2018-06-24 08:40:00

ሰንበት ዘኣባ ገሪማ ሰነ 17 2010ዓ.ም. (6/24/2012)


ንባባት፡   2ቆሮ 9፡1-11፥ 1ጴጥ 2፡1-6፥ ግ.ሓ. 4፡31-33፥ ማር 2፡13-17። ስብከት፡“እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ፥ ወይሓውር እምኃይል ውስተ ኃይል፥ ወያስተርኢ አምላኸ ኣማልክት በጽዮን”። “እቲ መምህር ሕጊ በረኸት ይህብ፥ ካብ ኃይሊ ናብ ኃይሊ ይኸይድ፥ አምላኽ ኣማልኽቲ አብ ጽዮን ይግለጽ” ( መዝ. 84፡7)።

መዝሙር፡ “ኣባ ገሪማ ጸሎትካ ትባርኸኒ ሎሚ ነፍሰይ አብ ቅድመኻ ትኽበር፥ ኣባ ገሪማ ብጸሎቱ ንጋሆ ይዘርእ ምሸት ከአ ግራቱ ዘኽይድ ብምዓልቱ ዓውዱ ዘእቱ ከም መላእኽቲ ዝመስል ሕይወቱ። ልብሰ ንግስነቱ ዘጋልጽ ኣባ ገሪማ ጸሎትካ ትባርኸኒ ገሪማ ገረምካኒ ልብሲ ምንኩስናኻ ጉድለት ክፍኣት ዘይብላ” እናበለ ኣባ ገሪማ አብ ሕይወቶም ቅዱስ ከም ዝነበሩ ይነግረና።

ድኅሪ ጰራቅሊጦስ ዘሎ ሰናብቲ ካብ ኣባ ገሪማ 17 ክሳብ ባሕቲ መስከረም ዘሎ ጊዜ ዘክረምት ተባሂሉ ይፍለጥ። 1ይ ዘአስተምህሮ ካብ አባ ገሪማ ክሳዕ በአተ ክረምት 25 ሰነ እዩ። እዚ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰንበት ዝሓዘ እዩ። 2ይ ካብ 25 ሰነ ክሳብ ቂርቆስ 19 ሓምለ መዛሙሩ ዘዘርእ፥  ደመና፥ ጊሜ ክረምት ተባሂሎም ዝፍለጡ ይዝመሩ።

ኣባ ገሪማ ሓደ ካብቶም ፱ቱ ቅዱሳን ገለ ካብ ሮማ ገለ ኸአ ካብ ሶርያ ዝመጽኡ እዮም ዝብልዎም አብ ሃገርና ክርስትና ብዝያዳ ዝሰበኹን አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ዝገበሩ ዓቢይ ሓዋርያ እዮም። ፱ቱ ቅዱሳን ዝፍለጡሉ አብ ብዙሕ ክፍሊ ሃገርናን ኢትዮጵያን ገዳማት ተኺሎም ወንጌል አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ዝገበሩ መስረቲ ግዕዛዊት ቤተ ክርስትያን ክብሃሉ ይክአል። ክርስትና ደልዲሉ አብ ሃገር እቲ ቀንዲ እምነት ገሮም ሃገርና ሓንቲ አብ ምስራቕ አፍሪቃ ደሴት ክርስትና ከም እትኽውን ዝገበሩ አቦ እምነትና እዮም። እዚ ሰንበት ሰነ 17 አብ ሰንበት ክውዕል እንከሎ ብስሞሞ ተሰምዩ ፍሉይ መዝሙር ናቱ ይዝመረሉ።

ቀዳሞት ክርስትያን ሕይወቶም ቃሎም ኩሉ ንእምነቶም እዩ ዝገልጽ ነሩ፥ ሰባት አብቲ ዝብልዎን ዝገብርዎን ርእዮም ንክርስትና ክቕበልዎ ጊዜ አይወሰደን። ወንጌል አብ ሕይወቶም ተራእዩ ክርስትና ሃገርና አብ ኩሉ በጺሑ። ሎሚ ንቀዳሞት አበው ክንዝክር ከሎና ነቲ ንሶም ዘውረሱና እምነት ለቢስናዮ ክንጉዓዝ እሞ አብነት ክንከውን ከምዘሎና ክንዝክር ዝሕግዘና ሰንበት እዩ።

