2018-06-22 15:46:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀነቭ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንናይ ሓባር ዘተ ነጋዲ


ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ኣብ እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ዝተፈተዅም መንእሰያት ነቲ ብዙሕ እዋን ልቡ ዘትረረ በጽሒ ወለዶ ናይ ዘተን ስኒትን መገዲ ኽሓርይ ደግፍዎ  ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያ ነቲ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ ነዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ መበል 23 ሓዋርያዊ መገሻ ድሕሪ ቐትሪ ከምቲ ቅድሚ ዝዀነ ሓዋርያዊ መገሻ ዝፍጽምዎ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማያርያም ዓቢይ ብምኻድ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተረኺቦም መገሻኦምን ብጠቕላላ መላእ ዓለምን ንኣማላድነት ቅድስተ ማርያም ኣወኪፎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ሎሚ ንጐሆ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ናይ መዕጸዊ በዓል ንምስታፍ ሓቂኖም ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 10.10 ጀነቭ ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሚከለ ራቪያርት ኣስዒቦም፥ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ 350 ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳውያንን ኣንግሊካዊትን ፕሮተስታትን ናይ ሕዳሴ ኣቢያተ ክርስቲያናን ዝውክላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ክኸውን እንከሎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ኣባል እውን እንተዘይኰነት ብመሰል ተዓዛቢ ኣካል እትዋሳኣሉ ቤት ምኽሪ ምዃኑ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ናይ በረራ ዶባታ ንዘቋረጹላ ሃገረ ኢጣሊኣ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ኣብዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ዘተ መንፍሳዊ ነጋዲን ምስቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰብን ንምርኻብ ዝፍጽሞ መገሻ ንሕዝብን ሃገረ ኢጣሊያን መንፈሳዊ ጸጋ ንኽዕደል ብዘቕርቦ ጸሎት ዝተሰነየ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይን ሓዋርያዊ ቡራኬይን የመሓላልፈሎም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።  

ቅዱስነቶም ንሓደ ሰዓት ኣርብዓን ደቓይቕ 700 ኪሎ ሜትር ብጉዕዞ ነፋሪት ተጓዒዞም ጀነቭ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ዝዊዘርላንድን ወግዓዊ ስምምዕ ዝሓቶ ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ዝዊዘርላንድ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ተሳትፎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘላንድ ዝሕብር ብምዃኑ ኣብ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዝተረኽቡ ክልተ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብዝተሰነዩ ብናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኣላይን በርስት ኣቀባላ ተገይሩሎም፡ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ስዊዘርላንድ ብሔራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዓ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ወግዓዊ ናይ ኣጋይሽ መቐበሉ ኣዳራሽ ክሊኣዊ ርክብ ኣካዶምም ናይ ገጸ በረከት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ብቐጥታ ናብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ርብዕን ምስ በጽሑ ብናይቲ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋኤ ኦላቭ ፍይስከ ትቫይትን መራሒት ምይይጥ ዶክተር ኣኘዝ ኣቡምን ናይቲ ቤት ምኽሪ ክልተ ምኽትል መራሒ ምይይጥ ናይ ሳሲማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መጥሮፖሊታ ብፁዕ ኣቡነ ገናዲዮስን ናይ ሜጦዲስት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ብፅዕት ኣቡን መርይ ኤን ስወንሶን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኮርት ኮኽ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡ ናብቲ 230 ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ናብ ዝርከብሉ ቤተ ጸሎት ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 16 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ዝተበገሰ መንፈሳውን ባህላውን በዓል መዕጸዊ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተሰናደወ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ተረኺቦም።

መንፈሳዊ መዝሙር ተሰምዒዑን፡ ናይ  እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ኣኽብሮትን ሕውነታውን መልእኽቲ ሰላምታ ምስ ቀረበ፡ ስለ እቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ምግምማዕ ምኽንያት ናይ ንስሓ ጸሎት ምስ ዓረገ ምእንቲ ዕርቅን ውህደት ጸሎት ተፈጺሙ መንፈሳዊ መዝሙር እውን ቀሪቡ፡

መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 16ን ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 26 ዘሎ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ሓድነት ክርስትያን ወይውን ኢኩመኒዝም ‘ኣብ ክሳራ ዝግበር ወፍሪ ርእሰማል እዩ’ ኮይኑ ግን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ግስጋሰ እዩ! ዝብል ሓያል መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ቅዱስነቶም ካብቲ ዝቀረበ ንባብ ‘ብመንፈስ ንመላለስ’ ንዝብል እንክትርጉሙ ብሓባር’ክንጐዕዝ ክንጽልን ክንሠርሕን` ይዕድመና ኣሎ ኢሎም፣ ነዚ ንምግባር ከኣ ብቀዳምነት ጸዋዕታና ጸዋዕታ ወዲሰብ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልና ብመሠረቱ ሃሰስ ክንብሎ ዘሎና ጉዳይ ኮይኑ ወዲሰብ ንጉዕዞ ንግስጋሴ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ሃሰስ በሃሊ ፍጥረት እዩ፣ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ካብ ሓደ ደረጃ ሕይወት ናብ ሓደ ደረጃ ሕይወት እናተሰጋገረ ካብ ሓደ እናወጸ ሓዲስ እናጀመረ ካብኡ ቀጺሉ ክንዲ ሰብ ኣኺሉ ካብ ቤት ወለዱ ካብ ዝወጸላ ዕለት ክሳብ ካብዛ ዓለም ዝወጽእ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ እዩ፣ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኮይኑ ግን ጉዕዞ ሥርዓት ዘለዎ ኣድካሚ ዕለት ዕለት ትዕግሥትን ጽንዓትን ዝሓትት ቀጻሊ ልምምድ ደው ከይበልካ ምንቅስቃስ ይሓትት፣ ስለዝኾነ ኣብቲ ዝግበር ጉዕዞ ወትሩ ምምራጽ መንገዲ ኣሎ ሱቊ ኢልካ ኣይኮነን ጉዕዞ ዝግበር ኣየነይቲ መንገዲ እያ ናብቲ ዕላማ እተብጸሓኒ ኢልካ ምምራጽ ግድን እዩ፣ ኣብ ዝበጻሕካ ብጻሕ ዝኽሪ ክተጥፍእ ከምዘይብልካ እውን ምዝካር የድሊ፣

‘ጒዕዞኸስ በተን ዝሓለፍካየን ኣሰር ንክትምለስ ትሕትና ይሓትት ከምኡ እው ን ንመጓዕዝትኻ ምክንኻን ምኽንያት ብሓባር እንክትጐዓዝ ጥራሕ ኢኻ ኣብ ዓወት ትበጽሕ፣ ጒዕዞ ቀጻሊ ምዕባሌ ወይ ለውጢ ይሓትት፣ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ነታ ኣብ ገዛ ኰፍ ኢልካ ምንም ጸገም ዘይተጓንፋ ሕይወት ብምምራጽ ነቲ ጉዕዞ ምስ ሓደጋታቱ ጠንጢኖም ኣብ ገዛኦም ተዕጽዮም ውራይ ዋኒኖም ኣብ ጥጡሕ ቦታ ኮይኖም ይፍጽሙ፣ ነዚ ተረዲኡ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ንመላለስ ዝብለና፣

ኩሉ ወዲሰብ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ፍጡር ካብ ኮነ ንክርስትያን ከኣ ብዝበለጸ ይምልከቶ፣ ከመይ ነቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተሓበሮ መንገዲ ክጐዓዝ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ፍቃድ ማለት ፍቃድ ሥጋ ክፍጽም ኣይኮነን ዝተጸወዔ፣ ይብሉ እሞ ነዚ ንከብራህርሁ ፍቃድ ሥጋ እንክንብል ‘ንዓይ ይጠዓመኒ ብዝብል ሥነመጎት ተረቲዕካ ነቶም መጓዕዝትኻ ምርኣይ ክሳብ እትስእን ዘዕውረካ ኮይኑ ኣብ ከባቢኻ ከኣ እንታይገደሰኒ ዝብል ሸለልትነት ዓለም ይዕብልል` ኢሎም፣

