2018-06-02 19:05:00

፪ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ግንቦት 26 2010 ዓ.ም. (6/3/2018)


ንባባት፡   ኤፌ 4፡1-7፥ 1ዮሓ 2፡1-8፥ ግ.ሓ. 2፡1-18፥ ዮሓ.14:12-ፍ።  ስብከት፡ “ዐረገ ውስተ አርያም፥ ጸዌውከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይህድሩ” “አብ ላዕሊ ዓሪግካ ንምሩኻት ማረኽካ፥ ህያብካ ንሰባት ሃብካ፥ ዓመጸኛታት አብኡ ምእንቲ ክሓድሩ” መዝ. 88፡18።  ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ፥ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ። “አብ ቅድሚ ጸላእተይ መአዲ ትሠርዓለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ” መዝ. 23፡5።

ዝሓለፈ ሰንበት ብዓለ ጴራቅሊጦስ አብዒልና። መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ማርያም ምስኦም እንከላ ዝወረደሉ ዕለት። ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ስልጣን ሒዛ ዝተመስስረትሉ። መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ባዕሉ ከምዝመርሓ ዝተራእየሉ። ሎሚ እውን ንኵልና ብእምነት እንሓብር ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ሒዝና ንመልእኽቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና አብ ኵሉ ክነብጽሕ ክንብግስ ዝዕድም ፍሉይ ዘመን።

አብ ስርዓት አምልኾና ድሕሪ ብዓል ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) ጀሚሩ ክሳብ ሰኔ 17 ዘሎ ዘመነ  ጰራቅሊጦስ ይብሃል ፩ይ፥ ፪ይ. . . ሰንበት እናበለ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ አብዘን ሰናብቲ ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ፥ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘልኦ ተራ ከምኡ ትንሣኤን ዕርገትን ክርስቶስ ክነስተንትን እሞ አብ እምነትና ጸኒዕና ንሓዲስ ተልእኮ ክንጉዓዝ ዝሓትት እዋን ኢና ዘሎና። አብ ልጡርግያ ቤተ ክርስትያን በብእዋኑ ብእምነት ክንዓቢ ምእንቲ ፍሉይ ዘመናት ተሰሪዑና አሎ፥ እዚ ኹሉ ንአና ክጠቅም ፍሉይ አስተንትኖ ክንገብር እሞ ዝተሓደሰ ሕይወት ክንሕዝ ንማለት እዩ።

ድሕሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘሎ ጊዜ ፍሉይ ነገራት አብ ሕይወት ሓዋርያት ንርኢ፡