ሰባት አብ ሕይወተይ ብምዕዛብ ንመን ይርእዩ ኢልና ክንሓትት እዋኑ እዩ። ኣባ ገሪማ አብኦም ኢየሱስ ክርአ ስለ ዝተኻእለ ሰባት ይሰምዕዎም ይቕበልዎም ነሮም ሎሚ አባይ አብ ስድራይ አብ ቍምስናይ አብ ቤተክርስትያና መን እዩ ዝርአ ዘሎ። ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ዝዘንጋዕና ወይ አምሰሉታት ዝበዛሕና ኢና። አብ ልብና ቅርሕንቲ ጽልኢ ክፍአት ሒዝና እንከሎና ጥዑያት ንመስል በዚ ኸአ ኢየሱስ አባና ከይርአ ከዋሊ ነገር ፈጢርና ካልእ ነገር ነርኢ አሎና፥ ከምኡ ክርእስትናና ደስኪሉ ዛሕሊ መንፈስን ፍቕርን ጎዲሉ ዳግማይ ሰብከተ ወንጌል የድሊ አሎ። ክንበራበር ካብቲ ወዲቕናዮ ዘሎና ክንትንስእ ለበዋ አቦና ንዘክር።

ዝተነበ ወንጌል ብዛዕባ ጸዋዕታ ሌዊ (ናይ ዕብራይስጢ ስሙ) (ማቴዎስ) ይነግረና። ቅዱስ ማቴዎስ ብማርቆስን ሉቃስን ሌዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ ስርሑ አኽፋላይ ቀረጽ ከም ዝነበረ ይነግሩና። አኽፈልቲ ቀረጽ ንሮማውያን ስለ ዘገልግሉን ካብቲ ቀረጽ የጠፋፍኡን ገንዘብ ሓራም ኮይኑ ይርአ ስለ ዝነበረ ከም ኃጥአን እዮም ዝርኣዩ ነሮም። አብ ወንጌል ዮውሃንስ ስሙ አይጥቀስን። ማቴዎስ ወንጌል ከም ዝጸሓፈ ካብ መጀመርያ ኢረነዩስን፥ ፓፕያስ፥ ዝተባህሉ ናይ ቀዳመይ ዘመን ጽሓፍቲ ይምስክሩልና። ወንጌሉ ነቶም አብ ክርስትና ዝተመልሱ አይሁድ እዩ ተጻሒፉ። ንሱ አብ መጀመርያ ወንጌሉ ብዛዕባ ወለዶ ኢየሱስ ስለ ዝነገር ብአምሳል ሰብ ይፍለጥ። አብ ትውፊት አብ ከባቢ ሃገርና ከም ዝመጸን ወንጌል ከም ዝሰበኸን ይንገር። ካልኦት ከአ አብ ፋርስ (ኢራን) ከም ዝሰበኸን አብኡ ብሰማዕትነት ከም ዝሞተ ይነግሩ።

ሕይወት ማቴዎስ ንኹልና አብነታዊ እዩ፡ ንሱ አኽፋላይ ቀረጽ እዩ ነሩ በዚ ኸአ ካብቶም ዝኸፍኡ ኃጥኣን እዩ ዝቑጸር ነሩ። እንተ ኾነ እግዚአብሔር ብፍሉይ መገድን ጸጋን ንፍሉይ ተልእኮ ሓርይዎ። አብ መገዲ እንከሎ ስዓበኒ ኢልዎ ይብለና ማርቆስ። ኩሉ ዘልኦ ሓዲጉ ስዒብዎ። ቅድሚ ብምሉእ ምስዓቡ ንኢየሱስ አብ ገዝኡ ምሳሕ አሰናድዩ ከም ዝዓደሞ ወንጌል ይነግረና። ንዕድመ ኢየሱስ ተቐቢሉ ንኹሉ ዘለዎ ሓዲጉ ነቲ ዝኣመኖ መድኃኒ ስዒቡ።

