2018-06-09 12:46:00

፫ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ሰነ 3 2010 ዓ.ም. (6/10/2018)


ንባባት፡ 2ቆሮ 4፡13-5፡1፥ ፩ዮሓ 2:20-29፥ ግ.ሓ. 10፡36-ፍ፥ ማር 3፡20-35  ምስባክ፡ “ልበ ንጹሃ ፍጠር ሊተ እግዚኦ፥ ወመንፈስ ርቱዕ አሓድስ ውስተ ከርስየ፥ ­ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ”። መዝ 51፡10

መዝሙር፡ እግዚአብሔር መለኸት እናተወቕዐ ዓረገ፥ ቀርኒ ዝብጦ እናተወቕዐ ብተሓጓስ አብ የማን አብኡ ዓረገ፥ አብ ሰማያት ዓረገ መላእኽቲ ተአዘዝዎ፥ ኩሎም ሓይልታትን ኩሎም ፍጥረታትን ተገዝእዎ፥ ንኣምላኽና ዘምሩ፥ ንንጉሥና ዘምሩ ዝብል ንዝምር።

አብ ስርዓት ሃገርና ዘሎናዮ ዘመነ ዕርገት/ዘመነ ጰራቅሊጦስ ይብሃል። ናይ ሰናበቱ መዝሙር ከአ ነዚ አብ ግምት ብምእታው እዩ ዘስተንትን። ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ፥ መልእኽትን ኩሎም ኃይልታትን ከም ዝግዝእዎ እናዘከረ ንሕና እውን ምስኦም ኮና ክንዝምር ክንሕጎስ ይዕድመና። ድሕሪ ዕርገት ንብዙሓት ኢየሱስ ካብኦም ዝተፈለየ ኮይኑ ይርአዮም ነሩ እንተ ኾነ ከም ዝበሎ ዘኽታማት ኮንኩም አይሓድገኩምን እየ ወትሩ ምሳኹም አሎኹ ኢልዎም ነሩ። ስለዚ ድሕሪ ዕርገቱ ብዝበለጸ አብ ማእከሎም ከምዘሎ ክአምኑ እሞ ምስኡ ክነብሩ እዩ ድላዩ። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ምስኡ ክንእህሉ ክንአምን እግዚአብሔር ምሳይ አሎ ኢልና ክንአምንን እሞ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ ንሕተት አሎና።

አብ መቕድም ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማር ዝተነበ “ኢየሱስ አብ ቤት ምስ አተወ” ዝብል ነንብብ። አብ ካልእ አብ ማቴ 8:20 ወኻሩ ጕድጓድ አለወን አዕዋፍ ሰማይ ድማ ሰፈር አለወን ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዚጽግዓሉ እኳ የብሉን ዝብል ነንብብ። አብዚ ክንርእዮ ከሎና እዚ ቤት እቲ ኢየሱስ ዝአተዎ ዝኾነ ቤት ክኸውን ይኽእል ወይ ከአ አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ከስምዕ ይኽእል። ኢየሱስ አብ ወንጌል ደጋጊሙ ከም ዝገልጾ አብ ቤት ሓዋርያቱ ከምኡ ካልኦት ከቢቦሙ ይሰምዕዎ ከም ዝነበሩ ይነግረና። እዚ ናይ መን ምዃኑ ዘይግለጽ ቤት አምሳል ቤተ ክርስትያን ክኸውን ይኽእል እዩ። አብ ቤት ኢየሱስ ሕሙማት ይፍውስ፥ ቃል አምላኽ የስምዕ ይሰብኽ ከምኡ አጋንንቲ የውጽእ፥ ሰባት አብ ቤት መጺኦም ምስኡ ይራኸቡ (ኒቆዲሞስ) ስለዚ ቤት ኩሉ ዝግበረላ እያ በዚ ኸአ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ ንብል። አብ ቤተ ክርስትያን ኩሎም ምስጢራት ንዕደል ቃል አምላኽ ንሰምዕ ልዕሊ ኹሉ ኸአ ኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን ሥጋኡን ደሙን ንካፈለሉ ብሓደ ንአምላኽ እነመስግነሉ ቅዱስ ቤት እዩ።