‘ብስምዒት ተደፋፊእካ እትገብሮ ኩሉ ግዙእ ናይቲ ቅጥዒ ዘይብሉ ዓድግ ጥራይ ዝብል ልማድ ባርያ ትኸውን! በዚ ኸኣ ንድምጺ ኣምላኽ ሱቊ ተብላ! እቶም ካልኦት ናይ ጉዕዞ ብጾትኻ ምናዳ ጉዕዞ ዘጸገሞም ሓገዝካ ዘድልዮም እንተበልካ ኸኣ እዚኦም ጸገም ስለዝኾነ ሽማግለታት ይኹኑ ሕጻናት ሓገዝ ዚሓቲ ትርስዖም፣ ተፈጥሮ ንዘድልየካ ነገራት እተፍርየላ እምበር ካልእ ኣይኮነትን` ነዚ መንፈስ እዚ ካብ ሱሩ መንቊስካ ብዘይ ምኽኒትን ወዓል ሕደርን ክንክሕዶ ክንሰጎ ኣሎና፣ ኢሎም፣

ነቲ 70 ዓመቱ ዝዝክር ዘሎ ቤትም ኽሪ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ብፍቅሪ ወንጌል ተመሪሖም ኣብቲ ጥንታዊ ታሪኻዊ ስጉምቲ ጐይታ ተመርኲሱ ክግስግስ ተማሕጺኖም፣ ኣብ መንጎ ክርስትያን ዝረኤ ምምቅቃል መብዛሕትኡ ግዜ ዝቅልቀሉ ኣብቲ ሱር ገለ ካብ ናይ ዓለም መንፈስ ክርከቦ እንከሎ እዩ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ቅድመና ተሰጢሖም ዘለው ፈተናታት እንተዘይበዚሖም ኣይወሓዱን፣

`እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ርሕቀት ምስምስ ክኸውን የብሉን፣ እንደገና ብመንፈስ ክንመላለስ ንኽእል ኢና፣ ክንጽሊ ወንጌል ክንሰብኽ ብሓባር ክነገልግል ንኽእል ኢና፣ እዚ ይከኣል እዩ ብእግዚብሔር ከኣ ቅቡል እዩ፣ እታ መሪሕ እትኾነና ጐዳናኸስ እነሀት ብሓባር ምግስጋስ ብሓባር ምጽላይ ብሓባር ምሥራሕ’ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣

ኣብ መዕጸዊ እቲ ምእንቲ ውህደት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት

መዝሙር ናይ ምሕረት ኢዮበልዩ ቅዱስ ዓመት ተዘሚሩን

ተኣምኖተ ሃይማኖት ተደጊሙን ጸሎት ምእንቲ ውህደት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓሪጉ

ናይ መዕጸዊ መዝሙር ቅድሚ ምቕራቡ ነቲ ምእንቲ ናይ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ቅዱስ ኣቦና ብዘዕረገዎ ጸሎትን ብዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬን ምእንቲ ሓድነት ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ዘተኮረ መዛሙራት ቀሪቡ ከምእተዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ዜና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ተቕዋም ስነ ዘተ ቦሰ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ስነ ርክብ ስነ ዘተን ሕንጸትን ዝወሃበሉ ኣብቲ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጸ ግንቢ ዝርከብ ኰይኑ፡ ናይቲ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ንፈለማ ጊዜ ዝተሓርዩ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ላውረንት ኢዋማዲ ምዃኖም ይንገር።

