2018-06-23 17:06:00

ቅዱስ ኣቦና ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ባይቶ ግብረ ሰናይ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም


ማእከላይ ምብርቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ክተርፍ ዘክእል ስግኣት ከቢብዎ ኣሎ! ነዚ ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብ መበል 91 ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ጉባኤ ዝተስሳተፉ ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ባይቶ ግብረ ሰናይ ንናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ዕለት 22 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ክቡራት ተጋባእያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዘዘንብይ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ብጽሑፍ ዘቕረብክዎ ቃለ ምዕዳን ይጽናሕ ክብል እግደድ፡

ማእከላይ ምብራቕ ሎሚ ናይ ጽንኩር ሕይወትን ኩነትን መስቀላዊ መገዲ ኰይኑ ኣብ ስቓይ ይርከብ። ናይ ገለ ገለ ሰባት ድላይ ክብሎ ዘይደሊ ይኹንድ ደኣ እምበር ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ዘትርፍ ስግኣት ይዘንብይ ኣሎ፡ ህልውና ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓክኽ፡ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ዘትርፍ፡ ግና ማእከላይ ምብራቕ ኣልቦ ክርስቲያን ክኸውን ዘይከኣል እዩ።

ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ርእየት ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ

ማእከላይ ምብራቅ ሎሚ ይነብዕን ይሳቐን ኣሎ፡ ርእየት ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ንባህልን ንእምነትን ንናይ ኣሕዛብ ዕለታዊ ሕይወትን መነባብሮን ዘጋጥሞ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ ዘትኵር ዘይኮነስ እቲ ከባቢ ንምምቕራሕን ንዓይ ንዓይን ዝብል ገዛኢ ሓይሊ እዩ፡ ብርግጽ እዚ ኩነት’ዚ ኸኣ ካብቲ መበቆል ክርስትና ዝዀነ መሬት ክርስቲያን ክወጽእ ይድኽር ኣሎ፡ ካብቲ ከባቢ ዝለቐቑ ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዘጋጥሞም ስቓይ ከቢድ ብምዃኑ ንኽምለሱ ድላይ እውን ተለዎም እዚ ድላዮም ዘርሕቕ እዩ።

ማእከላይ ምብራቕ ንግዛእ ርእሱ ክዕቀብ ዘለዎ ዓቢይ ሃብቲ እዩ   

እዚ ንስኻትኵም ተሳልጥዎ ዕዮ ግብረ ሰናይ ንማእከላይ ምብራቕ ዓቢይን ዝድነቕን ኣገልግሎት እውን እዩ፡ ከመስግነኩም እደልይ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ቲዮሎጊያዊ ሊጡርጊያዊ መንፍሳውን ሰብኣውን ሃብቲ ብሓቂ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃብቲ እዩ፡ ክዕቀብ ዝግብኦ ናይ ኩላትና ሃብቲ እዩ፡ ስለዚህ ንዕቃቤኡ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ግድን ይኸውን፡ እቲ ካብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝውሕዝ ምንጪ ሕይወት ንመንፈሳውነት ሕይወት ዝህቦ ድርኾት ምዕራብ ዓለም ቅድስና ንኸስተንትን ዝሓንጽ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ዛዕባ ስደተይናታትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሕ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት እናሓሰቡ፡ እቶም ኣብ ዮርዳኖስን ቱርክን ኤውሮጳን ዝእንገዱ ኣብ ኢጣሊያን ከምኡ እውን ኣብ ለስቦ ደሴት ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዝተራኸብዎምን እናሐሰብ፥

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሕዝቢ ንዓቢይ ስቃይ ዝዳርግ ከቢድን ጽንኩርን ኩነት ኣሎ፡ እዚ መንፈስ ክፍኣት ከኣ ጽምኢ ስልጣን ዝብል ሓጢኣት እዩ፡ ገዛኢ ንምዃን ምድላይ፡ ኣነ ሓይል እየ ዝብል፡ ብዝተራቐ ኣጻዋር እውን ዝተሰነየ ካልእ ንምዕብላል ዝሕቅን ድላይ ስልጣን ንብዙሃት ዜጋታትን ሕጻናትን ንኸቢድ ስቓይ ይዳርግ ኣሎ።

ናይ ብዙሕ ሕዝቢ ስቓይ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውሑዳት ኣቢያት ትምህርትን ውሁዳት ኣባይቲ ሕክምናን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ብዘይ ምቑራጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዝፍጸም ደብዳብ ዘስዕቦ ዘሎ ዓቢይ ሽግር እዩ፡ እዚ እቲ ዓቢይ ናይ ውግእ ሓጢኣት እዩ፡ እቲ ካልእ ሓጢኣት ከኣ ይብሉ ቕዱስነቶም፥

ብጀካ ድላይ ስልጣንን ውግእን ካልእ ሓጢኣት እውን ኣሎ ንሱ ኸኣ እምነትን ሕይወት ዘየጣመረ ሕይወት ምንባር ዝብል እዩ፡ ብዙሓት እውን ኣይዅኑ ገለ ገለ ካህናትን ጳጳሳትን ገለ ገለ ኣባላት ገዳማትን መንፈስውያን ማሕብራትን ድኽነት ይሰብኩ እሞ ከም ሃብታማት ዝነብሩ ኣለዉ፡ እቲ ሳልሳይ ሓጢኣት እምበር ከስ እዚ እዩ፡ እምነትን ሕይወትን ዘየራኽብን ዘየጣምርን ዓይነት ኣነባብራ ምንባር፡ እዚ ጉባኤ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ካብ መበለት ማለት ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝጥቐስ ካብታ ዘለዋ ካብ እትህብ ካብታ ድኻን ትሕትን ሰበይቲ ካብ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ካብ ዘለዎም ዘካፍሉ ዝወሃብ ድጋፍ ኣኪቡ ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ዘቕርብ እዩ፡ ስለዚህ እቶም ካብታ ዛርካቦም ካብ ዘካፈሉ ኣሕዋት ድጋፍ ዝረኽቡ ገዳማውያንን ካህናትን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ብሃብቲ ዓቕሉ ዘጽበበ መነባብሮ ዝነብሩ እንተለዉ ወይለኦም፡ ስለ ኣቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክቖሙን ገዛእ ርእሶም ከተሕቱን ይግባእ ሓደራ

ምስ በሉ፥

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተስፋ ምኹስኳስ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ተስፋ ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሮም፡ እግዚኣብሔር ንበይንና ኣይክሓድገናን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ማእከላይ ምብራቕ ተስፋ እዩ፡ ከምዚ ንስኻትኩ በዚ ማሕበርኩም ኣቢልኩም ከምእተግብርዎ ዘለዅም ነዚ ተስፋ ምዅስኳስ ናይ ኵላትና ሓላፍነትና እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.