አባ ገሪማ መለልይኦም ከም ማቴዎስ ንኹሉ ሓዲጎም ንስብከት ወንጌል አብ ሃገርና ከም ዝመጽኡ እሞ ፍረ ዘለዎን ዕዉት ሓዋርያዊ ተልእኮ ከም ዝፈጸሙ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ክርስትና ሃገርና ዝምስክሮ እዩ። ሎሚ ዝኽሮም ንሕና እውን ብሓዲስ መንፈስ ንስብከተ ወንጌል ክንወፍር አሰር አቦና ስዒብና ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክንብገስ እዋኑ እዩ፥ ከም ማቴዎስ ወንጌላዊ እምብአር ንኹሉ ሓዲግና ንኢየሱስ ክንሰምዕን ክንስዕብና ብዳግም ንሕተት አሎና እሞ እነኹ ጎይታይ ኩሉ ካባይ ዝድለ ኽገብር ፍቓደኛ እየ ንበሎ።

ክርስቶስ ንኹልና ኪዱ ስበኹ ኢሉ ቃሉ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ልኢኹና እዩ። አነ ሎሚ መልእኽቲ መን እየ ዘብጽሕ ክንብል አሎና። ሓደ ካብቲ ከቢድ ንሰባኻይ ወንጌል አብ ዝወፈሮ ዓለም ሥጋ ስዒርዎ ካብ ተልእኮኡ ወጺኡ ካልእ ከይሰብኽ እዩ። እሞ ሰበኽቲ እምነትና ዘሎና ወይስ ካልኦት ብዝሰበኹና መንፈስ እምነትና አይዝሑል አይ ምዉቕ ኮና ንነብር አሎና። ሰንበት ዘባኣ ገሪማ ከበራብረና ይግባእ።

ንኹሉ ሓድግካ ንኢየሱስ ምስዓብ፡

ሰብ ብተፈጥርኡ ጸዋዕትኡ ንአምላኽ ምምሳልን ምስኡ ምንባርን እዩ። ቅድስት ስላሴ ብኣምሳልና ሰብ ንፍጠር ኢሎም ዝፈጠርዎ አዳም ፍሉይ ጸጋ እዩ ተዓዲሉ። አብ ባህርይ አምላኽ አቲና ጣዕሚ ውሉድ ክነስተማቕር ተዓዲልና። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ድሕሪ ውድቀት እውን ኢየሱስ ነዚ እዩ አርእይና። አምላኽ እንከሎ ንሕና ምስ አምላኽ ሓደ ምእንቲ ክንከውን ባህርና ወሲዱ ብዘይ ኃጢአት ብኹሉ ንኣና መሲሉ። ድሕሪ ሞቱ እውን አይሓደገናን ምስኡ ሓድነት ክህበና ኢሉ አቡናት ካህናት ድያቆናት አብ መንጎና ነቲ ንሱ ዝሰርዖ ምስጢራት ዝዕድሉ ሂቡና። እዚ ኹሉ ምስኡ ሓደ ክንከውን ምእንቲ እዩ።

ማቴዎስ ከምኡ ካልኦት አርድእቲ አጸዋዕኦም እንተ ረኤና አብቲ ዝነብርዎ ዝነበሩ ሕይወት አብቲ መዓልታዊ ሕይወቶም እንከለዉ ተኸተሉኒ ስዓቡኒ ኢልዎም ንሶም ከአ ስዒቦሞ። ንኣና ሎሚ ምናልባት ከም ናይ ሓዋርያት ስዓቡኒ አይብለናን እዩ እንተ ኾነ ክንሰምዖ ክንክተሎ ይጽውዓና አሎ።