ብሓንሳብ ምዃን፡ ሓዋርያት አብ ሓደ ልብን ቦታን ሓቢሮም ነሮም። መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ብማርያም አደ ኢየሱስ ተማእኪሎም ብሓባር አብ ሓደ ቦታ ኮይኖም ይጽልዩ ነሮም። ብሓባር ክልተ ወይ ሰለስተ አብ ዘለውዎ ኢየሱስ አብ ማእከሎም አሎ። ክንሓብር ክንሰማማዕ እንከሎና አምላኽ ምሳና አሎ ክንፈላለ ክንረሓሓቕ እንከሎና እነምጽኦ ምኽንያት ብዘየገድስ አምላኽ ምሳና የሎን። ሎሚ እውን በረኸት አምላኽ ክንቅበል ብሓባር ክንርከብ ዘፈላሊ ኽገጥመና እንከሎ አብ ስምምዕ እምበር አብ ዝፈላሊ ከይነድህብ ምስትውዓል የድልየና።
ብሓብር ምጽላይ። “ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጦ” ይብል ቅ. አጎስጢኖስ። ሓደ ካብቲ መለልዪ ቀዳሞት ክርስትያን ብሓባር ምጽላይ እዩ። ምሸትን ንጋሆን ይጽልዩ ነሮም፥ ነዚ መሰረት ዝኾኖም ትምህርቲ ጎይትኦምን ሓዋርያ ጳውሎስን እዩ፥ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ” (ኤፈ 6፡18) “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” (1ተሰ 5፡17)። ጸሎት ነፍስኻ አብ አምላኽ ምዕራግ ስለ ዝኾነ አምላኽ ምሳና ክህሉ እንከሎ ዘጸግም የብልናን። ባዕሉ ክርስቶስ “ለምኑ ኺውሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኲሑ ኪረሓወልኩም እዩ” (ማቴ 7፡7) ይብለና።
ፍርሒ ተቐንጢጡ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኵሉ እቲ ፍርሖም ተቐንጢጡ፥ ትብዓት ከምኡ ንዅሉ ብዓይኒ አምላኽ ክርእይዎ ክኢሎም። ተሓዲሶም ንዝነበሮም ፍርሒ ሓሊፎሞ አብ ደገ ወጺኦም ክሰብኹ ክምስክሩ ጀሚሮም። መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ አብኡ ሓቂ ስለ ዝርከብ ዝኾነ ፍርሒ አብኡ የለን። ሰብ ፈራሕ ዝኸውን ሓቂ ከጕድል እንከሎ ጥራሕ እዩ። እምነትና አብ ሰብ አብ ገንዘብ ወይ እውን አብ ርእስና ክንገብር ከሎና ፈርሓት ኢና። አምላኽ ክንሕዝ ከሎና ግን ዘፍርሕ የብልናን ሞት እውን ትምጻእ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ክንመውት ቅጭጭ አይብለናን እዩ እዚ እዩ አብ ሕይወት ብዙሓት ሰማዕታት እንርእዮ።
ንክርስቶስ አብ ኵሉ ክሰብክዎ ጀሚሮም። መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለ ሰብ ቀዳመይቲ ዝገብራ ስብከት እያ። እምነት ክርስቶስ አብ ኵሉ ክበጽሕ ብቃል ብግብሪ ክሰበኽ አለዎ። ባዕሉ ክርስቶስ “ከምቲ አቦ ንአይ ዝለአኸኒ አነ እውን ከምኡ እልእከኩም አሎዅ” (ዮሓ 20፡21) ዝበሎ ሎሚ ንሕና እውን ንአምላኽ ክንልአኽ ፍቓደኛታት ንኹን። መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ከሎና ጥራሕ እዩ ነገራት ክቕየር ዝኽእል። እሞ ሎሚ መልእኽቲ መን እየ ዘብጽሕ ዘሎኹ ኢልና ሕይወትና ንርአ።
አብ ልዕሊ ዅሎም መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ። ብአምሳል ልሳን ሓዊ አብ ልዕሊ ኩሎም መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ተራእዩ። ንሕና ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ክንቅበል እንከሎና መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለና እውን ወሪዱ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለ ጸጋ አምላኽ ምስኡ ስለ ዘሎ አብ ጽቡቕ ግብሪ እዩ ዝወፍር። ሎሚ እውን መንፈስ ቅዱስ ክወርደና ልብና አንጺሕና ንቀበሎ። ማኅደሩ ዝኾነ ልብና ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጺሑ ንአምላኽ ክቕበል ነሰናድዎ።
ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀሚሮም፡ አብ ዘመነ ባቢሎን ቋንቋታት ዘየሰማምዕ እዩ ነሩ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ግን ብሓደ ቋንቋ ኵሎም ክረዳድኡ ጀሚሮም እዚ ኸአ መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ከምዝቕይር ዝሕብር እዩ። አምላኽ ንሓደ ነገር መጋበሪ ክገብሮ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። ንአይን ንአኹም እውን መጋበሪ ድሕነት ክገብረና ድላዩ እዩ። ስለዚ ልብና ከፊትና ክልአኸካ ድላይካ ክፍጽም ስንድው እየ ንበሎ።
ካብ መጀመርያ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ መራሕትን ተመራሕትን ዘለዋ ገሩ ሰሪዕዋ፡  ቅ. ጴጥሮስ ርእሲ ኮሎም ሓዋርያት ኮይኑ ቃል አምላኽ አስሚዑ። አብተን ቀዳሞት ዘመናት ኮነ ድሕሪኡ አብ ዝቐጸለ ቤተ ክርስትያን መንበረ ጴጥሮስ ብዝሓዙ ትምራሕ እዚ ኸአ ባዕሉ ክርስቶስ ዝሰርዖ እዩ። ካብቲ ክርስቶስ ዝሰርዖ ካልእ አገባብ ክነልብስ ናትና ሓላፍነት አይ ኮነን ናይ እቲ ርእሲ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ስለዚ ንመንበረ ጴጥሮስ ሒዙ ዘሎ ክንእዘዞ ክንሰምዖ ትሑዛት ኢና።

  ዮሓንስ ወንጌላዊ ግብሪ ክርስቶስ ክንገብር ይነግረና። ዘመነ ጰራቅሎጦስ ነቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝሰብኮ ዝነበረ ክንገብር ዘዘኻኽረና እዩ። ክርስቶስ አብ ኵሉ ክአቱ ብፍላይ አብ ልቢ ብዙሓት አትዩ ንሓቅን ንሰላምን ተቐቢሎም አብ ንስሓ ክአትዉ እንሕግዞም ንሕና ኢና። ነዚ ብምሉእ ክንለብሶ “ብስም ክርስቶስ ንሰማያዊ አቦና” ክንልምኖ አሎና፥ ምኽንያቱ ባዕሉ “ብስመይ ዝለምንክምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እዩ” ይብለና።

