2018-06-13 15:37:00

ኣብ ሃገረ ቫቲካን፡ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ስደተይናታት ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ


ብዛዕባ ክስተት ስደተይናታትን ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ስደተይናታት ዝነዝሕዎ ስግኣታዊ ሓበሬታ ነቲ ሕዝቢ ብዛዕባ ስደተይና ዘለዎ ርእይቶ ንኽመሓየሽ ዘይድፍ ፍርሒ ዘስፍሕ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰዘን ዘይብቑዕ ኣገልግሎት ይህብ።

ብዛዕባ እቲ ዕለት 14 ሰነ 2018 ዓ.ም.  ንኽካየድ ዝተወሰነ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ሳሊዚያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ምርምር መራኸቢ ብዙሓን መምህር ፕሮፈሰር ፓውሎ ስፒንገቲ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከቱ ብብሔራዊ ድዩ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ይኹን ዝፍነዉ ሓብሬታ ስግኣት ዝነዝሕን ኣድልዎ ዝተመልኦ ምዃኑ ገሊጾም፡ ስለዚህ እዚ ኸኣ ዜጋታት ብዛዕባ ስደት ከም ሓደ ኣርእስቲ ዘይኰነስ ከም ሓደ ሽግር ወይ ስግኣት ክርእይዎ ዝድርኽ እዩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ስደትን ስግኣት ብሓደ ኣጣሚሩ ብዛዕባ ስደተይና ይዛረቡ ነዚ ድርኽከ እንታይ ምዃኑ ብምልላይ ናይቲ ስደትን ስደተይናን ከም ኣርእስቲ ወሲድካ ኣብ ሓቂ ዝትመርኰዘ ጥልቂ ምይይጥ ምክያድ የድሊ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ዘተ ብዛዕባ ስደተይናነት ወይ ፍልሰት

ፍልሰት ወይ ጸዓት ስደተይናታትን መራኸቢ ብዙሓንን ብመንጽር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብዝብል ኣርእስቲ ፕሮፈሰር ስፒንገቲ ኣብቲ ዕለት 14 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝካየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ መደረ ከቕርቡ ምዃኖም ይሕብሩ። እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ መክሲኮ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋምን ናይ ስደተይናታትንት ተመዛበልትን ጉዳይ ወኪል ቤት ጽሕፈቱ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ርቻርድ ገላገር ዝሳተፉ እውን ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዘዘኻኸረ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ዕለት 14 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዘተ ዛዕባ ፍልሰት/ስደት እቲ ኣብ ወርሒ ሐምሌ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ መክሲኮ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈትን ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ስደትን ምዕባለን ብዝብል እርእስቲ ተኻየዱ ንዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝስዕብን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጻልነት ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ኣመልኪቶም ዘመሓላልፍዎ ትምህርትን ዝህብዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ኣብ ሓልዮ ስደትይናታትን ተመዛበልትን ዘነቓቕሕዎ ግብረ ሰናይ ስዒቡ ዝካየድ ምዃኑ የመልክት።

ኣርእስቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ

ብመሰረት ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዋና ኣርእስቲ ነቲ ንዝተረጋገጸ ስደት ዝብል ዓለም ሓቆፍ ውዕል ዝብሎ ሰብኣዊ ክብሪ ብጥራሽ ዘይጥሕስ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናን ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ኣብ ሓቂ ዝቖመ እምበር ከም ስግኣት ዘየቕርብ ፈነወ ሓበሬታ ብምርግጋጽ ናይ ስደትን ስደተይናን ሰብኣዊ ጐድኑ ኣብ ትሕዝቶ ዓለምን ኣብ ታሪኽ ሕዝብታትን ዝብሉ ነጥብታት ብሰፊሕ ክትንተኑን ዕላማኡ ከኣ ማሕበራዊ ርእይቶ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናን ትኽክለይና ኣብ ምግባር ንምድጋፍ ዝብል ከምዝዀነ ዝገለጸ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ፍክሊ ዜና ኣስዒቡ፥ እቲ ካልእ ዕላማ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኸኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ማሕበረሰብ እውን ስደተይና ኣብ ምእንጋድ ኰነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክኽበር ኣብ ዘተባብዕ ኣገልግሎት ዘበርክቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ንኽፍለጥን ንምድጋፍን ዝብል ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.