2018-06-20 17:26:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ተቕዋም ቦዘ


ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም.  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀነቭ ኣብቲ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝበዓለሉ ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ከምዝዀኑን፡ ኣብዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ድሕሪ ዝፍጸም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ምስታፍ ናብቲ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ተቕዋም ቦዘ ምብጻሕ ከካይዱን፡ ድሕሪ ናይ ምሳሕ መኣዲ እውን ኣብቲ ተቕዋም ካብ ዝመሃሩ ምስ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾኑ ተመሃሮ ክራኸቡ እዮም።

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ተቕዋም ስነ ዘተ ቦሰ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ስነ ርክብ ስነ ዘተን ሕንጸትን ዝወሃበሉ ኣብቲ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጸ ግንቢ ዝርከብ ኰይኑ፡ ናይቲ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ንፈለማ ጊዜ ዝተሓርዩ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ላውረንቸ ኢዋማዲ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዕለት 19 ሰነ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት፥

እቲ ተቕዋም ንእሽተይ ቅድስቲ መሬት ዝብል መጸውዕ ከምእተውሃቦን ኣብ 1946 ዓ.ም. ዝተመስረተን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ባህልን ዝተዋጽኡ ተመሃሮን ምሁራንን ዝእንግድ ተቕዋም እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዳርጋ ክበሃል ይከኣል ዝተዋጽኡ ተመሃሮ የእንግድ፡ ተመራመርቲ እውን ዝለዓለ ናይ ምርምር መጽናዕቶም ንኸካይዱ ዝእንገድሉን ዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ስነ ዘተ ቲዮሎጊያን ስነ ተልእኾን ማሕበራዊ ስነ ምግባርን ኣብ ዝብሉ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ዝሕነጽሉ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ናይቲ መንበረ ጥበብ መምሃራን እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ እያቶም፡ ምስ እቲ ናይ ስነ ምርምር ሕንጸት ተተሓሒዙ እውን ተመሃሮን መምሃራንን ማሕበራዊ ሕይወት ዝነብርሉን መንፈሳዊ ተመክሮ ዝለዋወጥሉን ብተወሳኺ እውን ቲዮሎጊያዊ ስነ ምህዳር መሰረት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ንምስፋሕ ዝድግፍ ሕንጸት ዝረኽብሉን እቲ ተቕዋም ዝህቦ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ እውን ኣብ መላእ ጀነቭ ተቐባልነት ዘለዎ ብዙሓት መናብርተ ጥበብ ዓለም እውን ቅቡል ዝብልኦ እዩ።

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተበገሰ እውን እንተዀነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምጉዓዝን ምርኻብን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ኣመርኵይዞም በቲ ንሶም ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያት ክርስቲያን ላዕለዎ መንፈሳዊ መራሕቲ ብዘካይድዎ ርክባት ኣቢሎም ንቕድሚት ክስጉም ከምዝገበሩን። ርክብን ዘተን ኣዚዩ ክምዕብል ይገብሩ ኣለዉ፡

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ 350 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብላጺ ኣባላት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ኣፍሪቃውያንን እስያውያንን ዝውክላ ኣቢያተ ክርስቲያን እያተን። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ኣባል እውን እንተዘይኰነት ብመሰል ተዓዛቢ ኣካል እትዋሳኣሉ ቤት ምኽሪ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እቲ ተቕዋም ቦዘ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽበይ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.