2018-06-15 16:48:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጀነቭ ከም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ንግደት


ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስዉዘርላንድ ከተማ ንራብዓይ ጊዜ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፡ ስዊዘርላንድ ንርብዓይ ጊዜ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ትብጻሕ ናይ መጀመሪያ ከተማ ክትኸውን እንከላ፡ ጀነቭ እውን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሳልሳይ ጊዜ እትብጻሕ ከተማ ከይና ኣላ፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ናይ ከተማ ጀነቭ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ዘለዋ ኣገዳስነት ዘመላኽት ምብጻሕ እዩ።

ዕለት 10 ሰነ 1969 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ውድብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ኣብ ጀነቭ ሓምሻይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝፈጸሙን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርክበ  ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ማእከል እውን ከምዝበጽሑ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሮበርቶ ፒየርማሪኒ የዘኻኽሩ።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ     

ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ውድብ ብዘቕረበሎም ዕድመ መሰረት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ መደብ ከምዝነበሮም ከይኑ ግና ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ኣብ ልዕሌኦም ብዝተፈጸመ ፈተነ መቕተልቲ ምኽንያት ከይፈጸምዎ ተሪፎምን ዕለት 15 ሰነ 1982 ዓ.ም. ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ውድባት ልኡካን ከምእተራኸቡን፡ ዕለት 12 ሰነ 1984 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ቦሰይ ማሕበር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ማእከል ምብጻሕ እውን ከምዘካየዱ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ፒየርማሪኒ ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ...

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀነቭ ኣብቲ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝበዓለሉ ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ከምዝዀኑን፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ቤት ምኽርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ  ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢሉ ዘሎ ግሩም ርክብ ዝምስክርን፡ ስለዚህ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ  ጀነቭ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ መጠለመዎስ ቀዳማውን ከምኡ ኣውን ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዘካየድዎ ርክብ ብምሕሳብ ናይቲ   ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሽወደን ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ኣብ ሉንድ ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣሰር ዝኽተል ምዃኑ የብርሁ።

ርክብ ምስ ልኡካን ማሕበረ ክርስቲያን ሰሜን ኰርያ

ቅዱስ ኣቦባ ኣብቲ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ቤት ምኽሪ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ምስታ ኣብቲ ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ናይ ናይ ዝተፈላለያ ቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ መርሓ ግብሪ ዝሳተፉ ናይ ሰሜንን ደቡብ ኰርያ ማሕበረ ክርስቲያን ልኡካን ክራኸቡ ምዃኖን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ፒየርማሪኒ ኣስዒቦም፡ ካብቶም ሓደ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ ጀነቭ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዕላማ ሰላም ዘማእከለን ናይ ተመዛበልቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮትን ደገፍን ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ 350 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብላጺ ኣባላት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ኣፍሪቃውያንን እስያውያን ዝውክላ እያተን።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ፓሌክስቦ ኣደባባይ ንስዊዘርላንድ ማሕበረ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ከም ጓሳ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካይድዎ ርክብ ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ጀነቭ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኣደባባይ ግራንግ ደሓር እውን ከም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ ምርኢት እዳራሽ፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብ ፓልኤክስፖ ኣደባባይ ምስ ሰበኻ ሎሳናን ጀነቭን ፍሪቡር ሰበኻ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ መላእ ስዊዘርላንድ ምስ ዝተዋጽኡ ካቶሊካውያን ምእመናን ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን እዮም፡ ናይ ጀነቭ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሞረርዶ እውን ብወገኖም ምስ ሲር ናይዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቅዱስ ኣቦና ምስታ ብኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖትን ምስ ዝዀነ ሃገር ክራኸቡን እዮም እዚ ጥራሕ እውን ዘይኰነ ምስቲ ዘሕዝን ንሱ ኸኣ ኩሉ ከምዝፈልጦ ስዊዘርላን ካብ መላእ ኤውሮጳ እታ ርእሰ ቅትለት ብብዝሒ ዝፍጸመላ ምዃና ዝገልጻ ዘሕዝን ሓቂ ኣውን እዮም ዝራኸቡ፡ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ ተሰምዔ ሕዝቢ ንሶም ኣብቲ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ማንም ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ኰይኑ እዩ ዝተረኽበ፡ ብሓቂ ንልቢ ናይታ ሃገር ህዝቢ ክዛረቡ እዮም ዝበልዎ ቃል እውን ጠቒሶም፡ ሕዝቢ ስዊዘርላንድ፥ ካብ ቅዱስ ኣቦና እንታይ ይጽበይ ንዝብል ሕቶ ብፁዕነቶም እንክምልሱ፥ ናይ ተስፋን ሓሴትን መልእኽቲ እዮም ዝጽበዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.