“ዘኽታማት ኳንኩም ክተርፉ አይኃድገኩምን እየ” ኢሉና እዩ። ዝኽትምና ከቢድ እዩ ምኽንያቱ ፍቕሪ ወላዲ ስለዝጎድለና። ናይ ክርስቶስ ምፍላይ ግን ንሓዲስ ህላዌ አብ መንጎና ዝዕድም እዩ። ከምቲ ንሓዋርያቱ በብእዋኑ ዘሰንዮም ዝነበረ ሎሚ እውን አብ መንጎና አሎ። ብአካል እንውክሎ ህልዉ እንገብሮ ንሕና ኢና። አባና ፍቕርን ሕውነትን ክርአ እንከሎ ህያው ንገብሮ። እዚ እዩ እቲ ክርስቶስ ሎሚ ክንገብሮ ዝላበወና።

“እቲ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዅሉ ኪምህረኩም ነቲ አነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” እናበለ ምስኡ ዝህልወና ሓዲስ ርክብ ነጊሩና። ተመሃሮ መንፈስ ቅዱስ ኮና ክንርከብ ምስኡ ሓድነት ክህልወና ብኡ ክንምራሕ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። እሞ ሎሚ ሕይወተይ መንእዩ ዝመርሖ ዘሎ ኢልና መራሒና ክነለሊ ይግብአና። ሓደ ካብቲ ጸገም አርድእቲ ክርስቶስ ዝነበረ አለሊኻ ዘይምኽአል እዩ ነሩ ሎሚ እውን ንግብርን መልእኽቲ አምላኽን አለልዮም ዘይክእሉ ብዙሓት አብ መንጎና አለዉና። ዓይንና ከለልን ክርእን ንመንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ንለምኖ።

ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብ መንጎና ሕድር ንአኻን ነሕዋትናን ርኢና ክንክእል አዒንቲ ልቦናና ክፈተልና ክንልአኸካ ልብና ክነንጽሕ አብ ሰላምን ፍቕርን ክንምለስ ሓግዘና ንበሎ።

ኦ ማርያም አደና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ኮንኪ ንመድኃኒና ክርስቶስ ዝወለድክልና ንሕና እውን ማኅደሩ ክንከውን ሕይወትና ቀይርና አብ ኵሉ ሓቂ ሰላም ፍቕሪ እነንግስ ኮና ክነብር ለምንልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 

.

“ለዝ ኅብስት ምሳሐ በዓለ ወለዝ ጽዋዕ ደመ ነበልባል ሦዕዎ አይሁድ በመልዕልተ ቅዱስ መስቀል” (ዚቅ ዘቅ. ቍርባን)።

ንባባት፡

፩ቆሮ 10፡16-17፥ (ዘፅ 24፡3-8)፥ ዕብ. 9:11-15፥ ግ.ሓ. 27፡8-33፥ ማር 14፡12-26

ምስባክ:

       ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ፥ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ።      “አብ ቅድሚ ጸላእተይ መአዲ ትሠርዓለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ” መዝ. 23፡5።

አብ ላቲናዊ ስርዓት ካብ 1264 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝብዓል እዩ። ናይ ቅ. አግስጢኖስ ማሕበር አባል ዝኾነት ድንግል ጁልያና ከይግ እትብሃል ራእይ ተራእይዋ ወርሒ በሪሃ አብ ማእከላ ጸሊም ነጥቢ ዝመስል እዚ ኸአ አብ ብዓላት ሓደ ብዓል ተሪፉ ከምዘሎ ንሱ ኸአ ብዓል ቅ.ቍርባን ምዃኑ ተገሊጹላ። ካብዚ ራእይ ንድሓር ሰውነት ክርስቶስ “Corpus Christi” “Corpus Domini” እናበሉ ብዓቢ ክብሪ የብዕልዎ።

አብ ዓድና አብ ገለ ቍምስናታት ብዓል ቅ. ቍርባን ተባሂሉ ይብዓል። ዕለቱ ድሕሪ ብዓል ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት እዩ ዝውዕል። ሚስዮናውያን ዘእተውዎ እዩ። አብ እምነትና ዓቢ ትርጉም ስለ ዘለዎ ኸአ ብኽብሪ ነብዕሎ። እዚ ብዓል እዚ ንአምላኽ ክነመስግን ዕድል ይኸፍተልና። ነቲ ብቅ. ቍርባን አቢሉ አብ መንጎና ህላዌኡ ዝገለጸልና አምላኽ ነመስግን። እዚ ብዓል ዝበለጸ ርድኢት ብዛዕባ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ክህልወናን ብዛዕብኡ ዘሎና እምነት ክንርኢ ምስቲ ንሱ ዘገለጸልና ክነወሃህዶ ይሕግዘና። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ “ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈለጠ ዚበልዕን ዝሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዘምጽእ፥ በዚ ምኽንያት እዚ እዮም አብ ማእከልኩም ብዙኃት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፥ ዝሞቱውን ብዙኃት እዮም” (1ቆሮ 11፡29~30) ዝብለና።

ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ ነታ ጌና ንእሽቶይ ዝነበረት ቤተ ክርስትያኑ ዝዓበየ ህያብ ዝሓደገላ ብዘይካ ትምህርቱ አብነታዊ ሕይወቱን ሞቱን ቅ. ቍርባን እዩ። ብኹሉ ከምእንርእዮ ማእከል ናይ ኵሉ ክርስትያናዊ ሕይወት ቅ. ቍርባን እዩ። ሓንቲ ማሕበር ክርስትያን ጽምኣት ቅዱስ ቍርባን ክህልዋ ንከሎ አብ ዓቢ ዘስግእ ጸገም ገጻ ትጉዓዝ ከምዘላ ክትፈልጥ ይግባእ። አብ ሱታፌ ቅዱስ ቍርባን ዘይርከብ ወይ ዘይትርከብ አማናይ ብሓቂ ውፉይ ክርስትያን ክብሃል አጸጋሚ እዩ። ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዘይቅበል ልቢ ብዙሕ ጸጋታት እዩ ዝጎድሎ። ክርስቶስ “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አባይ ይነብር” እናበለ ብቅዱስ ቍርባን ዝርከብ በረኸት ይነግረና። ብዓል ቅዱስ ቍርባን ብርእሱ ብዓል ኢየሱስ ስለ ዝኾነ ካብኡ ዝዓቢ የብልናን ስለዚ ክንሕጎስ ክንዝምር ግቡእ እዩ። 

አብ ታሪኽ ክርስትናን ከም ዝተራእየ አብ ስደትን ውርደትን እትርከብ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሓቂ እዚ ብጋህዲ ትፈልጦ ስለ ዝነበረት አብ ማእከላ ቅዱስ ቍርባን ክትሕዝ ትቃለስ ከምዝነበረት ንርኢ። እዚ ሓቂ እዚ አብ ብዙሓት አብነታት አብ ዝሓለፈ ዘመናት ተራእዩ ወላ አብ ዓድና እውን እዚ ሓቂ ነሩን አሎን። አብ ብዙሓት ሃገራት ክርስትና ብአዋጅ አብ ዝተኸልከለሉ አብ ኮሙኒስት ሃገራት አብ ሃገራት አስላም ከምኡ ካልኦት ንክርስትና ዝኽልክሉ እቲ ቀንዲ ዝተራእየ አብ ማእከሎም ቅዱስ ቍርባን ክዕቅቡ ምድላይ እዩ።

አብ ዓድና እውን ምስዮናውያን ብፍላይ ላዛሪስት ብዘእተውዎ አብ ገለ ቍምስናታት ብዓል ቅዱስ ቍርባን bvበዚ መንፈስ እዩ ጀሚሩ። ማለት ሥጋን ደምን ናይ እቲ ሓደ ወዱ “ክርስቶስ አብኡ ብሓቂ ህልዊ ዝኾነ” አብ ትሕቲ መልክዕ ህብስትን ወይንን አብ ቅዱስ ቍርባን ከምዘሎ ንአምን። ነዚ ዕለት ብዙሓት አብ ዝሓለፈ እዋናት ብዓቢ ዓጀባን ዑደትን እናዜሙ የብዕልዎ ነሮም። አብዚ እዋና ግና ብዙሕ አይብዓልን ብሓቂ የሕዝንን የሰክፍን። አብ ቀደም ዘመናት ክርስትያን አብ ስደትን ሞትን እንከለዉ ብዘይፍርሒ ወላ እውን እንተ ተረኽቡ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ምዃኑ እናፈለጡ እንከለዉ ብድፍረት ካብ ቅዱስ ቍርባን ከይተፈልዩ የብዕሉን ይሳተፉን ነሮም። ሎሚ አብዙሕ ካብ ስደትን ሞትን ፍርሕን ነጻ አብ ዝኾናሉ ዝግባእ ክብርን ተሳትፎን አብ ቅዱስ ቍርባን ብዘይምግላጽና የሕዝን።

አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን እንታይ ኢና እንገብር።

ብመሰረቱ ክንርእዮ ከሎና ክልተ ነገራት ኢና እንፍጽም።

ዝኽሪ ንገብር ከምኡ ምስጋና ነቕርብ። ቍርባን ዝብል ቃል ካብ ግሪኽ ዝተወስደ ኮይኑ “ምስጋና” ማለት እዩ። ልዕሊ ኹሉ ብዓሚቕ እምነትን ምስጋናን ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ  ብሕይወቱ፥ ብሕማማቱ፥ ሞቱን ትንሣኤኡን አቢሉ አምላኽ ዝገበረልና ነመስግን። ከምኡ ነቲ ዅሉ አብ ግላዊ ሕይወትና አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ፍቕሩ ንዝገለጸልና ንዝክርን ነመስግንን። ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረልና እነስተንትነሉ እዋን እዩ። እንዝክሮን እነመስግኖን ነቲ ቅድም ዝገበረልን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ሕጂ አብ መዓልታዊ ሕይወትናን እንርእዮን እንዕደሎን ዘሎና እውን ዘጠቓለለ እዩ።
አብ ሓደ መንፈስ ቀሪብና ከም ማሕበር ክርስቶስን ስዓብቱን ነብዕል። ቅዳሴ ብርእሱ ማሕበር አይገብረናን እዩ። ናይ ሓንቲ ድሮ ማሕበር ኮይና ዘላ ብዓል እዩ። ቅዱስ ቍርባን ወላ እኳ ማእከል ናይ ኵሉ ክርስትያናዊ ሕይወትና ይኹን እምበር ናይ ሕይወት ምልአት  አይኮነን። አብ ጥርሑ ባዶ ዝኾነ ቅ. ቍርባን አይርከብን እዩ። ቅዱስ ቍርባን ከም ኩሎም ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ምስጢር (Sacrament”  ምልክት “Sign” ናይ ሓደ ካብኡ ዝዓቢ (ሕያው ዝኾነ ማሕበር ክርስትያን) እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ቍርባን ናይ ኵሉ መለክዒ ሕይወትና እዩ ዝብሃል። ካብቲ ሓንቲ ማሕበር ክርስትያን እትገብሮ ወይ እትዕርጎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብምዕዛብ እናዓበየት ወይ እናሞተት እትኸይድ ምዃና ክንፈለጥ ይክአል። ምዉት ወይ ሕይወት ዘይብሉ ክርስትና አብኡ ሕያው ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን አይርከብን እዩ።

ሎሚ እምብአር ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ብዓል እዩ። አየናይ ሰውነት ክርስቶስ ኢና ነብዕል ዘሎና? እቲ አብ መስቀል ዝሞተ ሰውነት? እቲ አብ ገሊላን አብ ኵሉ ምድረ ይሁዳን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰውነት? ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንሱ አይኮነን እነብዕሎ ዘሎና። ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ሰውነት ናይ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ሰውነት ክርስቶስ ኢና እነብዕል ዘሎና። ኵላትና እተጠመቕና ናይ እዚ ሰውነት አባላት ወይ ነዚ ሰውነት እንቕውም ኢና። ገለ አባላት እቲ ሰውነት ሕያዋን ጥዑያትን እቲ ሰውነት ክጥዒ እጃሞም ዘበርክቱ እዮም። ካልኦት ከአ ሕሙማት ወይ ካብ እቲ ሰውነት ተፈልዮም ዝኸዱ፥ ወይ ከአ ምሕዋይን ምምጋብን ዘደልዮም እዮም።

ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ክንቀርብ እንከሎና ካህን “ቅዱስ ሥጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ” እናበለ  የቐብለና ንሕና ኸአ “አሜን ብአምን አመንኩ” እናበልና ንቕበል። አብዚ እምነትና ንገልጽ፥ እዚ ንቕበሎ ዘሎና ሰውነት እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ ክርስቶስ ከምዝኾነ ኵላትና አባላቱ ከምዝኾና ንገልጽ። ብኻልእ አዘራርባ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሥጋ ኢና ንምገብ ዘሎና። እዚ ዘገርመና እንተ ኾነ ከምቶም አይሁድ ከመይ ገርካ ሥጋኻ ክንምገብ ትህበና እናበሉ ዝተገረሙ ከምኦም ንግረም አሎና ማለት እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ሥጋ ክርስቶስ አይ ኮናን እንቕበል አብኡ ኢና እንሳተፍ። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ አይኮነትን፥ እታ እንቖርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ አይኮነትን፥(1ቆሮ 10፡16) ይብል። አብዚ ሰውነት ክብል እንከሎ ነቲ ምሉእ ዝተንሥኤ ሰውነት ክርስቶስ እዩ ዘስምዕ ማለት ኢየሱስን ማሕበር ተከተልቱን። ቀጺሉ እታ ሓንቲ እንጌራ ዝተቆርሰትን ዝተዓደልትን ምልክት እያ “ብዙሓት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና ከመይ ካብ ሓንቲ እንገራ ኢና እንሳተፍ” (1ቆሮ 10፡17) ይብል። አብ ብዙሓት እዚ አብ ሓንቲ እንጌራ ምስታፍ ዳርጋ ጠፊኡ ብኻልእ አገባብ ተተኪኡ ንረኽቦ።