እቲ ተቕዋም ንእሽተይ ቅድስቲ መሬት ዝብል መጸውዕ ከምእተውሃቦን ኣብ 1946 ዓ.ም. ዝተመስረተን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ባህልን ዝተዋጽኡ ተመሃሮን ምሁራንን ዘእንግድ ተቕዋም እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዳርጋ ክበሃል ይከኣል ዝተዋጽኡ ተመሃሮ የእንግድ፡ ተመራመርቲ እውን ዝለዓለ ናይ ምርምር መጽናዕቶም ንኸካይዱ ዝእንገድሉን ዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ስነ ዘተ ቲዮሎጊያን ስነ ተልእኾን ማሕበራዊ ስነ ምግባርን ኣብ ዝብሉ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ዝሕነጽሉ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ናይቲ መንበረ ጥበብ መምሃራን እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ እያቶም፡ ምስ እቲ ናይ ስነ ምርምር ሕንጸት ተተሓሒዙ እውን ተመሃሮን መምሃራንን ማሕበራዊ ሕይወት ዝነብርሉን መንፈሳዊ ተመክሮ ዝለዋወጥሉን ብተወሳኺ እውን ቲዮሎጊያዊ ስነ ምህዳር መሰረት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ንምስፋሕ ዝድግፍ ሕንጸት ዝረኽብሉን እቲ ተቕዋም ዝህቦ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ እውን ኣብ መላእ ጀነቭ ተቐባልነት ዘለዎ ብዙሓት መናብርተ ጥበብ ዓለም እውን ቅቡል ዝብልኦ እዩ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተክርስቲያ ናይ ሓባር ጸሎት ናብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ተቕዋም ቦሰይ ብምኻድ ኣብቲ ተቐዋም ንኽብሮም ኣብ ዝቐረበ መኣዲ ምሳሕ ምስ መላእ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ መርሕነት ኣካላት ንክኻፈሉ ሰዓት 12.45 ደቓይቕ ምስ በጽሑ በቲ ናይቲ ተቐዋም ኣመሓዳርን ናይ ስነ ትምህርቲ ኣገልግሎት ዋና ኣመሓዳሪ ንፈለማ ጊዜ ዝተሓርዩ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ላውረንቸ ኢዋማዲ ምስ ዝርከብዎም ብብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ብኣስተርጓምን ተሰንዮም ብምኻድ መኣዲ ምሳሕ ከምእተቛደሱ ካምፓኒለ ሓቢረን ድሕሪ ፍጻሜ እዚ ርክብን’ዚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጠቕላላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ዶክተር ትቫይትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ግረግ ቡርከ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ኣፍሊጠን።

ኣብ መደብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክብ ንኽሳተፉ ልኽዕ ንሰዓት ኣርባዕተ ርብዒ ጐደል ኣብ ቪሰር ትሆፍት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ በጽሑ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ምኽትል ጉዳይ ዘተ  ናይ ሳሲማ ሜጥሮፖሊታ ፕሮፈሰር ብፁዕ ኣቡነ ገናዲዮስን ብፅዕት ኣቡነ መርይ ኣን ስወንሶንን ኣቀባብላተገይሩሎም ምስ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊዋና ጸሓፊ መጋቤ ዶክ ትቫይትን ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ተሰንዮም ናብቲ ኣዳራሽ ምስ ኣተዉ ናይ መኽፈቲ ጸሎት ዓሪጉን፡ ዶክተር ትቫይት ዘረባ ምስ ኣስምዑ መዝሙር ምስ ተሰዐ ቀጺሞም እውን ፕሮፈሰር ገናዲዮስ ዘረባ ምስ ኣስምዑ ምዝሙር ቀሪቡን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብማለት ቃሎም ክህቡ ጀመሩ፣ ንኲሎም እዚ ሓዋርያዊ ንግደት እዚ ክውን ንክኸውን ዘበርከቱ ኩሎም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ንዶ/ር ጥቀ ክቡር ኦላቭ ፊክስ ትቫይት ንኣላይት እቲ ጉባኤ ዶ/ር ኣኘስ ኣቡም ስለ እቲ ተቀብላን ሠናይ ምንዮትን ጥዑም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ንዝኽሪ መበል 70 ዓመት ተቍዋም ቤትምኽሪ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ስለምዕዳሞም ኣመስገኑ፣

