2018-06-02 16:08:00

ሮብራ ንካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጀነቭ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ጉልበት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ብዛዕባ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣመልኪቶም መጋቤ ማርቲን ሮበራ ካቶሊካዊ ስልጣነ ምስ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ቅድስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ንዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘሕይል ምዃኑ ይሕብሩ።

ምስ ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮን እቲ ባዕሎም ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕዎን ፍጻሜታትን ከይድታትን ነቲ ንሓድነተ ኣሚቱ ኣብ መንጐ ኣብያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ርክብ ሓድሽ ጽድያ እዩ፡

ነዚ ዝበሉ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓልዮ ዘተ ሓላፊ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ማርቲን ሮብራ ምስ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝሕተም ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ምብጻሕ ከካይዱን ምስቲ መብዛሕቲኤን ኦርቶዶክሳውያን ባህሊ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣንግሊካውያንን ፕሮተስታንትን ካልኦት ዝተፈላለያ ጴንተጠቖስጠ ኣቢያተ ክርስቲያንን ርእሰ ተመሓደርቲ ኣፍሪቃውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝርከበኦ 348 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ማእክላዊ ኮሚቴ ክራኸቡ ምዃኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ከም እተመልከተ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ተዓዛቢት ኣካል እትረከቦ ማሕበር ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ሰናይ ርክብ እውን ዝነኣድ ኰይኑ፡

እቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ተፈላጥነቱ ክዕብይ ብምኽኣሉ ንቕዱስነቶም ነመስግን

መጋቤ ሮብራ ኣብቲ ኢንግሊዘይናን ጀርመንን ጣልያንይናን ቋንቋ ተሓቲሙ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ምስ ካቶሊካዊ መጽሔት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ተፈላጥነቱ ክብ ክብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ምዃኑ ከምዘስመሩሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ልክዕ ከም ዝሓለፉ ካልኦት ር.ሊ.ጳ. ከም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕን ናይ ሮማ ጳጳስን ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ነዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም ብዙሕ ክፍለጥ ዘበርክትዎ ግደ ዓብይ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ እውን ከምዘበርትዕዎ ኣብቲ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩ ጸብጻብ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ የረጋግጾ።

ድሕሪ ዝክሪ 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ርክብ ጥቡቕ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ

ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዝጸንሔን ቀጻልን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ድሕሪ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሕዳሲያዊት ወይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ርክብ ኣዚዩ ጥቡቕ እናዀነ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሽወደን ሉንድ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምስታፍ ናይ ቅዱስነቶም ዝፈጥሮ ዕድል ምዃኑ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጽኒዖም ምስ ገለጹ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ሒደት ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ክርስትና ዓቢይን ብርቱዕን ድምጺ እዮም። ቅዱስነቶም ብዛዕባ ክርስትና ክዛረቡ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲትያን ጥራሕ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሕዳሲያዊት ቤተ ርክስቲያን እውን እዮም ዝዛረቡ፡ እቲ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ኣገላልጻ ቤተ ክርስቲያኖም ነተን ካልኦት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓስብ እዩ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስነቶም ሰፊሕን ጥልቅት ኣናስራዊ ኣገላልጻ እዩ ዘለዎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጀነቭን ኣብ ሕንጻ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ኣብ ርክብ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓብይ እወታዊ ማሕታ ዘለዎ ከምዝኸውንን እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ብዕምቆት ክንበርን ንቕድሚት ክብልን ብቐጻልነት ክንበርን ዝድርኽ ምዃኑ ከምዘብርሁ ኣፍሊጦም”

ብሓባር ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ነቲ ጉዕዞ ንገዛእ ርእሱ ከም መንፍሳዊ ንግደት ብምሕሳብ ናይ ፍትሕን ሰላምን ንግደት ናብቶም ዝተሓድጉን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ብምባል ዝግለጽን ዝንበርን ናብቶም ፍትሕን ሰላምን ዝጸመኦም ምባል ክኸውንን ኣብዚ ብዓመጽን ብኢፍትሓውነትን ብቅልውላው ኤኮኖምን እዚዮም ናብ ዝሳቐዩ ብምባል ክንበር ከምዘለዎን ብሓፍሻኡ ወንጌል ዘማእከለ ኽከውን ኣለዎ  ዝብል ናይ ቅዱስነቶም ራእይ

ምዃኑ መጋቤ ሮብራ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ጂሶቲ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.