2018-06-23 17:14:00

ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ መንጐ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያን


ኣብ ጀርመን ከተማ ሂልደሳይም ዝተኻየደ ወንጌላዊ ተልእኾን ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ እውናዊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣተኵይሩ ዝተኻየደ ዓስራይ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ መንጐ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያን ዕለት 22 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እዚ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና እዩ

ብናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ማግደበርግ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ገርሃርድ ፋይገን ኣብ በርሊን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ፖዶልስክ ጳጳስን ናይ በርሊን ሰበኻ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መስተናብር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቲክሆን ተመሪሑ ዝተኻየደ ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ክኸውን እንከሎ፡

ሓባራዊ ግንዛቤ ኣብ ወንጌላዊ ልኡኽነት

ዋላ’ኳ ታሪኻውን ባህላውን ኩታት ፍልልይ ይሃሉ ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ድላይ ምድሓን ንምግልጋል ብእምነት ዝተውሃበ ሓላፍነት ተልእኾ ወንጌል ሓባራዊ ግንዛበ ኣሎ፡ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተነቢሩ ከምዘሎን ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ዋላ’ኳ ኣብ ኣሰያይማን ስነ ቃላትን ፍልልይ ይሃሉ፡ ብተግባር ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ብዛዕባ ተልእኾ ሓደ ዓይነት ርድኢት እዩ ዘለወን፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ንገዛእ ርእሱ እቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብቲ ናይ ሎሚ ህብረኣዊ ሕብረተሰብ ወጽኢት ዝህልዎ ሕይወትን ቃንል ዘጣመረ ኣብነታውን ሓቀይናን ናይ እምነት ምስክርነት ምስ ዝህሉ ጥራሕ ምዃኑን ከዝሚ ምስ ዘይከውን ግና እቲ ምስክርነት ከም ዓፍራ በኒኑ ዝጠፍእን ሓሳብን ወይ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ኣገባብ ንናይ ሃይማኖት ባህሊ ዘእሙን ቃል ኰይኑ ጥራሕ እዩ ዝተርፍ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣውን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል

ናይ እዋናዊ ሰብ ቋንቋ ግምት ዝህብ ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ብስራት ወንጌል ንእዋናዊ ኩነት ክፉት ክኸውን ግድን እዩ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዕምቆት ተንቲኑን እሙን ሓሳብ ከምዝበሎ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፡ እዚ ኣብ መንጐ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቲይሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ በቢ ተራ ኣብ ጀርመንን ሩሲያን ዝእንገድ በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ እውን ምዃኑ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.