2018-06-02 16:00:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቺለ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀኑ ዜጋታት ቺለ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ተራኺቦም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ካብ ቺለ ዝመጹ ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ምስ ዝውክሉ ስለስተ ዜጋታት ከምእተራኸቡን፡ ነዞም ናይቲ ዘስኻሕክሕ ከቢድ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ዜጋታት ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍሉይ ምእንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ኣብ ዝጽለየሉ እዋን ምሕረት ክሓቱ ዘካየድዎ ርክብ ከምዝነበረ ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሓቢሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ዕለት 1 ሰነ 2018 ዓ.ም. እውን ምስ ካላኣይ ጉጅለ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምስ ዝዀኑ ዜጋታት ቺለ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከምተራኸቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀኑ ተወለድቲ ቺለ ሓደ ብሓደ ተራኺቦምን ብሓባር ጸሎት ኣዕሪጐምን ዝተሰምዖም ሓዘንን ጓህን ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ሰብኣውነቶም ውሻጠ ዓቢይ በሰላ ዝፈጠረሎም ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ከቢጽ ዓመጽ ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባርን ገበንን ምዃኑ ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም፡ ኣብዚ መዳይ ዝፍጸምዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፥ እቲ ስልጣንን ወይ ሓላፍነትን መጋበርያ ዓመጽ ክኸውን ምግባርን ነዚ ስዒቡ እውን ዝወርድ ናይ ሕልናን ናይ ኣካልን ዓመጽን ብፍላይ ብወልደ ክህነት ኣባላት ዝፍጸም ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዓቢይ ሓዘን ከምዝዀነ ዘመልክት ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚኒከቲ ኣስዒቦም፡

ነቲ ዝተፈጥረ ከቢድ ስቓይ ከዋዊልካ ምጉዓዝ ኣይከኣልን

ንቕዱስ ኣቦና ከም ቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘስዕቦን ንገዛእ ርእሱ እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሓባቢእካ ምጉዓዝ ዘይከኣል ክኸውን እንከሎ፡ ምልስ ቢልካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ምርኣይን ስዒቡ እውን ምንጻሕን ዘድሊ ምዃኑ ናብ ሕዝቢ ቺለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ከይሓባባእካ ሓቂ ምድላይ ግድን እዩ፡ ሓቂ ሓራ ስለ ዘውጽኣካ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ጸሎት ድጋፍ

ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣማእኪሎም ምስ ናይ ቺለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጸዊዖም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ቅድም እውን እንተዀነ ናይ ጸሎት ድጋፍ ዘድልዮ ከምዝዀነ ገሊጾም ምንባሮም ዘዘካኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ መኒከቲ ኣተሓሒዞም፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ናይ ወሲብ ዓመጽ ባህልን ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ገበንን ንምኽዋል ዝግበር ኣሰራርሓ ከይህሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ነዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ተግባር ንምክልኻልን ክይህሉ ኣብ ምግባር ኩሉ ክሓብርን ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ባህሊ ንምስናፍ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ወሳንን ኣገዳስን ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.