2018-06-09 16:07:00

ቅዱስ ኣቦና ምስ ስካንዲናቪያን ብፁዓን ጳጳሳት፥ ምእንቲ ሓድነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን መንእሰያትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን Visita ad Limina ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያኖም ክዝትዩን ክመኽሩን መርሕ ቃል ክቕበሉን ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገራት ስካንዲናቪያን ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 8 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ሻርሎታ ዝመድስ ሓቢረን።

እቶም ናይ ፊንላድን ሽወደንን ደንማርክን ኣይስላንድን ኖርወይን ሃገራት ዝጥርንፍ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብዘን ሃገራት ካቶሊክ ምእመን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ብዝኣትዉ ስደተይናታት ምኽንያት እቲ ቁጽሪ ምእመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብ ይብል ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ዓቢይ ብድሆ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዘን ሃገራት እቲ ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘወግድ ባህሊ ክኸውን እንከሎ ኣብ መዳይ ብሓድነት ዝኣመተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ኣበርቲዓ ትዓዪ ምዃና ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ዝመድስ ኣስዒበን፥ ናይ ሰበኻ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦረሊኡስ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ አምሕትት፡ ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ብዛዕባ መንሰያትን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን ጸዋዕታን እምነትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ዝተጸውዐ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብምምዕዳው ኰይኑ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ እውን ምክያዱ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.