2018-06-14 16:57:00

ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ዓለም ዋንጫ ኵዑሶ እግሪ ናይ ምራኻብን ዘተን ሕውነትን ኩነት ክኸውን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ.ም. ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ዕለት ዕለት 14 ዓለም ሓቆፍ ዋንጫ እግሪ ኵዕሶ ብወግዒ ዝጅመረሉ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ መደብ ስፖርት ምትሕብባርን ሰላምን ኣብ መንጐ ሃገራት ዘነቃቕሕን ዝድግፍን ክኸውን ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝእንገድ ዓለም ሓቆፍ ዋንጫ ንዝሳተፋ ሃገራትን ስፖርተይናታትን ሰላምታይ አመሓላልፍ ቢሎም ስፖርተይናታትን ኣሰናዳእትን ኵሎም እቶም ብቐረባ ወይ ከኣ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ነቲ ናይ እግሪ ኵዕሶ ስፖርቲ ዝከታተሉ ኵሎም ሰብኣዊ ፍጥረት ዶብ ኣልቦ ምዃኑ ዝምስክሩ ክዀኑ ሓደራ ቢሎም፡ እዚ ስፖርታዊ መደብ፡ ናይ ምራኻብን ዘተን ሕውነትን ኣብ መንጐ ባህልታትን ሃይማኖታትን ምትሕብባርን ሰላም ኣብ መንጐ ሃገራት ብምትብባዕ ዝድግፍ ክኸውን ጻውዒት አቕርብ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ኣብዚ ናይ ለምዘበን 2018 ዓ.ም. ናይ ዓለም ዋንጫ ተሳተፍቲ 32 ሃገራት ክዀና እንከለዋ ካብተን ዋንጫ ክዓትራ ይኽእላ ኣብ ዝብል ትምበያ ካብ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት፡ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ብልዑል እንክጥቀሳ፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ጀርመን ስፐይን ፍረንሳን በልጂምን ክዀና እንከለዋ፡ እንግልጣርን ኮሎምቢያን ፖርቱጋልን ኡሩጉዋይ እውን ብርቱዓት ተጻወትቲ ዘለወን ምዃነን ክንገር እንከሎ፡ ሰርቢያን ክሮኣዚያን መክሲኮን ብጋንታዊ ባህርይኤን ከምኡ እውን ስዊዘርላንድን ፖላንድን ከምዝድነቓ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቦም፡

ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ሃገራትን ዘሎ ስፖርት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣፍቃሪ ኵዕሶ እግሪ እዮም ብፍላይ ግና ናይ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ስፖርት ኣዚዮም ይመርጹ፡ ኣብዚ ናይ ለምዘበን 2018 ዓ.ም. ኣብ ሩሲያ ዝካየድ ናይ ዓለም ዋንጫ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ምስሪ፡ ሞሮኮ ናይጀሪያን ሰነጋልን ቱኒዚያን ዝሳተፋ ክዀና እነከለዋ፡ ከምኡ እውን ካብ እስያ፡ ኢራን ሱዕዲ ዓረብን ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ተሳታፍያን ክዀና እነኰለዋ፡ ካብ ሰሜን ኤውሮጳ ደንማርክን ኣይስላንድን ከምኡ እውን ፓናማን ኮስታር ሪካን ፐሩን ኣውስትራሊያን ብዙሕ ውጽኢት ኣይክህልወንን እዩ ተባሂሉ ዝንገረለን እውን እንተዀነ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዘን ኵለን ወሰናስን ሃገራት ኣናሓሰቡ ዋንጫ ዓለም እግሪ ኵዕሶ ናይ ምርካብን ዘተን ሕውነትን ዕሴት ዝድግፍ ይኹን ከምዝበሉ ኣፍሊጦም። 

 







All the contents on this site are copyrighted ©.