2018-06-09 15:54:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንመበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ንዘብዓሉ ንቲዮሎጊያ ሊቅ ጉቲየረዝ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 8 ሰነ መበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ንዘብዓሉ ተወላዲ ፐሩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ጉስታቮ ጉቲየረዝ ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩምን ጸሎትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቲዮሎጊያን ቆላሕታ ንድኻታት

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዕለት 28 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅድም ኣቢሎም ነቶም ዕለት 8 ሰነ 2018 ዓ.ም. መበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ነዝብዓሉ ተወላዲ ፐሩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባል ማሕበር ዶመኒካውያን ኣባ ጉቲየረዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እዞም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ገዳማውን ንድኻታትን ኣብ ሕዳገት ንዝተነጸሉ ከም ውዳቕ ንዝሕሰብ ርሱዓት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ዝብሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስነቶም ግላዊ ጸሎቶም ብፍላይ ኣብታ ዕለት 8 ሰነ ፍልይቲ በዓለ ልደቶም ዘብዕሉላ ዕለት ስሌኦም ከምዝጽልዩ ብምርግጋጽ፡

ናይ ወንጌል ሓሴት ምስክር

ኣባ ጉቲየረዝ ጻዕሮም ንናይ ኩሉ ሕልና ዝትንክፍን ዝሓትትን እዚ ኸኣ ማንም ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ጸገም ስቓይን ናይ ድኻታትን ዝተነጸሉን ዘይግደስ ኰይኑ ከይተርፍ ሕልና ብምንቕቓሕ ድኻታት ንነፍሲ ወከፍና ኣነባብራን ኩነትን ዓቢይ ናይ ህልውና ሕቶ ምዃኖም ብምሕባር ዝፍጽምዎ ቲዮሎጊያውን ምስክርነትን ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ጸሎት ብምግባር ብቓልን ሕይወትን ኣብ ዝምስክርዎ ናይ ወንጌል ሓሴት ክብርትዑ ሓደራ ከምዝበሉን ኣብ ጸሎቶም እውን ዝኹር ምዃኖም ከምዘረጋገጹሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.