እዚ “ሕብረት” ምስ ኢየሱስ ጥራሕ አይኮነን ምስቶም አብ ከባቢና እውን ዘለዉ እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና አብ መንጎ ቅዳሴ ነቲ ባዕሉ ጎይታና ዘስተምሃረና ጸሎት “ነቶም ዝበደልናዮም እቕረ ክንብል” እናበልና እንጽሊ። አብ ነነድሕድና ሰላም ክንብሃሃል ከሎና (አብዚ እዋን ብዙሕ ግዳማዊ እዩ) ሓቀኛ ዕርቂ ገርና አብ ፍጹም ሓድነት ንአቱ። ገለ ሰባት አብ መንግኦም ሰላም ክብሃሃሉ ዘይከአሉ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ቆሪቦም ክቖርቡ ክትርኢ ከሎኻ ነቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ቅድሚ አብ መንበረ ታቦት ምቕራብ ከድካ ምስ ሓውኻ/ሓፍትኻ ተዓረቕ ዝብል ዝዘንግዑ ይመስል።

ልብና ተረሓሒቑ እንከሎ አብ መአዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ከም ሓንቲ ማሕበር ክንርአ አሸጋሪ እዩ። ሓደ ሰውነት ከይኮና አብ ሓደ ሰውነት ክንሳተፍ አይክአልን እዩ። ካብ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ሓደ እንተ ዘይኮና አብ ነነድሕድና ዘይንገዳደስ እንተ ድአ ኮና አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን እውን ሓደ ክንከውን አይንኽእልን ኢና። ሕብረት እንተ ዘይብልና ንዝዕዘብ አብ ቅዳሴ ምምጻእ ከም ሓደ ግላዊ ግብኡ ወይ ግብሪ እንገብር ዘሎና እዩ ዝመስል። ካልእ ከምዘየድልየና ንአቱን ንወጽእን። ገለ ሰባት ደንጉዮም ይመጽኡ ቀልጢፎም ይወጽኡ ወይ እውን አብ መንጎ ይኸዱ ከምዚ አገባብ ነቲ ዝዓርግ ዘሎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክብሪ ዘይምሃብ ነቲ እኩብ ማሕበር ዘይምኽባር እዩ ዘርኢ። ቅዳሴ ብሓባር ጀሚርካ ብሓባር ክውዳእ እንከሎ ጥራሕ እዩ ምሉእ ሓድነትን ሕብረትን ዘልኦ። ብዙሓት ቅዳሴ ነዊሑ አይርድአናን እዩ እናበሉ ይግረምርሙ እዚ ግን ትርጉምን ምስጢርን መስዋዕቲ ቅዳሴ ዘይምፍላጥ እዩ። አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክርስቶስ ባዕሉ ሰዋእን ተሰዋዕን እዩ ነዚ ዝአምን አብ መንጎ ክሓድግ እንከሎ ንኢየሱስ ብባዕሉ ምሕዳግ ስለ ዝኾነ ጥቕሚ ቅዳሴ ዘይምርዳእ እዩ።

ቅድሚ አብ ቅዳሴ ምምጻእና ማሕበር ኮና እንተ ዘይጸናሕና አብ ቅዳሴ ምስአቶና ዝመጽእ ሕብረት የለን። አብ ሓደ ቍምስና መሰረታዊ ዝተፈላለየ መደባት ከምኡ ብዙሕ ፍጻሜታት ዘልኦ አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ግን ዛሕሊ ዘርኢ ምዉት ቍምስና እዩ። መስዋዕቲ ቅዳሴ መለክዒ ናይ ሓንቲ ቍምስና እዩ። ሓንቲ ቍምስና መጠን አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዘልአ ሱታፌ መጠኑ ኸአ ጸጋ ይበዝሓ። ብመንፈስ ድኻ ቍምስና ድኻ ቅዳሴ አልአ። ብመንፈስ ውዕውዕ ቍምስና ድዅም ቅዳሴ ክህልዋ አይክእልን እዩ። ገለ ካብቶም አብ ቅዳሴ ዘይመጽኡ ብቕንዕና ክርአ እንከሎ አብ ቍምስንኦም ሓንቲ ዝጠቕሞም ክርእዩ አይክአሉን ይኾኑ። ቍምስና ሕይወት ክህልዎ ናይ ሓደ ክልተ ሰባት ግብሪ አይኮነን ነፍስወከፍ ምስ ክርስቶስ ዘልኦ ርክብ ርእዩ ክኽእል አለዎ። ታቦት አምላኽ ዝኾነ ልቢ ክነጽሕ ኵሉ ጊዜ ስንድው ኮይኑ ክርከብ አልኦ ሽዑ እቲ ጸጋ አምላኽ አብ ኩሉ ይበጽሕ።

