2018-06-05 15:57:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ ሞራውስኪይ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ


ዕለት 4 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፖላንድ መራሔ መንግስቲ ማተዉሽ ሞራውስኪይ ኣብ ሓዋርያዊ መበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ መራሔ መግስቲ ፖላንድ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ገላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን እንገዳ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ዘተ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምስንዳው ናይ ሕቡራት መንግስታት  ዓለም ዋዕላ ኮቶዊቸ ኣብ ምዝዛም 2018 ዓ.ም.

ኣብቲ ብልባዊ ምቅርራብ ተሰንዩ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መበርን ሃገረ ፖላንድን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተሰመረሉን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ሓላፍነት ኣብ ምኽባር ዝቖመ ናይ ቤተክርስቲያንን መንግስቲ ፖላንድን ዝኽተሎ ተግባር ዘነጸረ ህልው ክሌኣዊ ምትሕብባር እውን ኣዚዩ ዝነኣድ ምዃኑ ተመልኪቱን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከት ፖለቲካን ምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ኣብ መወዳእታ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ከተማ ካቶዊቸ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ውድብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ስነ ምግባር ዝምልከቱ ሕቶታት ዘማእከለ ዝርርብ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ምእንጋድ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን

ኣብ መወዳእታ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ካብ ቀረባ ህገረ ኡክራይን ዝስደዱን ዝመዛበሉን ዜጋታት ምእንጋድን ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ፖላንድ ዘካይዶ ጻዕሪ ዝጠቐሰን ብተወሳኺ ኤውሮጳውን ዓለም ለኻውን ዝምልከቱ ኩነታት መሰረት እውን ዝርርብ ምክያዱ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.