‘ብብሂል ቅዱስ መጽሓፍ 70 ዓመት ናይ ሓደ ዓቢ ፍጻሜ ምልክት መለኮታዊ ቡራኬ ኮይኑ ይቀርብ፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እንክንምልከት ክልተ ነጥብታት ኣለዋ፣ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ማቴ 18.22 ትርከብ ኮይና ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ሓወይ እንተበደለንስ ሸውዓተ ሳዕዶ ክምሕሮ’ ኢሉ ምስ ሓተቶ ኢየሱስ ‘ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ እምበር ሸውዓተ ግዜ ኣይብለካን’ እንክብል ነታ ክሳብ ሽዑ ከም ቁጽሪ ኮይና ግዙፋዊ ብዝሒ ምግላጽ ሓሊፋ ዓይንታዊ ዝርጋሔ እዚኣ ከአ መወዳእታ ኣልቦ ዝኾነ ሓዲስ መኣዝን ሒዛ ንኩሉ ግዜ ንዘለዓለም ብዘይገደብ ከምእተስምዕ ኮይና፣ ነቲ ብዓቀን ዝምተር ዝ ነበረ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ኣተሓሳስባ በጣጢሱ ብዘይ ገደም ኩሉ ጊዜ ናብ ምምሕሓርን ምፍቃርን ኣሰጋገሮ፣ ንዓና እውን ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ዝሰሰድ ምፍልላይ ብጸጋ እግዚብሔር ዳግም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንፍቀርን ክንተሓባበርን እንኽእለሉ ጸጋ ዘልብሰና እውን እዚ መሪሕ እዚ እዩ፣

ሎሚ ከምዚ ኢልና እንክንራኸብ ክነመስግኖም ዘሎና እቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ‘ከማና ሓደ ክኾኑ’ ዮሓ 17 ክብል ዝጸለዮ ጸሎትን ዘቅረቦ ጻውዒትን ግብራዊ ከምዝኸውን ኣሚኖም መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ናይ ዕርቅን ይቅረ ምብህሃልን ዘካየዱ ቀዳሞት ኣቦታትን ኣደታትን እዮም፣ ነዚ ክገብሩ ዝኸኣሉ ከኣ ክንዮ እቲ ዝነበረ ፍልልይ ብምጥማትን ነዚ ዝነበረ ፍርሂ ንምሽናፍ ትብዓት ስለዝረኸቡን ኣብ ሓድነት ስለዝኣመኑን እዩ፣ እቲ ነገሩ ከምቲ ሓደ ካብ ቀዳማት ኣቦታት ቅ። ጎርጎርዮስ ዘኒሳ ‘እንተ ደኣ ነዚ ፍርሒ ዘሸንፎ ፍቅሪ ኮይኑ ርግጽ እቲ ዝነበረ ፍርሂ ናብ ፍቅሪ ይልወጥ፣ ኣብዚ ከኣ ዘድሕነና ሓድነት ምግባር ጥራይ ምዃኑ ይግለጽ’ ክብሉ ዝሰበኽዎ እዩ፣ ንሕናኸስ ዕድለኛታት ኰና ካብ ንእሽቶ ዘርኢ ወንጌል ሒዞም ብእምነትን ተስፋን ፍቅርን ብብዙሕ ገድሊ ኣብዚ ናይ ዘብጽሑና ነቲ ናይ ውድድርን ጽልእን ቅድድም ዝዓብለሎ ታሪኽ ንክልውጡ ትብዓት ናይ ዝረኸቡ ፍረጻዕሪኸስ እዚ እዩ። ነዚ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዘስተንፈሰን ዘጀመረን ዝመርሖን መንፈስ ቅድሱ ምስጋና ይኹኖ። እቲ ዝነበረ ናይ ቅርሕንትን ጽልእን መንገዲ ተቀይሩ እታ ጥንታዊት መንገዲ ክርስትያን መንገዲ ዕርቅን ሕውነትን ሓድነትን ተጋሂዱ፣