ጽቡቕ ሓበረታ ዘልኦ ዛንታ፡

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ አብ ሓንቲ ቍምስና አባላታ ቍምስንኦም ከም ዝሞተት ዝዛረቡን ዝሓምዩን ዝፈልጠ ቆመስ ስርዓተ ቀብሪ ዘልኦ ቅዳሴ ክገብር አብ ቤተ ክርስትያን ናይ ሬሳ ሳጹን ቀሪቡ ንዅሎም ደቂ ቍምስና ሎሚ ስርዓተ ቀብሪ ቍምስናና አሎ ኢሉ ዓዲምዎም ይብሃል። ቅዳሴ ምስ ተወድአ ቆመስ ንዅሎም ደቂ ቍምስና ተሰሪዖም ነቲ ሬሳ ሳጹን ናይ መጨረሽታ አኽብሮት እናሃቡ በብተራ ክሓልፉ ነጊርዎም። ነፍስወከፎም ነቲ ክፉት ሳጹን ድንን ኢሎም እንተ ረአዩ ገጹ አብ ዓቢ መረጸን ይርኢ ነሩ እቲ ካህን አብቲ ሳጹን ዓቢ መረጸን ገሩ ነሩ። ሞት ቍምስና ናይ ነፍስወከፍ ወዲ ቍምስና ሞት ደአ እምበር ናይ ቆመስ ወይ ናይ ውሑዳት ትጉሃት አባላት ሞት ጥራሕ አይኮነን። ብርግጽ ቍምስናና እንተ መተት፥ ቅዳሴታትና ዘሰልኪ እንተ ኾነ ብምኽንያት ሕማቕ ስብከት ወይ እውን ሕማቕ መዛሙር ወይ ዜማ ጥራሕ አይኮነን። እቲ ጸገም መሰረታዊ ነፍስወከፍ አብ ምማት ቍምስናኡ ዘስዓቦ ጸገም ብመጠኑ አልኦ። ብርግጽ ቆመስና አብ ምምራሕ ዝርከቡ ዝዓበየ ሓላፍነት አልኦም ካልኦት ከአ ዝጻወትዎ ተራ አልኦም። እምብአር ቅድሚ አብ ቅዳሴ ሰንበት ካብ ምኻድ ቅድሚ ምቍራጽና አነ ከም አነ እዚ ጸገም ክወርድ ካሳብ ክንደይ ብሓላፍነት እሕተት ኢልና ንርእስና ክንሓትት አሎና። መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ከሎና ነቲ ቅድሚ 2000 ዓመት ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ጥራሕ አይ ኮናን እንዝክር። መስዋዕትና ብመንፈስ ተዘክሮን ምስጋናን ኢና እነዕርጎ። ነዚ ሎሚ ኮናዮ ዘሎና ከምኡ እንኸውን ዝገበረና መስዋዕቲ እዩ። ሎሚ ከምቲ ጳውሎስ ሓዋርያ ንሰብ ፍሊጲስዩስ ዝበሎ ኢና “አብ ሕማማት ክርስቶስ ክንሳተፍ፥ ምስኡ ክንመውት እሞ ኃይሊ ትንሣኤ አብ ሕይወትና ርኢና ክንክእል። መስዋዕቲ ቅዳሴ ንሕና ክፍሉ ዝኾና ናይ እቲ ህያው ዝኾነ ሰውነት ብዓል እዩ።