ኢየሱስ አብ ቤት ምስ አተወ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝመጽኡ እንጌራ ክሳብ ምብላዕ ዝእስእኑ ከም ዝተአከቡ ይነግረና። እዚ ብምርአይ አዝማዱ ገሊኦም ተሓጒሶም ክኾኑ ይክአል በቲ ዝገብሮ ዝነበርን ብዝናኡን፥ ብአንጻሩ ኸአ ገለ ዓቢዱ እዩ ክብልዎ ሰሚዖም ኪኅዝዎ መጹ። ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ይገርጮ ስለ ዝነበረ ከም ዝዓበደ ገሮም ክወስድዎ ጀሚሮም (እዚ ነቲ አብ ወንጌል ዮሓንስ ብዛዕባ እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ እሞ ኢየሱስ ዘሕወዮ ወልዱ ወዶም ከም ዝኾነን እሞ ከም ዝሓወየ ከረጋግጹ ፈሪስውያን ምስ ሓተትዎም ክንድሰብ አኺሉ እዩ ባዕሉ ንርእሱ ወኪሉ ክዛረብ ይኽእል እዩ ዝበሉ የዘኻክረና (ዮሓ 9፡፡18-23)። ንኢየሱስ ዓቢዱ እዩ ዘበሎም ሓደ ብሓቂ ጥዑይ “ራባይ መምህር” ምስ ኃጥአንን መኽፈልቲ ቀረጽን፥ ዝሩጋትን፥ ለምጻማትን ፍንፉናትን ክቕመጥ እሞ ሕጉስ ክኸውን አይ ክእልን እዩ ዝብል እምነት ሰለ ዝነበሮም እዩ።

ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መማህራን ሕጊ ድማ ብኤል ዜቡል ኂዝዎ አሎ ነጋንንቲ ብሓለቓ አጋንንቲ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ በሉ። ካብዚ እንምሃሮ ኩልና ሰዓብቲ ኢየሱስ ከምቲ ንሱ ዝተባህሎ ክንብሃል ከም ዝኾና አብ ሕይወትና ሰባት ዝብልዎ ብዘየገድስ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ይግባእ። ዓይኒ ሰብ ፈሪሕና ወይ ከአ ወገንነት ዓርከይ ዓርክኻ አጥቂዕና ንሓቅን ንነገር እምነትና ክንጠልም የብልናን። ብርግጽ አብ ገለ እዋን በዳሂ ንሕወትና ዘፍርሕ ክገጥመና ይኽእል ይኸውን እንተ ኾነ ዝመጽአ ይምጻእ ቅድሚ እምነትና ዝስራዕ ነገር ከም ዘየሎ ክንፈልጥ አሎና።

ካብ ሰባት ክብሪ ወይ ከአ ዝና ደሊና ንእምነትና አብ ዋጋ ዕዳጋ ከይነእቱ ምጥንቃቕ የድሊ። እምነት ተነቃፊ ብቐሊል ክንቅይሮ እንኽእል ጉዳይ እዩ። አብ ገለ እዋን አብ ጥቕምን ይጥዓመንን ተመርኲስና ገለ እዋን ከአ ዝነፈሰ ንፋስ ጸልዩና ነቲ ሓቀኛ እምነት ሓዲግና ምስ ዝነፈሰ ክነፍስ ንኽእል ኢና ስለዚ ክነስተውዕል የድሊ። መሰረት ነገራት ጽቡቅ ገርና ክንርዳእ አሎና።

ክሳብ ሕጂ ዝረአናዮ ኢየሱስ ብመራሕቲ ሃይማኖት ከም ሕጊ ዘፍርስ ከም ዝተራእየ እዩ። ሕጂ ኸአ ሓዲሽ ሽጣራ ክምህዙ እሞ አብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ዝፈሽል ክገብሩ ክጽዕሩ ንርኢ። ክልተ ክስታት ክምስርቱ ንርኢ።

ሰይጣን እሞ ብሓለቓ አጋንንቲ ሒዝዎ አሎ ኢሎም። ነጋንንቲ ብሓለቓ አጋንንቲ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ በሉ።

ኢየሱስ ነዚ ክሲ ክምልስ እንከሎ አብቲ ዝበልዎ መሰረት ገሩ እዚ ዝብልዎ ነነድሕዱ ከም ዝጻረር ይገልጸሎም። ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኼውጽኦ ይኽእል፥ ነሓድሕዱ እንተ ተቋወመ ከምቲ አብ ነነድሕዳ ዝተፈላለየት ስድራ እትወድቕ ከምኡ ክወድቕ ክዓኑ እዩ ኢልዎም። ኢየሱስ ንሓደ ሰብ ካብ ሰይጣን ነጻ ክገብሮ እንከሎ ሓራ ይገብሮ ካብ ዝኾነ ናይ ሰይጣን ኃይሊ ነጻ ይገብሮ። ሰይጣን አብ ነነድሕዱ ከምዚ ኽገብር አይክአልን እዩ ስለዚ እዚ ክሲ ዝገራጮ እዩ።

