2018-06-09 15:51:00

ዕለት 28 ሰነ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላትን ዕለት 29 ሰነ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምብራኽ ኣክሚምን


ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ ሊጡርግያ ቤት ጽሕፈት ዕለት 28 ሰነን ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፍጽምዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ብወግዒ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ማለት ዕለት 28 ሰነ ብናይ ሮማ ስዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተ ወግዓዊ መደበይና ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክፍጽሙን ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ስነ ስርዓት ምብራኽ ኣክሚም ክፍጽሙ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራድዮ በነደታ ካፐሊ ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ ሊጡርግያ ቤት ጽፈት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሰን የመልክታ።

ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት

ዕለት 20 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብሉ ዕለት፡ ዕለት 28 ሰነ  ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መደበይና ወግዓዊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብምክያድ ን 14  ብፁዓን ጳጳሳት ካርዲናል ቢሎም ክሰምዩ ምዃኖም ሓቢሮም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ዓመታዊ ክብረ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ብብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሓደስቲ ሜጥሮፖሊታ ዝወሃብ ኣክሚም ክባርኹ ምዃኖም ጳጳሳዊ ናይ ሊጡርጊያ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሰን የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.