ቅዱስ ቍርባን እምብአር ምልክት ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና እዩ። ቅ. ማክሲሚላን ኮልብ ከምዝ ዝጸሓፎ “ አብ ቅዱስ ቍርባን አምላኽ አብ መንጎና ይነብር” ይብል። ምልክት ሓልዮት አምላኽን መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ አምላኽ ዝገልጽ እዩ። ቅ. ጴጥሮስ ጁልያን ኢማርድ ዝተባህለ “ቅ. ቍርባን ዝለዓለ መረጋገጺ ፍቕሪ ኢየሱስ አብ ተኸተልቱ እዩ፥ ልዕሊዚ ወላ ሓንቲ የለን መንግስተ ሰማይ እዩ ዘሎ” እናበለ ይገልጽ። ኢየሱስ አብ ቅ. ቍርባን አሎ በዚ ምኽንያት አብ መንበረ ታቦት ብአኽብሮት ንሕዞ።

ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል እንከሎና ታቦቱ ንኸውን። ቅ. ማክሲሚላን ኮልብ “መላእኽቲ ብአና ክቐንኡ እንተድአ ኾይኖም ብሓደ ነገር ጥራሕ እዩ ንሱ ኸአ ብቅዱስ ቍርባን እዩ” ይብል። ስለዚ ማኅደሩ ዝኾነ ልብና ቅዱስ ገርና አንጺሕና ክንሕዞ ይግብአና። ክንቅበሎ ከሎና ንአኡ ዝግባእ አቀባብላን አኽብሮትን ገርና ክንቅበሎ ይግብአና ኃጢእና ወዲቕና ከሎና ክንቅበሎ አይግባእን።

ከመይ ገርና ቅዱስ ቁርባን ክንቅበል ይግብአና፡

ካብ ዓቢ ኃጢአት ነጻ እንከሎና። ምስ ዓቢ ኃጢአት እንከሎና ክንቅበል አይግባእን። ጳውሎስ ከም ዝብለና “ከይተግብኦ እንጌራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዝሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። እምብአር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ቅድሚ ምስታዩን ንርእሱ ይመርምር፥ ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈልጠ ዚበልዕን ዚሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዜምጽእ” (1ቆሮ 11፡27-29)።
ነቲ ቤተ ክርስትያን እትህቦ መምርሒ ክንክተል አሎና። ንዝኾነ ንእምነትና ዝርኢ መምርሒ እትህበና ቤተ ክርስትያን እያ ስለዚ ንሳ ዝመሃረቶ ክንቅበልን ክንሰምዕ ይግብአና። ንቅዱስ ቍርባን ብዝርኢ በብእዋኑ መምርሕን ትምህርትን ትህበና እያ፥ ንአብነት “አብ ልቲኡ መልክዕ ማለት አብ ሥጋኡን ደሙን አብ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ ብርእሱ ብነፍሱን ብመለኮቱን ብሥግኡን አሎ” “መስዋዕቲ ቅዳሴ ናይ ሓቂ መስዋዕቲ እዩ” . . . . ዝብል ንረክብ።
ብሥጋን ብነፍስን ተሰናዲና ክንቆርብ ይግባእ። ንዝሓለፍን ዘሎን ሕይወትና ክንርኢ እሞ ሕይወትና ክነሰናዱ አሎና።
ሕብረት ሓድነት ክህልወና ይግባእ። መአዲ ቍርባን መለልይኡ አብ ሓደ ምዃን እዩ እዚ ኸአ አብ መንጎና ዝኾነ ግዳማውን ውሽጣውን ፍልልያት ክህሉ አይግባእን። ቅዳሴ ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን አኮቴት እዩ ስለዚ ሓድነት መንፈስን ግብርን ክህልወና ይግባእ።

ቅዱስ ቍርባን እምብአር ብርእሱ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ክንቅበሎ ምስኡ ክንወሃሃድ ይግብአና። ነቲ “ቍረብ ዝብል ሕጊ ቤተ ክርስትያን ክንኽብሮ ይግብአና”። ብዝኾነ ምኽንያት ሕጊ ጥሒስና እንተሎና ባዕልና ኢና ክንክልከል ዘሎና። ናይ እምነት ጉድለት እንተሎና ብዘይ ቃል ኪዳን እንነብር እንተ ኾና ብሓፈሻ አብ ኃጢአት ከሎና ክንቅበል አይክአልን እዩ። ብንስሓ ኃጢአትና ሓጺብና ጥራሕ ኢና ክንቆርብ ዝግብአና። ከይተናዘዝካ ምቕራብ አብ ርእስና ዝገደደ በደል ኢና እንፍጽም ስለዚ ቅድሚ ምቕራብና ክነጽሕ አሎና። ነዚ ክንገብር ክንጽሊ ክንሳሕ ጸጋኻ ሃበኒ ክንብሎ ይግባእ።

ኦ አብ ቅዱስ ቍርባን እትነብር ኢየሱስ አምላኽና “ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኺደና” ባርኸና እንጉዓዞ መገዲ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ ሓግዘና ንበሎ።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.