ኢየሱስ ቅጽል አቢሉ ሓደ ክብድ ዝበለ ሓሳብ ነጊርዎም፥ “ንደቂ ሰብ ኵሉ ኃጢአትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪኅደገሎም እዩ፥ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸርፍ ግና ንዘለዓለም ኵነኔ ደአ ይኾኖ እምበር ፈጺሙ አይኅደገሉን እዩ” (ኁ 28-29) ኢልዎም። ስለምንታይ እዩ እዚ ኃጢአት ጥራሕ ዘይሕደግ? ምሕረት አምላኽ ዘይውዳእን ልዕሊ ኹሉን ዘይኮነን?

መንፈስ ቅዱስ ናይ ኩሉ ጽቡቅ ነገር ምንጪ አብ ኢየሱስ፥ አብ ደቂ ሰብን አብ ዓለምን እዩ። አምላኽ አብ መንጎና ህያው ዝኸውን ብመንፈስ ቅዱስ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ማለት ፈሊጥካ ተረዲኡካ ነዚ ናይ አምላኽ ህላዌ ምንጻግ እዩ፥ ከምቲ ፈሪሳውያን ነቲ ኢየሱስ አብ ቅድሚኦም ዝገብሮ ዝነበረ ተረዲኦም ዝነጽግዎ ዝነበሩ እዩ። እቶም ህዝቢ ክርእይዎን ክቕበልዎን ዝኸአሉ ክርእዩ አይክአሉን።

ሓንሳብ አብ ሕይወትና ንአምላኽ ከይንርኢ ልብና ሕይወትና ምስ ዓጾና ከመይ ገሩ አምላኽ እሞ ክአቱ። አምላኽ ነቶም ምሕረቱ ደልዮም ብምሉእ ጣዕሳን ንስሓን አብኡ ገጾም ዝጉዓዝ እዩ ዝቐርብን ዝምሕርን። እቲ በታኒ ውሉድ አብ ልቡ ተመሊሱ ጉዕዞ ንስሓ ምስ ተተሓሓዞ እዩ አብኡ ብርሑቕ ክቕበሎ ዝወጸ። ምሕረት ምስ አምላኽ ዕርቂ እዩ፥ ቍስልና ምሕዋይ እዩ። አምላኽ ንሓደ ካብኡ ልቡ ዝዓጸወ ክበጽሖ ክቐርቦ አይክእልን እዩ። ብኃይሊ አብ ልቡ ክአቱ ኸአ አይደፍርን እዩ። ፍቕሪ ፍቕሪ አይኮነን አብ ነጻነት ዝተመስረተ እንተ ዘይኮነ። አንጻር እዚ እቲ ሰብ ዝመርጾ ንነጻነት ዝዕንቅፍ እዩ። እዚ እዩ እቶም ብዙሓት ጸሓፍትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝመረጽዎ። ሎሚኸ ንመገዲ ጸጋም ዝመርጹ ንአምላኽ ሓዲጎም አብ ርእሶም ጥራሕ እምነት ገሮም ዝጉዓዙ አለዉናዶ? ዓለምና ሎሚ መገዲ አምላኽ ጠፊእዋ ንመገዲ ጥፍአትን ኩኔኔን ብዝቐልጠፈ ናህሪ ትጉዓዞ አላ። ንሓቂ ዝጸቅጥ በዚሑ፥ ዝጠልም ዝኽሕድ አብ መገዲ ሰይጣን እንከሎ ፀሓይ እትዓርቦ እናበዝሐ ይኸይድ አሎ። እንታይ ንግበር ክንብል እዋኑ እዩ። አብ አምላኽ ንመለስ ንነሳሕ ጸሎት ንፍቶ ንሓውና ከም ነፍስና ነፍቅር ሽዑ ምሕረት ክወርደና እዩ።

ማርቆስ ወንጌላዊ ቀጺሉ አብዚ ጽንኩር እዋን አዝማድ ኢየሱስ እውን ተሸጊሮም ከም ዝመጽኡ ምስ ፈሪሳውያንን መራሕቲ ህዝብን አብ ከቢድ ጽልኢ ከምዝአቱ ዘሎ ርእዮም ክወስድዎ ከም ዝመጽኡ ይነግረና። አብቲ ኢየሱስ ዘስተምህረሎ ዝነበረ ቤት መጺኦም አብ አፍደገ ኮይኖም ልኡኽ ሰዲዶም ከምዝደልይዎ ነጊሮሞ። “አዴኻን አኅዋትካን አብ ወፃኢ ቖይሞም ይጽውዑኻ አለዎ” በልዎ። ኢየሱስ ነዚ ሕቶ ክምልስ እንከሎ “አደይ መን እያ፥ አኅዋተይከ ብዓል መን እዮም፥ ነቶም አብ ዝርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ አደይ አኅዋተይንሲ እነዉ፡ ነዚ ከበራርሃሎ ኢሉ ኸአ “ኃወይን ኃብተይን አደይንሲ ፍቓድ አምላኽ ዚገብር ዘበለ ኹሉ እዩ” በሎም።

