2018-06-13 15:20:00

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ እተእንግድ ሃገረ ኣየርላንድ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መርሓ ግብሪ


ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ናይ ለምዘበን ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝካየድ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 25 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ዕለት 11 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ክብ ዘውጸኦ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝካይዱ መደባት ክሳተፉ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሃቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ልክዕ ናይ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ኣብ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ክኣትዉን ብቐጥታ ንኽብሪ’ታ ሃገር ናብ ቤተ መንግስቲ ብምኻድ ምስ ናይታ ሃገር ራእሰ ብሔርን ደሓር እውን ምስ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ’ታ ሃገርን በርገሳዊ ማሕበርሰብን ኣብ ዱብሊን ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስቲ ተራኺቦም ዘረባ ከስምዑ እዮም። ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ኣብ ቅድስተ ማርያም ካቴድራል ምብጻሕ ከካይዱን ቀጺሎም ግዳም ሓደር ዜጋታት ዝእለይሉ መዕቆቢ ክበጽሑን ድሕሪ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ’ዚ ናብቲ ጉባኤ ስድራ ቤት ዝካየደሉ ክሮከ ፓርክ ስፖርት ሜዳ ብምኻድ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ነቲ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ምዃኖም የመልክት።

ሰንበት ዕለት 26 ነሐሰ 2018 ዓ.ም. ዘካይድዎ ርክብ  

ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ብነፋሪት ናብ ክኖክ ክነቕሉን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ስፍራን ቤተ ጸሎትን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ  ምዓልቲ ኣብ ክኖን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ስፍራ ኣስተንትኖ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣቕሪቦም ጸሎት ኣዕሪጐምን ናብ ዱብሊን ተመሊሶም ምስ ኣሰነይቶም ብሓባር ምሳሕ ምስ ተቛደሱ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ፎኤኒክስ ኣታኽልቲ ስፍራ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ፡ ኣብ ገዳመ ደናግል በነዲክታውያን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን እውን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ካብ ኣየርላንድ ተሰናቢቶም ናብ ሮማ ክነቕሉን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.