‘እታ ካልአይቲ ምልክት ናይ ሰብዓ ኣብ ሉቃ 10.1 ተመልኪቱ ከምዘሎ ቊጽሪ ናይቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ኮይኑ እዚኦም ኣብ ኩሎም ብሓባር ኣብ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ከም ቅዱሳ ን ዝክረ በዓል ይገብሩሎም፣  እዚ ቊጽሪ ነተን ኣብ ኦሪት ዘፍ 10 ተዘርዚረን ዘለዋ ሽዑ ዝተፈልጣ ዓዳት እውን ኣሎ። እዚ ቊጽሪ’ዚ እንታይ የመላኽተልና? እዚ ተልእኾ እዚ ናብ ኩሎም ሕዝቢ ዘቅነዔ ከምዝኾነ ኩሉ ረድኢ ናይ ጐይታ ሓዋርያ ልኡኽ ክኸውን ኣለዎ እዩ ዝብለና ዘሎ፣ ቤትምኽሪ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንከስ ናይቲ ዝቀረበ ጻውዒት ማለት ነታ ‘እቶም ክርስትያን ነንሕድሕዶም ተኸፋፊሎም እንከለው ከመይ ኢሎም ክሰብኩ ይኽእሉ’ እትብል ሕቶ ስብከተ ወንጌል ግቡእ መልሲ ንምሃብ ተወልደ፣  እዚ ህጹጽ ጻውዒት እዚ ካልእ ተሓዚሉ ንዘሎ ዓቢ ጸሎት ሓድነት ጐይታ ማለት ኦ ኣቦ ሓደ ክኾኑ እልምነካ ኣሎኹ ይብል እሞ በዚ ከኣ ዓለም ክኣምን እዩ 17.21 ዝበሎ እቶም ኣመንቲ ሓደ እንተኾይኖም ዓለም ብጐይታ ክኣምን ኣይጽገምን ኣይዕንቀፍን ምኽኒት ኣይፈጥርን ንማለት ዝብሉ እንክጥዕሙ ገልጹ።

ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ተደጊሚን ብመንፈሳዊ መዝሙር እቲ መደብ ከምእተፈጸመ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ነርባዕተ ኣባላት ፈደራላዊት ወጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስዊዘርላንን ንሸሞንተ ኣባላት ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪን ንናይቲ ቤት ምኽሪ ማእከላዊ ኮሚተ ኣባላት ንዝዀነ ሰለስተ መንእሰያትን ተራኺቦም ሰላምታ ተለዋዊጦም ከእተሰናበቱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ካምፓኒለ ኣስዒበን፡ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርግሉ ፓለኤክስፖ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ልክዕ ንሰዓት ሓሙሽተ ዓሰርተ ደቓይቕ ጐደል ከምዝነቐሉን ዕለት 21 ሰነ ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል  ቅዱስ ልዊጂ ጐንዛጋ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ፥