አብዚ አዝማድ ኢየሱስ ክልተ ጊዜ አብ “ወፃኢ” ከም ዝነበሩ ይነግር። ወፃእተኛታት እዮም። እቶም አብ ዝርያኡ ዝነበሩ ደቂ ቤተ ደቂ ውሻጠ እዮም። አብዚ ኢየሱስ ዝሕብሮ ዘሎ ወዲ ውሽጢ ምዃን ናይ ቦታ ጉዳይ አይኮነን እቲ አብ መንጎ ዘሎ ርክብ እዩ ዘመልክት። እዚ ርክብ ብዝምድና ዘይኮነ ምስ መገዲ ኢየሱስ ዘሎካ ሓድነት እዩ ዘመልክት። ክርስትያን ማለት አብ ሓዲስ ስድራ ካብቲ ብትውልዲ ዝመጽእ ዝምድና ዝጸንዐ ርክብ ዘለዎ ኩሉ ከም ሓውን ሓፍትን ዝርአየሉ እዩ። ወዲ ውሽጢ ዝብሃል ኩሉ ድላይ አምላኽ ዝገብር እዩ። አብዚ ነቶም ክርስትያን ዘይኮኑ እውን የጠቓልል እዩ።

አብዚ ሓደ ዘሰክፍ ነገር ብዛዕባ ናይ አደ ኢየሱስ ኩነታት እዩ። ወላ ንሳ እውን ካብቶም ወጻእተኛታት ድያ? እቲ መልሲ ምሉእ ብምሉእ አይንኮነትን። ቅ. ሉቃስ ከም ዝሕብረና መልእኽ እግዚአብሔር አደ አምላኽ ክትከውን ምስ ነገራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ሕራይ ኢላ። እኔኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ በለቶ። እዚ እዩ እቲ ምሉእ ብምሉእ አብ ኢድ አምላኽ ተአሙኖታ ዝገለጽትሉን አብ ኩሉ ዝገጠማ ከቢድን ጽንኩርን እዋን ካብ ዝበለቶ ፍንክት ከይበለት ናይ ሓዘን ኲናት ልባ ክወግአ እንከሎ ጸኒዓ እቲ ሓደ ወዳ ብኲናት ልቡ ክውጋእ እንከሎ ደው ኢላ ትርኢ ነራ። ክሳብ መጨረሻ ምስኡ ደው ኢላ አብ መወዳእታ ከአ አብ ሓጎስ ትንሣኤኡ ምስኡ ተኻፊላ።

አብ ሓደ አጋጣሚ (ሉቃስ 11፡27-28) ማርያም አደ ኢየሱስ ብምዃና ዝረኸበቶ ጸጋን በረኸትን ሓንቲ ካብቶም ህዝቢ ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጠቦኻየን አጥባትን ብፁዓት እየን ኢላ ምስ ነአደት አብ ዝሃቦ መልሲ ብፁአንሲ እቶም ንቓል አምላኽ ዚሰምዕዎን ዝሕልውዎን ደአ እዮም በላ። ስለዚ ማርያም አብ ውሽጢ አብ ማእከለ ዘላ እምበር አብ ወጻኢ አብ አፍደገ ዘላ አይኮነንትን እዚ ኸአ አደ ኢየሱስ ስለ ዝኾነት አይኮነትን እንታይ ድአ ምስ ተልእኮኡ ምሉእ ብምልኡ ሓደ ስለ ዝኾነትን ክሳብ መጨረሻ ብእምነት ምስኡ ስለ ዝተጓዕዘትን እዩ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ንሕና እውን እሙናት አብ ኩሉ ኮና ንዝጓነፈና ፈተና ስዒርና መስከርቲ ወንጌልን ብፍቕሪ ዝተጠመርና ክንከውን ብማርያም አቢልና ነቲ ኩሉ ዘይስአኖ አምላኽና ንለምኖ ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ብሩኽ ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ       








All the contents on this site are copyrighted ©.