2018-06-05 16:05:00

ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝፍጸም መርዓ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ክግበረሉ ቅዱስ ኣቦና ይሓትቱ


ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ክዓሙቕ ዝግብኦ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ካቶሊካዊ ምእመን ዝፍጸም መርዓ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍካሬ ክበርሃሎም ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘቕረቦ ሕቶ መሰረት እቲ ዝምልከቶ ቅዱስ ማሕበር ናይ መብርሂ መልሲ ሂቡሉ።

መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ከኽብርዎ ትሑዛት ዝዀኑሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ካቶሊካዊ ምእመን ዝፍጸም መርዓ ብትኽክል ዝምልከት ናይ መምርሒ ሕጊ ክሳብ ዝጸድቕ ክጽበዩ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ከምዘተሓሳሰበ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እቲ ቅዱስ ማሕበር ብስም ቅዱስ ኣቦና ናብ ጀርመን ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብዛዕባ እቲ ስንኩፍ ርእሰ ጉዳይ ንሱ ኸኣ እቶም ቃል ኪዳን ዝኣስሩ ምእመን ፖሮተስታንት ካቶሊካዊ ምእመን - ነዚ ሕንፉጽ መርዓ ዝነብሩን ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እቲ ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድ ወይ ዘይምፍቃድ ዝብል ውሳኔ ነቲ ኣብ መንጐ ፖሮተስታትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝበጽሖ ደረጃ ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምዘመልከተ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳኣት መርገጺ

ኣብ መንጐ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመንን ካቶሊክ ምእመንን ክፍጸም ዝኽኣል ቃል ኪዳናዊ መርዓ ብሕገ ቀኖና ተፈላጥነት ዝወሃቦ እውን እንተዀነ እቲ ዝወሃቦ ተፈላጥነት ዝተወሰኑ ኵነታት ከም ቅድመ ግምት ዘንብር እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ኣብ ናይ ሓድነት ኣሰር ክርስቶስ ምጉዓዝ፡ ሕንፉጽ መርዓን ናይ ሓባር ምስታፍ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ሰነድ ብኣብላጺ ድምጺ ከምዘጽደቖን፡ እዚ ዝጸደቐ ሰነድ ነቲ ምስ ካቶሊክ ምእመን ዝተመርዓወ ወይ ዝተመርዓወት ምእመን ፖሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ቅዳሴ ምስ ቆሞስ ብምዝርራብ ኣብ ቁዱስ ቁርባን ሱታፌ ክህልዎ ዝከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ እዩ።

ውሳኔ ናይ ሰበኻ ጳጳስ እዩ ዝኸውን

እቲ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ክርስቶስ ብሓባር ኣብ ናይ ሓድነት ኣሰር ክርስቶስ ምጉዓዝ፡ ሕንፉጽ መርዓን ናይ ሓባር ምስታፍ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ሰነድ ናይ ድጋፍ ድምጺ ዘይሃቡሉ ሸውዓተ ብፁዓን ጳጳሳት ቕዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ሰነድ ሓሳቦም ክገልጹ ዝሓትት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ምስ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ሕጊ ሰነዳት ጉዳይ ዝሓልፍ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ክመኽሩ ከምዝገበሩን ነዚ ስዒቡ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነቲ ሰነድ ብጥልቂ ዘብርህ ካልእ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክፍጸም ምዃኑ ሓቢሩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቶም ፕሮተስታትን ካቶሊክ ምእመናን ሰብ ሓዳር ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ንምፍቃድ ኩነታቱ ገምጊሙን ኣስዒቡ ውሳኔ ምሃብ ናይ ጳጳስ ውሳኔ እዩ ዝብል ርእይቶ ከምዝሃበሉ የመልክቱ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.