መጽሓፈ ሲራክ ምዕ. 48 ካብ ፍቕዲ 1-14 ብቋንቋ እንግሊዘይናን

መዝሙረ ዳዊት ብቋንቋ ጀመንን

ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 7-15 ብቋንቋ ፈረንሳን ምስ ተነበ

ቅዱስነቶም ስብከት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ወንጌል ሠለስተ ቃላት ከምዝህበና ንሰን ከኣ ኣቦ! መግቢ ዕለት! ይቅረ ምባል ወይ ምምሓር እየን ኢሎም፣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝመሃሮ ጸሎት ኣቦ ኢሉ ይጅምር፣ ምናልባት ብካልእ ቃላት እውን ክጅምር ይኽእል ነሩ ኮይኑ ግን እዛ ቃል እዚኣ ናብ ልቢ እግዚብሔር እተመሓላልፍ መፍትሕ ስለዝኾነት ክርስዓ ኣይክእልን ንእግዚብሔር ኣቦ ኢልካ ምልማንከስ ‘ቋንቋ ክርስትያን’ እያ፣ ክርስትያናዊ ጸሎት ክነዕርግከስ ማንም ኣምላኽ ኣይኮናን ንጽውዕ ወይ ነምልኽ ኣቦ ዝኾነ እግዚብሔር ኢና ነምልኽ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና እንክብል እምበር ናይ ሰማያት ኣምላኽ ዝኾንካ ኣምላኽና ኣይኮነን ዝበለ፣ ቅድሚ ዘለዓልማውን መወዳእታ ዘይብሉን ምዃኑ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ፣ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ኤፌ 3.15 ዝብሎ ኩሉ ኣቦነትን ኩሉ ኣደነትን ማለት ወላዲነት ካብኡ ይምንጩ፣ ኩሉ ሠናይ ዘበለ ሕይወትናውን ካብኡ ይምንጩ፣ ኣቦና ኸስ ሕይወትና እዩ ንሕና ከኣ ፍቁራት ደቁ ኢና፣ እዚኣ ቃል እዚ ነቲ ዘሳቅየና ብሕትውና ከምኡ እውን ዝኽትምና ይኣሊ! እታ ጐይታ ዝሃባ ትእዛዝ ንእግዚብሔር ኣቦና ብምሉእ ልብኻ ምፍቃር ንካልኦት ከኣ ከም ኣሕዋት ምፍቃር ትብል መሠረታ እዚ ኮይኑ እታ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይን ንሕና እትብል ቤተክርስትያን ከስ ናተይ ከይበለት እግዚአብሔረይ እግዚአብሔካ ከይበለት ኣቦና ትብል እሞ ሕልፍ ነዚ ዓቢይ መሓርን ፈጣርን ንስኻ ኣታ ኢላ ኣብ ካልኣይ ኣካል ኣቅርብ ኣቢላ ስምካ ይቀደስ መንፍስትኻ ትምጻእ ፍቃድካ ኣብ ሰማይ ከምዝኾነ ኣብ ምድሪ ይኹን ኢልና ናይ ነፍሲወከፍና ምዃኑ ተመልክት፣ ዕለት ዕለት ብትእምርተ መስቀል ጀሚርና ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር እንክደግም ዝኾነ ሥራሕ ቅድሚ ምጅማርና ከምዚ እንክንገብር ኣብዚ ካብ ሱሩ ርሒቁ ዘሎ ማሕበረሰብ ኣብቲ ሱርና መሠረትና ዝኽዕና ኣቦና ንምለስ፣ ሓደራኸስ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ካብ ምባል ኣይንሰልኪ፣ እዚ ኣቦ ዘይብሉ ውሉድ ኣብ ገጽ ምድሪ ከምዘየሎ ከዘኻኽረና እዩ፣ ኣብዚ ዓለምና ማንም በይኑ ዘሎ ከምዘየሎ ከረጋግጸልና እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እንኮ ውሉድ ከምዘይኮና ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዘለውና እውን ከዘኻክረና እዩ፣’ ብማለት ኣቦነት እግዚአብሔር ገሊጾም።

እታ ካልአይቲ ቃል ዕለታዊ እንጌራ ትብል ኮይና፣ ንዕለቱ ዝኸውን ካብኡ ዘይበዝሕ ካብኡ ዘይውሕድ ክንልምን ስለዝእዝዘና ንዕለቱ ዘንብረና እኹል እንጌራ ንልምን፣ እንክብሉ ብዛዕባ ሥጋውን መንፈሳውን መግቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ‘እዚ መግቢ ዕለት እዚ ንጥዕና ንሥራሕ እዩ፣ ብዝሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስኢኖሞ ዘለው እዚ እዩ፣ ናይ ዕለት እንጌራ! ስለዝኾነ ደጋጊሙ ከዘኻክረኩም ብዕለታዊ እንጌራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ካብ ዕለታዊ እንጌራ መኽሰብ ክእክብ ዝጽዕር ወይልኡ ወይልኡ ወይልኡ ዝብሎኸስ በዚ እዩ፣ ዕለታዊ እንጌራ ምልማንከስ ‘ኣቦየ ንሕይወት ቅልል ብዝበለ ዓቅመይ ብዝኾነ መንገዲ ክመርሓ ሓግዘኒ’ ኢለ እየ ዝልምን። ገርሀይና ቅልል ዝበለ ሕይወት ሰሓቦ ጉተቶ ዘይብሉ ታህዋኽን ምሽቃልን ዘይብሉ፣ ብዙሕ ዘይደልየና ነገር ንክንእክብ ንሕይወትና ንሕምሶ እታ ትኣክል ግን እዚ ቅልል ዝበለት እያ፣ ስለዚ ነዛ ቅልል ዝበለት ሕይወት ንምረጽ፣

