2018-06-13 16:21:00

መንእሰይ ላንጋ ላንጋ ክኸውን የብሉን! ኣይጠቅሞን እዩ! ዝጠቅሞስ ጥዑይ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን “ኢየሱስ ኪኸይድ ከሎ ድማ ሓደ ሰብአይ እናጐየየ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪኹ፡ ‘ኦ ሕያዋይ መምህር ሕይወት ዘለዓለም ምእንቲ ዅአርስ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ?’ ቢሉ ሓተቶ፣ ኢየሱስ ድማ ‘ስለምንታይ ኢኻ ሕያዋይ እትብለኒ? እንትርፊ ኣምላኽ ንብሕቱስ ሓደ እኳ ሕያውያ የልቦን። ንትእዛዛት ማለት ነቲ ‘ኣይትቕተል ኣይትዘሙ ኣይትስረቕ ብሓሶት ኣይትመስክር’ ኣይትዓምጽ፡ ‘ነቦኻን ንኖኻን ኣኽብር’ ዚብል ትፈልጦ ኢኻ በሎ። ንሱ ኸኣ ‘መምህር ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትኂዘ ፈጺመዮ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ጠሚቱ ኣፍቀሮ፡ ‘ሓንቲ ነገር ጐዲላትካ ኪድ እሞ ዘሎካ ዘበለ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ - ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ከተጥሪ ኢኻ - ሻቡ ንዓ ተኸተለኒ!’ በሎ`። (ማር 10.17-21) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስትያን ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም፣

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ክብረ በዓል ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዘፓዶቫ እዩ። ካባኹም እንጦንዮስ ተባሂሉ ዝስመ መን ዩ? ንኩሎም በዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ነጣቅዓሎም፣ እምበርአር ኣብ ትምህርትና ክንምለስ ሎሚ ሓዲስ ዙር ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚብሔር ክንጅምር ኢና፣ ትእዝዛት ሕጊ እግዚአብሔር እዮም፣ ንመእተዊ ክኾነና ክንበብ ዝሰማዕክምዎ ቃል ወንጌል ኣብ መንጎ ኢየሱስን ሓደ ጐበዝን ዝተገብረ ዝርርብ ክንምልከት ኢና፣ እታ እቲ መንእሰይ ዘቅረባ ሕቶ ናትና ሕቶ እውን ኮይና ዕለት ዕለት ኣብ መንባብሮ ንሓታ ሕቶ እያ፣ እዚ ከኣ ሕይወትና ምሉእ ፍጹም ንክኸውን ዘሎና ሃረርታ እዩ ዝገልጽ፣ ኮይኑ ግን ኣብዚ ፍጽምና እዚ ከመይ ቢልካ ይብጻሕ? ኣየናይ መንገዲ ምኽታል የድሊ? ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ንምንባር ክቡር ሕይወት ንምንባር! ክንደይ መንእሰያት ነዚ ሕይወት እዚ ክነብሩ ይደልዩ ኮይኑ ግን ኣብ ዘይጠቅሙ ነገራት ብምውዳቕ ሕይወቶም የበላሽው፣

