2018-06-16 16:04:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላምን ፍትሕን ከናድይ ዝስደድ ንውሳኔ ማዕበል ባሕሪ ኣይንሕደጐ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሰነ 2018 ዓ.ም. ሰዓት 12.00 ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብሉጻት ተሰለምቲ ሰራሕተይናታት ፈደራላዊ ማሕበር ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ተቐቢሎም ናይ ተስፋ መሰልን ክብርን ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከይዲ ቀዳማይ እዩ፡ ብዘይ ስራሕ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ግደኻ ምብርካት ዘይከኣል እዩ ዝብል ጻውዕቲ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ነሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ፍቕሪ ከም መንፈሳዊ ነዳዲ ውሽጥና ምስ ዘቃጽለና እነቕርቦ ምስክርነት ውጽኢታውን መላእ ዓለምና ብዝስዋዕ ፍቕሪ መሰረት ብፍቕሪ ሃልሃል ናይ ምባል ብቕዓት ይህልዎ  ኣብዚ ከይዲ’ዚ ዝመርሓና እቲ ናይ ኢየሱስ ነቶም ሰላምን ፍትሕን ከናድዩ ዝስደዱ ኣሕዋትና ንማዕበል ባሕሪ ውሳኔ ንኸይንሓድግ ዝምዕደና ትምህርቲ ብፅዕና እዩ፡ እዚ ዝኽወን ከኣ ካብቲ ናይ ሃብታማት መኣዲ ንዅሉ ዝኸውን ሃብቲ ብቐጣታ ክዘንብ እዩ ኣብ ዝብል ኣደናጋሪ ምሾት ብዘይ ምእማን እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከኤለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ብዘይ ተስፋ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፍስሃ የልቦን

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ድኻምነትን ገዛእ ርእስኻ ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘይምህልውን ስቓይን እናረኣና ከምዘይረኣና ዘይግደሱ ኣይንዅን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እቲ ተስፋ ዘጥፍኤን እሞ ንምንባሩ ዝደልዮ ናይ ተስፋ መሰሉን ክብሩን መታን ክረኽብ መታን ክኽእል ንደግፎ ብፍላይ ንመንእሰያት፡

ተስፋ ንብሉጽ መጻኢ ብዕለታዊ ንጥፈታትካን ዕዮኻን ኣቢሉ ዝሓልፍ እምበር በቲ ከተቕርቦ እትኽእል ንዋታዊ ነገር ኣቢሉ ኣይኰነን፡ ኤኮኖሚያዊ ውሕስነት ይኹን ረድኤታውነት ጠሩሹ ምልኣት ሕይወትን ሰብኣዊ ተራኽቦነት ኣይውሕስን፡ ይዕበይ ይንኣስ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣበርክቶ እንተዘይብልካ ሕጉስ ምዃን ዝከኣል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ማሕብራዊ ሕይወትን ንማሕበራዊ ሕይወትን ዘይንጡፍ ወይ ከኣ ጋሻ ከይከውን  እጃሙ ከበርክት ኣለዎ፡ ግብኡ እውን እዩ፡

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ራቪያርት ኣስዒቦም፥

ዝተነጸሉ ብፍጹም ዘይምርሳዕ

ስራሕ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ግብረ ፈጣርነት ንምቕጻልን ብርእሰ ብጋሰን ፍርድን ፍትጥረት ብመላኽነት ዘይኰነ ብስኒትን ኣኽብሮትን ምሕዳር ብዝነብሮ ነጻነት ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ክኽውንን ኣብ ዝሃብዎ ጸዋዕታ ውሽጢ ህልው እዩ። ብዘይ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ዘተሓሳስብ ሰብኣውን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኩነት ሸለል ከይበልና ኣብቲ ውህበትን ውበትን እነስተንትነሉ ስምምዕ ዝቖመ መለኰታዊ መደብ እዩ።

ሎሚ እውን ብዙሓት ካብቲ ከይዲ ምዕባለ ኤኰኖሚ ዝተገሉ ኣለዉ፡ ብዙሓት ኣሕዋትና ብዓመጽን ውግኣን ምኽንያት ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ብዝፍጸም ናይ ብከላ ተግባራት ምኽንያት ኣብ ስቓይ ወዲቖም ይርከቡ፡ ብዙሓት ሎሚ እውን ሕዱጋትን ኣብ ወሰናስን መቑሕ ወዲቖም ናይ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዝተነፍጐም ኣለዉ፡

ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ተባላሓትነት ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓደ ኵርናዕ እዩ

ኣብ ስራሕ ዘይቖመ ሕብረተሰብ ከኣ ገዛእ ርእሱ ንልምሰትን ንዝራባሕ ዘይማዕርነታውነት ኣሕሉፉ ይህብ። እቲ ናይ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዜጋታቱ ዘለዎም ዕቑር ሓይሊ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ዝዓዪ ከም መደብ ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽሕፍቶ ቀድነይና ተዋሳኢ ክኸውን ዘዋስእ ካብቲ ዘይጽንቀቕ ሰብኣዊ ሃብቲ ስለ ዝኸስብ ኵሉ ብምሉእ ሳምብእ እዩ ዘተንፍስ፡ ቀንደይና ተዋሳኢ ናይ ምዃን ነቲ ናይ ገዝእ ርእስኻ ህይወት ንኽምዕብል ዝድርኽ ብልሃተይናን ብቕዓትን ነቲ ናይ ዕዮ ኵርናዕን  ናይ ውልቃዊ ይገብር ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ናይ ኢጣሊያ ባህላዊ ሃብቲ ምዕቃብን ምክልኻልን

ናይ ኢጣሊያ ሰብኣውን ስነ ጥበባውን ባህላውን ሃብቲ ግምት ብምሃብ እዚ ዅሉ ናይ ኢጣሊያ ዓቢይ ማሕበራዊ ሃብቲ እዩ፡ እዚ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብሉጻት ተሰለምቲ ሰራሕተይናታት ፈደራላዊ ማሕበር ነቶም ብሉጻት ሰራሕተይናታት ብዝብል መጸውዕ ዝቖመ ፈደራላዊ ማሕበር ነቶም ብናይ ኢጣሊያ ረፓብሊካዊት ርእሰ ብሔር ናይ ኰኾብ ሰራሕተይና ስልማት ተሰለምቲ ዜጋታት ዝሓቍፍ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዚ መጸውዕ ግብረ ገባውን በርገሳውን ሓላፍነት ዝሕብር ብምዃኑ እቲ ግብረ ገባውን በርገሳውን ሓላፍነት ምንቕቓሕን ናይ ሃገር ክንክክን ምንቅቓሕን ምስፋሕን ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ግብረ ገባዊ ሕቶ ፍለዩ ዘመላኽት እዩ ስለምታይ ስራሕ ብስነ ምግባር ትርጉም ዝሕድስ እዚ ከኣ መላእ ማሕበረሰብ ንምሕዳስ ምዃኑ ኣብሪሆም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘተቓለሉ ራቪያርት ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.