2018-06-07 16:52:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ዘፍጥረት ጸጋ እምበር እትውንኖ ጥሪት ኣይኰነን


ካብ ዕለት 5 ሰነ ክሳብ ዕለት 8 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣተንስ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዛዕባ ምህዳር ዝዝትይ ካብ ናይ መንግስትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ስነ ምህዳር ሊቃውንትን ሓለይትን ብጠቕላላ 250 ተጋባእያን ናብ ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ንመላእ ተጋባእያንን ዘፍጥረት ጸጋ እምበር እጂ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ክንክን ዘፍጥረትን ንድኻታትን ዝተናዕቁን ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ምግባር ዘተባብዕ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ብዘለዉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ከምእተነበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዘደንቕ ግሩም ተፈጥሮ ባሕሪ ማይ ንመዲትራኒያን እናሓሰቡ፡ ንናይ ብዙሓት ዜጋታት፡ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ናይ መቓብር ስፍራ ኰይኑ ናብ መቓብር ስፍራ ተለዊጡ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ከምዝበሉን፡ ኣብቲ ናብ ሓምላይ ዋልድቢት፡ ዕቃበ መሬትን ሓለዋ ንሕዝባን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ዛዕባ ምህዳር ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦሎሩንፈርሚ ኦናየካን እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ዘተሓሳስብ ክስተት ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ደሴት ለስቦ ብሓባር ምስ ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ብፁዕነቶም ሃይሮንይሞስ ዳግማውን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሎሚ እውን ኣብ ልቦም ህያው ምዃኑ እናሓሰቡ፡ እቲ ምብጻሕ ከኣ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኩነት ንዘሎ ናይ ሓባር ስክፍታ ንምግላጽ ዝብል ከምዝነበረ ጠቒሶም፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ እቲ ግሩም ሃብቲ ማይ ባሕሪ ናብ መቓብር ስፍራ ተቐይሩ ናይቶም ብዝተፈላለየ ጸገም ተደሪኾም ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ንኽስደዱ ንዝፍትኑ ናይ ብዙሓት ደቀተባዕትዮን ደቀንስትዮን ሕጻናትን መቓብር ተለዊጡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኦም ከምዝወለደ እውን ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ከኣ ዋላ’ኳ ብቅልውላው ኤኮኖምን ብተምሳል ቁሳዊ ቅልውላው እውን ዝተጠቕዔ እንተዀነ እዚ ኵሉ ከም መሰናኽል ከይረአየ ሕዝቢ ግሪክ ናይቲ ሰብኣውን ክርስቲያናውን እውን ዝዀነ ዕሴት ለጋስነት ብምንባር ዘርእዮ ዝነበረን ዘርእዮ ዘሎን ሰናይ ተግባር ከምዘስተውዓሉ ኣጽኒዖም ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ዘፍጥረት ጸጋ እምበር ተወናኒ ንብረት ኣይኰነን

ኣብቲ ኣብ ለስቦ ኣብ ዘካየድክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብቐረባ ዝተመከርዎ ናይ ብዙሓት ዘሕዝንን ከቢድን ሰብኣዊ ኩነት እቲ ኣብ ኣተንስ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤን መርሕ ቃሉን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት የመላኽት ስለዚህ፡ ስንኩፍነት ናይ ጉኡዛውያን ነገራትን ተነቀፍትን ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ብምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየር ምኽንያት ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብጭቡጥነት ፈልዩ ዝምልከት ከምዘይኰነ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ መጻኢ ትውልዲ ኣብ ዝዓነወት መሬት ንኽነብር ንዀንኖ እውን ከምዘሎና የመላኽት ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠና ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን፥ ቅዱስነቶም ነዚ ብምስትውዓል፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኽሰት ዘሎ ቅልውላው ምህዳር ዕቱብ ሓቀይናን ናይ ሕልና መርመራ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ፡ ነቶም ድሕሬና ንዝመጹ ወለዶን ነቶም ዝዓብዩ ዘለዉ ሕጻናትን መንእሰያትን እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሓዲግና ክንሓልፍ እንደልይ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ክንክን ዘፍጥረት፡ ዘፍጥረት ጸጋ እምበር እትውንኖ ጥሪት ከምዘይኰነ ዝብል እማኔ የመላኽት፡ እዚ ኸኣ ናይ ኩሉን ንኹሉን ሰብኣዊ ፍጥረት ጸጋ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ብሓባር ኣብ ክንክን ዘፍጥረት

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 1 መስከረም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት ብሓባር ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዘፍጥረት ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዓቢይ ድብሆ ምዃኑን፡ ንክርስቲያን እቲ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ መበቆል ኣብ ቅልውላው መንፈሳውነት ምዃኑ ተኣሚኖም፡ ብጽኑዕ ምትሕብባር ብቑዕ መልሲ ምሃብ ዘየወላውል ምርጫ እዩ ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም፡ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘፍጥረት ኣብዚ መዳይ ኣንፈት እዩ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ ዘፍጥረት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ናይ ሓባር ሻቕሎትናን ብሓባር ነዚ ስንኩፍ ጸገም ንምግጣምን ብሓባር ምዕያይን ዘለዎ ኣገዳስነት ስለ ዘነጽር። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሳኹም ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ሓቢራ ክትዓይን ክትጓዓዝን ምዃና አረጋግጽ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን፡ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ብሓባር ምስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ኣብ ከባቢያዊ ድዩ ብብሔራዊ ሓቆፍን ዓለም ሓቆፍን ደረጃ ዘፍጥረት ኣብ ምክንኻንን ተቐባልነት ንዘለዎን ንኵለንተናዊ ምዕባለ ሓቢሮም ክነጥፉ ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብረኤላ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.