ገሊኦም ነዚ ዚህውኽ ናይ ኅልና ኵርኳሕ ጨሪሽካ ምእላዩ ይሓይሽ ይብሉ ማለት ነዚ ናይ ፍጹም ሕይወት ሃረርታ ሓደገኛ ኮይኑ ስለዝረእዮም ከጥፍኡዎ ክርስዕዎ ከምዘየሎ ክሓስብዎ ይደልዩ፣ ምናዳ መንእሰያት ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ቀንዲ ጸላኢና እቲ ዘጓንፈና ጸገማት ኣይኮነን ዝኸበደ ይኽበድ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ሕይወትሲ እዚ ሕማቅ መንፈስ እዚ ማለት ናይ ትህትናን ርህራሔን ዘይኮነ ናይ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ መንጎ መንጎ ዝኾነ ሕይወት ነቲ ትኣምኖን ትርድኦን ጽቡቅ ነገር ንምግባር ዝረኤ ፍርሒ  ኣብ ትፋእካ ናይ ምምላስ መንፈስ እዩ፣  እስኪ ክሓተኩም ሓደ መንጎ መንጎ ዝኾነ መንእሰይ መጻኢ ኣለዎዶ የብሉን? ፈጺሙ የብሉን ኣብታ ዘለዋ እዩ ዝተርፍ ኣይዓቢ መጻኢ የብሉ ዓወት የብሉ፣ እዚ መንጎ መንጎ ናይ ምዃን ጠባይ ወይውን ነቲ ትኣምኖን ትርድኦን ነገር ካብ ምግባር ብፍርሒ ተዓኒድካ ደው ምባልከስ እዚ እዩ፣ እዞም መንእሰያት እዚኦም ኩሉ ነገር የፍርሖም፣ ‘ኣይፋል ኣነ ከምዚ እየ’ እንክብሉ ምንም ከይገብሩ ጸሓይ ትዓርቦም፣ እዚ ዓይነት መንፈስ ዘለዎም መንእሰያት ብምንም ተኣምር ንቅድሚት ክስጕሙ ኣይክእሉን፣ ኣብ ትሕትናን ሓይልን ግን እዚ ዓይነት መንፈስ የለን፣ ብፁዕ ፕየር ጆርጆ ፍራሳቲ ብንእስነቱ ኣብዚ ዓወት ዝበጽሔ ‘ሕይወትሲ ክትንበር ኣለዋ እምበር ኣብ ላንጋ ላንጋ ብዕላልን ቤላቤለውን ክትሓልፍ የብልና’፣ ይብል ነበረ፣ መንጎ መንጎ ዝኾኑ ሰባት ዕላሉ ኮይኖም ሓይሎምን ግዜኦምን ኣብ ቤላቤለው የሕልፍዎ። ብሓይሊ ሕይወት ምንባር የድሊ፣ ንሰማያዊ ኣቦና ንመንእሰያትና ንመንእሰያትን ጥዑይ ምንቅስቃስ ክህቦም ንለምን፣ ንምዃኑ እስኪ ክሓተኩም ኣብ ገዛውትኹም ኩሉኹም ስድራቤታት እየ ዝብል ዘሎኹ! ሓደ መንእሰይ ምሉእ መዓልቲ ኰፍ ኢሉ እንክትርእይዎ እንታይ ትሓስቡ፣ ምናልባት ኣደን ኣቦን ውሉዶም ስለዝኾነ ኣሕሊፎም ስለዘይህቡ ‘ወድይ ኣይጠዓየን ገለ ጸገም ኣለዎ’ ኢሎም ናብ ሓኪም ይወስድዎ ይኾኑ፣ ሓቁ ክነግረኩም ሕይወት መንእሰይ ምንቅስቃስ እዩ ንቅድሚ ምስጓም ወትሩ ምንቅስቃስ ጥዑይ ምንቅስቃስ እዩ ዘድልዮ፣ እንተዘየሎ ትርጉም ዘይብሉ ጽባቄ ዘይብሉ ሕብሪ ዘይብሉ ሃሳስ ሕይወት ምንባርሲ ኣይግድን፣ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለስ ሕቶ ክሓተኩም መንእሰያትና ንሕይወት ብግቡእ እንተዘይነብሮማ ሰብኣውነት ኣበይ ገጹ እዩ! ኣበይከ ክበጽሕ ይኽእል! ምስ ከምዚ ዓይነት መንእሰያት ሰብኣውነት እንታይ ክኸውን እዩ?

እታ ኣብ ወንጌል ክትንበብ ዝሰማዕናያ እቲ መንእሰይ ዘቅረባ ሕቶኸስ ኣብ ውሽጥና ኮይና ወትሩ ኣብ ሕይወትና ኮይና ፍጹም ሕይወት ክነብር ሕጉስ ሕይወት ክነብር እንታይ እግበር ክትብል ትነብር፣ ኢየሱስ ከኣ ‘ንስኻ ትእዛዛት እግዚብሔር ትፈልጦ ኢኻ’ ኢሉ ሓጻር መልሲ ይህበና በብሓደ ከኣ ንትእዛዛት እግዚኣብሔር ይዝርዝረልና፣ እዚ ሓደ ዓይነት ኵስኰሳ እዩ፣ በዚ ገሩ ኸኣ ናብ ርጉጽ ቦታ ይመርሓና፣ ኮይኑ ግን እቲ መንእሰይ ምልኣት ሕይወት ዝጐደሎ ኣብ ምንቅስቃስ ዘሎ መንእሰይ ከምዝነበረ ካብቲ ሕቶኡ ንጹር እዩ፣ እቲ መንእሰይ ኩሉ ድንግርግር ከምዝበሎ እንታይ ክርዳእ ኣሎኒ ይብል እሞ ምልስ ኢሉ ‘መምህር ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትኂዘ ፈጺመዮ’ በሎ።

ካብ ንእስነት ናብ ብስለት ከመይ ኢልካ ይስገር? ድሩትነታትካ ክትቅበል መኣስ ትጅምር! ነታ ጐይታ  ‘ሓንቲ ዝተረፈትካ ነገር ኣላ’ ዝበላ ምስ ፈለጥካ ብኡ ንብኡ ክትምልኦ ምጽዓር የድሊ። እቲ መንእሰይ ዘረጋገጾ ነገር እንተሃልዩ ኩሉ እቲ ክገብሮ ዝኽእል ካብ ሓደ ደረጃ ክሓልፍ ከምዝክእል ድሩት ምዃኑ እዩ፣

ኣቱም ሰባት ከም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሕይወት ክህልወካ ክንደይ ጥዑም እዩ፣ ኮይኑ ግን ኣብዘን መጨረሻ ዘመናት ወዲሰብ ክኽሕዶ ዝፈተነ ግን ኣብ ደልሃመት ዝመርሖ ዘሎ ነገር ኣሎ! እዚ ከኣ ድሩትነትካ ዘይምቅባል እዩ፣

ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ክሕግዘና ዝኽእል ነገር ይነግረና፣ ‘ንኦሪትን ንነቢያትን ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፡ ክፍጽሞም ደኣምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን።’ (ማቴ 5,17)ይብል፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣት ይልግሰልና! ነዚ ከኣ እዩ መጺኡ። እቲ ሓታቲ መንእሰይ ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ዝነበረሉ ካብ ኩሉ ተግባራቱ ምእንቲ ሃብቲ ካብ ምንባር ንክፍለ ኣብ መዝለሊ ባይታ ክብጽሕ ነርዎ ከመይ ንጐይታ ንክኽተል ኩሉ ምሕዳግ ትብል ስለትጐድሎ ፍጽምና ሕይወት ስኢኑ ይነብር፣ ንመልሲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቅና እንተተሚልኪትና ብዛዕባ ድኽነት ኣይኮነን ድኻ ኩን መብጽዓ ድኽነት ኢሊ ኣይሓቶን እቲ ቀንዲ ጸገም ሃብቲ ምዃኑ ይገልጽ፣ ‘‘ሓንቲ ነገር ጐዲላትካ ኪድ እሞ ዘሎካ ዘበለ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ - ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ከተጥሪ ኢኻ - ሻቡ ንዓ ተኸተለኒ!’ እውን ይብሎ፣

እስኪ ክሓተኩም ካብ መበቆላውን ቅዳሕን ማለት ኦሪጅናልን ኮፕን ምረጽ ተባሂሉ ነቲ መበቆላዊ ገዲፉ ነቲ ቅዳሕ ዝመርጽ መን እዩ? እታ ቀንዲ ግድልከስ እነሆ ቅዳሕ ዘይኮነ መበቆልዊ ሕይወት ምርካብ! ኢየሱስ ቅዳሕ ወይ ተተካኢ ሕይወት ኣይህብን እንታይ ደኣ ሓቀኛ ሕይወት ሓቀኛ ሓቀኛ ሃብቲ የወፊ! መንእሰያት እሞ ይጽንሑልና ንሕና ዓበይቲ ንበሃል ንመበቆላውን ቀንድን ክንመርጽ እንተዘይርእዮምና ላንጋ ላንጋ ኰና ንየው ነጀው ክንብል እንክዕዘቡና ከመይ ገሮም ኣብ እምነት ክስዕቡና ንደሊ? መንጎ መንጎ ዝኾኑ ላንጋ ላንጋ ክርስትያን እንክትርኢ ሕማቅ እዩ ነዛ ሕማቅ ቃል ክጥቀመላ እስከ ዘይዓቢ ዘይጠቡ ድንኪ ኰይኖም ዝነብሩ ክሳብ ዝተወሰነ ዝዓብዩ ዝመስሉ ደሓር ግን ዕጽው ልቢ ሒዞም ደሪቆም ዝተርፉ ክርስትያን ምርካብ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፣ ኣን ክዓቢ እንተኾይነ ናይ ሓደ ቅድመይ ዝነበረ ወይ ዘሎ ስጉምቲ ቁሩብ ልዕል ዝበለ ጉዕዞ የድልየኒ፣ ቅ.ኢግናጽዮስ ነዚ ማጂድ ወይውን ሓዊ ብርቱዕ ሃረርታ ናይ ተግባር ኮይኑ ነቶም ዝሑላት ዘሙውቅ ዘንቀሳቅስ ማለ እዩ፣

ናብታ ተሪፋትካ ኣላ እትብሃል ሓንቲ ነገር ንምብጻሕከስ በቲ ዘሎካ ኢኻ እትጅምር፣ ኢየሱስ ንሕግን ንነቢያትን ክስዕሮም ኣይመጸን እንታይ ደኣ ምልኣት ፍጽምና ክህቦም፣ ስለዚ ካብዚ ክንጅምር የድሊ ደሓር ኣብታ ተሪፋትካ ኣላ እትበሃል ሓንቲ ነገር ክንዘልል ንኽእል፣ ናብቲ ልዑል ነገር ንክንበጽሕ ነቲ ነባራዊ ዝኾነ ኣብ ኢድና ዘሎ ክንምዝምዞ የድሊ፣

ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ነተን ክልተ ጽላት ናይ ሙሴ ብዓይኒ ክርስትያን ክንምልከትን ንኢየሱስ ብኢድና ሒዝና ካብ ናይ ንእስነት ሓሸውየ ናብቲ ሰማያዊ መዝገብ ንክንሰጋገር ደድሕሪ ኢየሱስ ንስዓብ፣ ኣብዘን ናይ ጥንቲ ሕግታት ጥንታውያንን ጥበብ ዝመልአንን ሕግታት ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ እግዚብሔር ኣብ ክፉት ማዕጾ ክንረክብ በዚ ምስ እንሓልፍ ከኣ ናብ ሓቀኛ ሕይወት ክንበጽሕ ኢና፣ እዛ ሕይወት እዚኣ ሕይወቱ እያ፣ ሕይወት ደቂ እግዚብሔር እያ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.