








All the contents on this site are copyrighted ©.