ልዕሊ ኩሉ ክንዝክሮ ዘሎና ግን እዚ ዕለታዊ እንጌራ እዚ እቲ ብዘይካኡ ሓንቲ ክንገብር ዘይንኽእል (ዮሓ 15.5) ኢየሱስ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ፣ ንሱ ቀንዲ መግብና ኮይኑ ናይ ዕለትና ማእከል እንተዘይኮይኑ ዕለታዊ እስትፋስና ኢየሱስ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ከንቱ እዩ፣ ቅድምያ ንኢየሱስ ንሃብ፣’ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ቃል ይቅረ ምባል ኮይና ብሓቂ ከባድ እያ፣ ሕይወት ቃልሲ ብምዃኑ ብዙሕ ቂምን በቀልን ቅርሕንትን ሒዝና ስለንጐዓዝ ምምሓር ከቢድ እዩ፣ ኮይኑ ኢየሱስ ነዛ ነገር እዚኣ ከም ውዑል የቅርበልና፣ እንኮ መብራህርሂ ዝገበርና ናይ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ክፍሊ እዚኣ ጥራይ ኮይና ‘ንስኹም ንካላኦት ንዝበደሉኹም ይቅረ እንተኢልኩምሎም ሰማያዊ ኣቦኹም እውን ይቅረ ክብለልኩም እዩ ንስኹም ነቶም ዝበደሉኹም ይቅረ እንተዘይኢልኲም ሰማያዊ ኣቦኹም እውን ይቅረ ኣይብለኩምን ኣይምሕረኩምን’ (ማቴ 6.14-15) ይብል ናይ ሰማያዊ ኣቦና እተብጸሓናን ደቁ እትገብረናን መንቀሳቀሲ ወረቀትከስ ይቅረ ምባል ምምሓር እዩ፣ ምሕረት ነጻ ይገብረካ የሐድሰካ ሰላም ይህበካ እንክብሉ ደቂ እግዚብሔር እንተኾና ውሉድ ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኣቦኡ ክንገብር እዚ ከኣ ፍቅርን ምሕረትን ስለዝኾነ በዚ ጥራሕ ኢና ደቂ እግዚብሔር ምዃና እንምስክር እንክብሉ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም፣ 

ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ናይ ሉሳነን ጀነቭን ፍሪቡርጎን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሞረሮድ ናይ ምስጋና ቃል ምስ ኣስምዑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ሓጺር ዘረባ ኣስሚዖምን ንብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ገጸ በረከት ለጊሶም ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ንብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ነጀቭ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ነቶም ኣብ ጀነቭ ዝርከቡ ውድባት ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ሰላታ ተለዋዊጦም ንሰዓት ሸሞንተ 35 ደቓይቕ ጐደል ናብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ጀነቭ ተጓዒዞም ልክዕ ንሰዓት ሸሞንተ ርብዒ ጐደል ብናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ኣላይን በርስትንን ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ኣማኻሪት መንግስቲ ኮሪ ለኡታርድን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ልኡከ መንግስቲ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ስንብታ ምስ ገበሩሎም ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም  ክነቕሉን ንሰዓት 10 ርብዒ ጐደል ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ እዮም ካምፓኒለ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.