ንመጸዋዕታ አምላኽ ምቕባል። ሎሚ አብዛ ሰዓት ኢየሱስ አነ ክገብሮ ዝደልየኒ ነገር አሎ። ክሰምዖ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ኮይነ ክርከብ ይደልየኒ አሎ። ምናልባት ምስ ተባኢሰዮ ዘሎኹ ክዕረቕ ይደሊ ይህሉ ወይ ካብቲ ዘሎኒ ጸጋ ንኻልኦት ከካፍል ይደልየኒ ይህሉ፥ ወይ ዝያዳ ጸሎት ክገብር ይደልየኒ ይህሉ. . . እቲ መጸዋዕታ ብዝሕ እዩ። ንመጸዋዕታ ክሰምዕ ስንድው ዘሎኹ። አብዛ ዘለኽዋ ክኽተሎ ክሰምዖ ይደልየኒ አሎ። ሕራይ ኢልና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንአቱ ፍቓደኛታት ንኹን።
ንኢየሱስ አብ ሕይወትና ንዓድሞ። ቅዱስ ማቴዎስ ንኢየሱስ አብ ገዝኡ ከም ዝዓደሞ ወንጌል ይነግረና። ንኢየሱስ ክትዕድም መጀመርያ ተሓድሶ ሕይወት ይሓትት። ምስኡ ክትበልዕ ክትሰቲ ክተዕልል ንኣኡ ዝኸውን ምአድን ኩነትን ምስንዳው የድሊ። ሰባት ንኢየሱስ ክዕድምዎ ክፈልጥዎ የድሊ። አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ክንእቱ እሞ ናቱ አርድእቱ ሰበኽቱ ክንከውን። ከም ማቴዎስ ስዓበኒ ይብለና አሎ ሽዑ ንሕና ክንዕድሞ ምስ ስድራና አብ ሓዳርና አብ ግላዊ ሕይወትና ክነእትዎ ይደልየና አሎ።
ንኢየሱስ ምስ ተኸተልካ ንድሕሪት ዘይምጥማት። ሓዋርያት ሓንሳብ ምስ ሰዓብዎ ንድሕሪት አይጠመቱን። ወላ እውን ከም ሰብ መጠን ይወድቁ እንተነበሩ አብ ጌጋ ኸለዉ ፀሓይ አይዓረበቶምን አብ ኢየሱስ ተመሊሶም ዳርጋ ኩሎም ብሰማዕትነት መይቶም። ንኢየሱስ ፍቕሩን መን ምዃኑን እንተ አሚንካ ምእንትኡ ክትመውት ክትስዋዕ ከቢድ አይኮነን። ሎሚ አጸጎሚ ዘሎ ክሳብ አብ መስዋዕቲ ዘብጽሕ እምነት አይርኤን። ቤተ ክርስትያን በዝን በትን ዘካፍእዋ ዝሓምይዋ ዝጸልእዋ ይበዝሑ አለዉ እዚ ኹሉ መሰረቱ እቶም እንኣምን ኢና እንብል ንእምነትና ከምቲ ንሕና እንደልዮ እምበር ኢየሱስ ከም ዝደልዮ ስለ ዘይንመርሕ እዩ።

አብዚ ዓለም ብቁጠባ ብስእነት ሰላም ሰባት አብ ነነድሕዶም ዝባልዑሉን ዝጨኻኸኑሉን ዘሎ እዋን ናይ ነፍስወከፍና ሕያው እምነት የድሊ አሎ። አብ ልብና ተመሊስና አብቲ አምላኽ ዝደልየኒ ሕይወት ዘሎኹ ክንብል። ዕለት ዕለት ስዓበኒ ዝብላ ቃላት ኢየሱስ መግብና ሕይወትና ንግበረን። ቅዱስ አቦና ኣባ ገሪማ “ከም ወርኅ ንጹሕ ወከመ ኮከብ ብሩህ” እናበልና ሕይወቶም እናአስተንተና አሰሮም ክንስዕብ እሞ ከም ዓቕምና አብ ግራት ወንጌል ወፊርና ክነፍሪ ጸልዩልና ንበሎም። አብ ኩሉ አምላኽ ብጸግኡ የሰንየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.